መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ቀንዲ ተቓዋሚ ጉጅለ ስልጣን ናይ ምምቕራሕ ስምምዕ ከቲሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረሲደንት ሳልቫኪርን መራሒ ተቓዋሚ ጉጅለ ሪክ ማቻርን ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ስምምዕ ከቲሞም።
ሪክ ማቻር ሓደ ካብ ሓሙሽተ ምክትል ፕረሲደንታት 'ታ ሃገር ከም ዝኸዉን ዝገብር እዚ ስምምዕ፤ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈን ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ዘመዛበለን፡ ኲናት ሓድሕድ መዕለቢ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላማዊ መፍትሒ ንምምጻእ ኣቐዲሞም ዝተገብሩ ፈተነታት ፈሺሎም ኢዮም።
መንጎኛ እቲ ስምምዕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣልዲርዲሪ መሓመድ "ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ስምምዕ ተኸቲሙ ኣሎ፤ እዚ ስምምዕ ድማ ክልቲኦም ወገናት ተኹሲ ደዉ ንምባል ዘለዎም ቅሩብነት ዘርኢ ኢዩ" ኢሉ።
ፕረሲደንት ሳልቫ ኪር ብወገኑ "ብዘይ ጸቕጢ" ዝተገብረ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ዉጽኢታዉነት እዚ ስምምዕ ዝያዳ ምትእምማን ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
"ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓድሕዱ ሰላም ክገብር ስለ ዝተሰማምዐ እዚ ስምምዕ ከም ዘይፈርስ ርግጸኛ ኢየ" ከም ዝበለ ሮይተርስ ይጠቅስ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ነጻ ዝወጸት ሃገር ክትኸዉን ከላ፡ ምጽናት ዓሌትን ካልእ ግፍዕታትን ብዝተራእዮ ካብ 2013 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ፡ ዓንያ ኢያ።
እቲ ግጭት ኪር ምክትሉ ንዝነበረ ማቻር ካብ ስልጣን ምስ ኣባረረ ዝተጀመረ ኮይኑ፤ ኣብ ደገፍቶም ብዝነበረ ዓሌታዊ ክፍፍል ኢዩ ተጋዲዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







