ድምጻዊ ኣሚር ዳውድ፡ መን እዩ?

ኣሚር ዳውድ

ምንጪ ስእሊ, AMIR DAWUD

ውሩይ ናይ ትግርኛ ድምጻዊ ኣሚር ዳውድ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ መዓልታት ብፅኑዕ ሓሚሙ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ሓሙስ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ዓሪፉ።

ኣሚር ኣብ መቐለ ላዕለዋይ ሆስፒታል ዓይደር ደቂሱ ክሕከም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ስለዝነበረ፡ ውንኡ ስሒቱ ኣብ ክፍሊ ፍሉይ ክትትል ሕክምና (ኣይሲዩ) ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

ምሕማሙ ዝሰምዑ ፈተውቱ፤ ህይወት ድምፃዊ ኣሚር ዳውድ ንምድሓን ሒሳብ ባንኪ ከፊቶም፡ ከምኡ ድማ ብመርበብ ሓበሬታ መሐከሚ ገንዘብ ንምእካብ ክረባረቡ እዮም ቀንዮም።

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ እውን፡ ብሓሙስ ንመሐከሚ እቲ ድምጻዊ 70 ሽሕ ብር ለጊሳ ነይራ።

ብዙሓት ኣድነቕቱን ስድርኡን፡ ናብቲ ዝደቀሰሉ ሆስፒታል ብኣካል እናኸዱ ኩነታቱ ክዕዘቡን ምሕረት ንክረክብ ፀሎት ክገብሩን ቀንዮም፡ ኣብቲ ዝዓረፈሉ ዕለት እውን ኣብቲ ሆስፒታል ዝሓደሩ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣሚር ዳውድ፡ ፈታዊ ጥበብን ጥበበኛን ጥራሕ ኣይነበረን፡ ብዙሓት ንህዝቡ ዝግደስን ውፉይን ነይሩ ይብልዎ።

ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ናይ ዘውፅኦ ሓድሽ ኣልበም ሽያጥ፡ ካብ ዝተፋላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ንምሕጋዝ ኣበርኪትዎ እዩ።

ኣሚር ዳዉድ መን እዩ?

ኣሚር ዳውድ ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 04 እዩ ተወሊዱ፡ ኣብ ቀበሌ 03 ድማ ዓብዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ 'መሰረተ' ክሳብ ሓምሻይ ክፍሊ ተምሂሩ፡ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኣብ ኣወልያ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ተማሂሩ።

ካብ ብቁልዕነቱ ክራር ባዕሉ ሰሪሑ ምፅዋት ዝጀመረ ኣሚር፡ ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ደሪፉ እዩ።

ኣሚር ዳውድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢትዮጵያ ኣይተ መለስ ዜናዊ 'ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዎ' ይብሉ ፈለጥቱ።

ድሕሪ ሞት ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፡ "ወዲ ውለዲ እሞ መለስ በልዮ መለስ፡ ዘመን ክምለስ" ዝብል ደርፊ ምድራፉ ነዚ ሓቂ ዘጠናኽር ይመስል።

ንኣይተ መለስ ዜናዊ ዝነበሮ ናእዳን ፍቕርን ግን ብደርፊ ጥራሕ ኣየብቅዐን።

ንቦኽሪ ጓሉ እውን፡ 'ራኢ መለስ' ክብል ሰይምዋ። ብድሕሪኡ'ውን 'ብስምካ ሰምየያ ንጓለይ' ክብል ' ካልእ ደርፉ ናብ ሰማዕቲ ኣብጺሑ እዩ።

ኣሚርን ስራሕቱን

'ኣሚር ሰባት እንትብደሉ ሪእኻ ከምዘይራእኻ ምዃን ኣይኽእሎን፣ ሓሶትን ብድዐን ከኣ ጸላእቱ እየን' ይብሉ ዝፈልጥዎ። ነዚ ዶ ይኸውን 'ከኣሎ ፅናሕ ልበይ ከኣሎ' ክብል ዝደረፈ?

ብሕሱም ፍቕሪ ንዝፍጠር ቅንእን ጥርጣረን ንምግላፅ እውን 'ይመስለኒ' ክብል ኣስቆንቂኑ እዩ።

ንብዙሕ ግዘ ካብ ሰማዕቱ ተፈልዩ ምስፀንሐ ድማ 'ሰሓባ እናቴ' ክብል ምስ ጥዑም ድምፁ ብባህላዊ ደርፉ ደበኽ በለ።

ኣብ ዕድመ ንእስነትን ናፍቆትን ኮይኑ 'ዓደይ መቐለከመይ ኣላ? ' ክብል ንዝደረፋ ዜማኡ ፍሉይ ጦብላሕታ ነይርዎ። እዛ ደርፉ ኣብ ልቢ ብዙሓት'ውን ዝኣተወት እውን እያ።

"….ነዊሕ እዋን ኮይኑ ካብ ዓደይ ተፈልየ፡

ዘዕበየትኒ ኣዶ ከመይ ኣላ መቐለ…..

ዘዕበየትኒ ወለሎ ተናፋቒት እያ ዓደየ ዘይትሙኖ

'ዓደይ መቐለ ከመይ ኣላ

ዜማ ናፍቖት ከመላ"

ኣሚር ፈታዊ ዓዱ ነይሩ። ንትግራይን ንህዝባን፡ ታሪኻን ክብርታታን ኣልዒሉ ኣይጸግብን ይብሉ መሓዙቱ።

"ትግራይ ዓደይ ግርማ ሃገር ካባ

ምድሪ ነጃሺ ዛመጽለሊት ኣስሗባ

ጮራ ስልጣነ ዓዲ ንግስተ ሳባ

ዓይነይ ኣይሓስን ኩለንተናይ ክህባ"

ዝብል ደርፉ ነዚ ስምዒቱ ዘንጸባረቐላ ትመስል።

እዛ ደርፊ ኣሚር ምስ ኣድነቕቱ፣ ፈተውቱን ህዝቡን ዝተፈላለየላ ናይ መወዳእታ ደርፊ ድማ ኮይና።

ኣሚር ብዛዕባ ቋንቋ ትግርኛ እንትዛረብ ዶብ ኣይነበሮን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኾነ ኣብ ትግራይ ዘሎ ትግርኛ፡ ከምኡ እውን እቲ ህዝቢ "ንዓይ ሓደ እዩ" ይብል ነይሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ክልል ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ድማ ካብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝወጹ ስነጥበባውያን ተሓባቢሮም ክሰርሑ ከምዘለዎም ተዛሪቡ ነይሩ።

ስርዓተ ቀብሩ፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈጺሙ።