ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ነበር ታከለ ኡማ ወራር መሬት ተፈጺሙ ንዝብል ጸብጻብ ነጺጉዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ሰኑይ ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ውራ መሬትን ዘይሕጋዊ ዕደላ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይትን ከምዝተፈጸመ ዝሕብር ጸብጻብ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር። እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ድማ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምዝተሳተፉ ኣፍሊጡ'ዩ።
ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ዝነበረ ታከለ ኡማ [ኣብዚ ሕዚ እዋን ሚንስተር መዓድን] ብወገኑ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር የለን ክብል መልሲ ሂቡ'ሎ።
ንሱ: "ውራ መሬት ብዝምልከት ካብታ ፈላሚት መዓልቲ ጀሚርና ክሳብ መወዳእታ ተሪር ስጉምቲ ክንወስደሉ ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።
ን20 ሽሕ ሓረስቶት ዝተወሃቡ ናይ ኮንደሚንየም ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ከኣ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብደረጃ ካቢነ ዝተወሰነን ዝተፈጸመን ከምዝኾነ ጠቒሱ።
Content is not available
View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።End of Facebook post
እቲ ተግባር ብቕሉዕ ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ ታከለ ኡማ ካብ መሬቶም ተፈናቒሎም ኣብ ዝተሓተ ዓውዲ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ 67 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ከምዝነበሩ ብምግላጽ፤ ካብ ሞንጎኦም "ኣብ ሕሱም ጸገም ንዝወደቑ" 20 ሽሕ ኮንደሚንየም ከምዝተወሃበ ኣረዲኡ።
ነዚ ምግባር ድማ "ይውሕድ እምበር ዝበዝሕ ኣይኮነን" ኢሉ።
በቲ ስራሕ ከምዝሕበን ብምግላጽ ድማ "ብግፍዒ ንዝተበደለን ካብ መሬቱ ብግፍዒ ንዝተፈናቐለን ሓረስታይ ምኽሓስ ዘሕብን እዩ!" ክብል መርገጺኡ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቅዖ መልእኽቲ: ኤዜማ ዝብል ስም ውድብ ፖለቲካ እንተዘየልዓለ'ኳ "ንዋላ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ'ቶም ብግፍዒ ዝተፈናቐሉ ሓረስቶት ተገዲሱ ዘይፈልጥ ጉጅለ ሎሚ ጉድኣት ሓረስቶት ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።
ጸብጻብ ኢዜማ እንታይ ይብል?
ብብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ውድብ: ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 200 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ብውራ ከምዝተትሓዘ ብዝገበርኩዎ መጽናዕቲ ኣረጋጊጸ ኢሉ።
እቲ ውራ መሬት 'ሰብ መዚ መንግስቲ'ውን ዝተሳተፍዎ እዩ' ዝበለ ኢዜማ፡ እዚ ድማ ንምክልኻሉ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ውራ መሬት ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግን ተራእዩ ብዘይፍለጥ መጠን: ውራ መሬት ተስፋሕፊሑ ምህላዉ እዩ እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ዝገልጽ።
"[ውራ መሬት] ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዚ ደረጃን ቅልጣፈን ዝተስፋሕፈሓሉ እዋን ኣይነበረን" ይብል ኢዜማ ኣብ'ቲ ብደቂቕ ኣካይደዮ ዝበሎ መጽናዕቲ።
ብዛዕባ'ዚ፤ መልሲ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ቴለፎን ደዊልና ነይርና፡ ኣይሰመረን።
ካብቶም ብውራ ተታሒዞም ዝበሎም ቦታታት "ንጥዕና፡ ትምህርትን ንሓምለዋይ ልምዓትን ክውዕሉ ተሓዚኦም ዝጸንሑ ቦታታት" ከምዝርከብዎም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
"ምምሕዳር ናይ'ታ ከተማ እናረኣየን እናሰምዐን ብዘይ ሕጋዊ መገድን ብዝተወደበን መልክዑ፡ ብውራ ዝተትሓዘ መሬት ብቕልጡፍ ካርታን ፕላንን ተሰሪሑሉ ብመሸጣ ናብ ሳልሳይ ወገን ሓሊፉ እዩ። ብውልቀን ብማሕበርን ንመፍረዪን ንኣገልግሎት ንግዲን ክውዕል ተገይሩ፡ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ገዛ ተረባሕቲ ክኾኑ ዘይግበኦም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ድማ ቦታን መለለዪ ወረቐትን ተዋሂብዎም" ድማ ይብል።
ኢዜማ ከምዝብሎ፡ እቲ ውራ መሬት፡ ሰብመዚ መንግስቲ "ቀንዲ ተሳተፍቲ" ዝነበርሉ እዩ።
"ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲን ኣካላት ፍትሕን ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ'ቲ ጉዳይ ቀንዲ ተዋሳእቲ እዮም። ዝደልዩዎም ሰባትን ጉጅለታትን መሬት ክወርሩ ኣጣጢሖም፡ ምስ ውልቀሰባት ተመሳጢሮም ድማ ባዕሎም ወረራ ፈጺሞም" ክብል ይኸስስ።
ውድብ ኢዜማ ኣብ ሓሙሽተ ክፍላተ-ከተማ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ 212,600 ካሬ ሜትር መሬት ከምዝተወረረ ኣረጋጊጸ እ ይብል።
ንሳቶም ድማ፡
- ኣብ ንፋስ ስልክ ላፍቶ፡ 88,100 ካሬ ሜትር
- ኣብ የካ፡ 63,000 ካሬ ሜትር
- ኣብ ቦሌ፡ 15,000 ካሬ ሜትር
- ኣብ ኮልፌ ቀራኒዮ፡ 23,600 ካሬ ሜትር
- ኣብ ኣቃቂ ቃሊቲ ፡ 23,000 ካሬ ሜትር
እቲ ውድብ ወሲኹ፡ ካብ ውራ መሬት ብተወሳኺ፡ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ (ኮንደሚንየም) ዘይፍትሓዊ ዕደላ ይካየድ ኣሎ ይብል።
"ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይፍትሓዊ መገዲ፡ ኮንደሚንየም ንዘይግበኦም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ይህብ ከምዘሎ ኣረጋጊጽና ኢና" ኢሉ።
"ብፍላይ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ከተማ" ኢሉ ዝጠቅስ እቲ መጽናዕቲ፡ ዕጻ ኣውዲቑ ንዕድለኛታት ከከፋፍል ምዃኑ እኳ እንተገለጸ "ውሽጢ ንውሽጢ ንናይ ባዕሎም ኣባላት፡ ሹመኛታትን፡ ንዘይፍለጡ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ተዓዲሉ እዩ ክብል ከሲሱ።
"ሰራሕተኛታት ክልል ኦሮሚያ፡ ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያ ኣዲስ አበባን 'ኮንደሚንየም' ከምዝተዓደሉ ይፍለጥ እዩ። ሕዚ ድማ ዳግም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮንደሚንየም ይዕደሎም ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ'ቲ ናይ ኢዜማ መጽናዕቲ፡ ናይ መንግስቲ መልሲ ኣይተኻተተን።
ንምምሕዳር እቲ ከተማን ቤት ጽሕፈት ከንቲባን መብርሂ ሓቲቶም መልሲ ከምዘይረኸቡ እዮም ዝገልጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







