ዕልዋ መንግስቲ ማሊ ዝወደቡ ወተሃደራት ን 3 ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ደልዮም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕልዋ መንግስቲ ማሊ ዝወደቡ ወተሃደራት እታ ሃገር መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪቶም ን3 ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ከምዝደልዩ ገለ ኣዛተይቲ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣፍሊጦም።

ይኹን'ምበር፡ እቶም ኣዛተይቲ ዞባዊ ትካል ኢኮዋስ ዝኾኑ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብሲቪል ወይከኣ ጥሮታ ብዝወጽአ ወተሃደራዊ መኮንን ክምራሕ ሕቶ ኣቕሪቦምሎም።

እቲ ልዝብ፡ ብፕረዚደት ነበር ናይጀርያ ጉድላክ ጆናታን እዩ ዝምራሕ ዘሎ።

እቲ ዞባዊ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳ ዘንበረ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ወተሃደራት ጽዕንቶ ይፍጠር ኣይፍጠር ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እቶም ዕልዋ መንግስቲ ወዲቦም፡ ንፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባከር ከይታ ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ወተሃደራት፡ መጀመርታ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ድሌት ከምዘይብሎም እዮም ገሊጾም ነይሮም።

መራሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ነቲ ኣብ ቀይዲ ኣእትይምዎ ዝጸንሑ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቦባከር ከይታ ከም ዝፈትሕዎን ኣብ ገዝኡ ከም ዘሎን ገሊጾም።

ኢኮዋስ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኖም።