ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ወዲቓ 8 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, South Sudan journalists
ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ንሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም ዝኽፈል መሃያ ክተብጽሕ ትጉዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ወዲቓ።
እታ ነፋሪት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ናይ’ታ ሃገር ጁባ ዝወደቐት ኮይና፡ ካብቶም 9 ተሳፈርቲ፡ እቶም 8 ከምዝሞቱ ሰብመዚ ገሊጾም።
እቲ ካብ ሞት ዝደሓነ ሓደ ተሳፋሪ ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ።
እታ ነፋሪት፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ ምስተበገሰት ብዙሕ ከይጸንሐት እያ ወዲቓ።
እታ 'ኣንቶኖቭ 36' ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ነቶም ኣብ ምዕራባዊት ግዝኣት ባሃር ኢል ጋዛል ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም፡ መሃያ ክተብጽሕ እያ ‘ኦፖርቹኒቲ’ ብዝበሃል ባንኪ ተላኢኻ ነይራ።
ሚኒስተር ትራንስፖርት ናይታ ሃገር ከምዝበሎ፡ መጠን ናይቲ ገንዘብ 35 ሽሕ ዶላር ከምዝነበረ ይገልጽ።
እቲ ገንዘብ በቲ ሓደጋ ናብ ሓሞኽሽቲ ከምዝተቐየረ ድማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ምጽራይ ዝገብር ጉጅለ ቆይሙ’ሎ።
እቲ ሓደጋ ትማሊ ቀዳም እዩ ኣጋጢሙ። ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ፡ እቶም 4 ደቡብ ሱዳናውያን እዮም።
እቶም ክልተ ድማ ዜጋታት ታጂኪስታን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ዩክሬናውያን እዮም።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪር፡ በቲ ሓደጋ ከምዝሓዘነ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







