ኣብ ዩጋንዳ ሓደጋ በርቂ ዓሰርተ ህጻናት ቀቲሉ

መብረቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ዩጋንዳ ከተማ ኣውራ ዝወደቐ መብረቕ ዓሰርተ ህጻናት ቀቲሉ፡፡

ኣብቲ ከባቢ መብረቕን ነጎዳን ዝሓወሰ ዝናብ እናወቐዐ ጸኒሑ እዩ፡፡

ትማሊ ሓሙስ ኣብታ ከተማ፡ ኩዕሶ ዝጻወቱ ዝነበሩ ህጻናት፡ ሓያል ዝናብ ስለዝመጸ፡ ጸወተኦም ኣቋሪጾም ኣብቲ ከባቢ ብሳዕሪ ኣብ ዝተኸደነ ህንጻ ከዕቕሉ ኣትዮም፡፡

ሃንደበት እቲ ዘጽለልሉ ህንጻ ብመብረቕ ተወቒዑ፡፡

ካብ 13 ክሳብ 15 ዕድመኦም ትሸዓተ ህጻናት ኣብቲ ህንጻ እንትሞቱ ሓደ ህጻን ድማ፡ ናብ ሆስፒታል እናተወሰደ ኣብ መገዲ ዓሪፉ፡፡

ሰለስተ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ህጻናት ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ፡፡

እቲ ሓደጋ ካብ 2011 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ዩጋንዳ እቲ ዝኸፍአ እዩ፡፡

ኣብ 2011 ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝወደቐ መብረቕ 18 ህጻናት ዝቐተለ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራሕ 28 ሰባት ብሓደጋ መብረቕ ሞይቶም እዮም፡፡