ወተሃደራት ማሊ፡ ሃገራዊ መረጻ ክጽውዑ ቃል ኣትዮም

እቶም ትማሊ ንፕረዚደንት ማሊ: ኢብራሂም ባቡከር ከይታ: ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ወተሃደራት፡ ሲቪላዊ መሰጋግሪ ምምሕዳር ንምምስራትን ከምዝሓሰቡ ገሊጾም።

ነዚ ድማ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ መረጻ ንክካየድ ከምዝገብሩ ቃል ኣትኦም።

ወሃቢ ቃል ቶም ዝኣደሙ ወተሃደራት፡ እቲ ትማሊ ዝወስደ ስጉምቲ እታ ሃገር ናብ ቅልውላው ከይትኣቱ ንምድሓን ምዃኑ ተዛሪቡ።

እቶም ኣብቲ ኣድማ ዝተሳተፉ ወታደራት፡ ንባዕሎም 'ሃገራዊ ኮሚቴ ንህዝባዊ ድሕነት' ኢሎም ዝሰየሙ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ድሌት ከምዘይብሎም ይገልጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መራሕቲ ዞባዊ ሃገራትን ውድብ ሕቡራት መንግስኣትን ግን፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኖም ኣለዉ።

-----------------

ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ኬይታ፡ ትማሊ ብወተሃደራት ምስ ተኣሰረሎሚ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ኬይታ ንሃገራዊ ማዕከን ዜና ማሊ ኣብ ዝተዛረቦ፡ እቲ መንግስትን ባይቶ እታ ሃገርን ብዕሊ ፈሪሱ ኣሎ።

"ኣነ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ደም ክፈስስ ኣይደልን" ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ንሱን ቀዳማይ ሚኒስትር ባውባው ሲስን ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ባማኮ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተወሰዱ ኮይኖም፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ገሊጹ።

ፈረንሳን መራሕቲ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃን ግን ነዚ ተግባር ኮኒኖምዎ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ኬይታ፡ "ሎሚ ገለ ኣባላት ሰራዊትና ኢዶም ብምሕዋስ እዚ ነገር ከብቅዕ ዝደልዩ እንተኾይኖም፡ እንታይ ምርጫ ኣለኒ?" ኢሉ።

ቅድም ኢሉ እቶም ናዕቢ ዘለዓዓሉ ወተሃደራት ንመዓስከር ወተሃደራት ካቲ ተቖጻጺሮምዎ'ዮም።

ኣብቲ ሰራዊት፡ ኣብ ጉዳይ ደሞዝን ምስ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር ቐጻሊ ግጭትን ዘበገሶ ዘይዕግበት ነይሩ'ዩ።

ኬይታ፡ ኣብ 2018 ንኻልኣይ ግዜ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ወላ እኳ እንተተዓወተ፡ ብሰንኪ ብልሽውና፣ ጸገም ቑጠባዊ ምሕደራን ውሽጣዊ ጎንጽን ቁጥዐ ክለዓል ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዓበይቲ ናዕብታትን ተቓውሞታትን ክካየድ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

ብኢማም መሓመድ ዲኮ ዝምራሕ ሓድሽ ልፍንቲ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓወሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ብዛዕቢ እዚ ናዕቢ ዘልዓሉ ወተሃደራት እንታይ ንፈልጥ?

ብምኽትል ሓላፊ ወተሃደራዊ መዓስከር ካቲ ኮሌኔል ማሊክ ዲዋን ጀነራል ሳዲዮ ካማራን እዩ ዝምራሕ።

ነቲ ካብ ከተማ ባማኮ 15 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ምስ ተቖጻጸርዎ፡ ፕረዚደንት ኬይታ ንክወርድ ብዝጠልቡ ዝነበሩ ወተሃደራት ተቐባልነት ረኺቦም።

ብሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናብ መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዚደንት ብምኻድ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሓባር ኣሲሮምዎም።

ወዱ ነቲ ፕረዚደንት፣ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ሽማግለ፣ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻእን ሚኒስትሪ ፋይናንስን'ውን ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።

ብዝሒ'ቶም ናዕቢ ዝገበሩ ወተሃደራት ግን ብወግዒ ኣይተፈለጠን።

ኣብ 2012'ውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ካቲ ተመሳሳሊ ናዕቢ ተላዒሉ ከምዝነበረን፡ ኣብቲ እዋን ነባራት ኮማንደራት ማሊ ንጅሃዳውያንን ዕጡቓት ቱረግ ሰሜናዊ ማሊ ካብ ምቁጽጻር ጠጠው ከብሉዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ መንጎ እቶም ወተሃደራት ብዙሕ ቑጥዐ ፈጢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው መራሕቲ ክፍትሑ ጸዊዖም ኣለው።

ቑጠባዊ ውህደት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ [ኢኮዋስ] ብወገኑ፡ 15 ኣባል ሃገራት ምስ ማሊ ዘራኽበን ዶባት ክዕጾ፣ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ጠጠው ክብልን፤ ማሊ ካብቲ ውህደት ክትውገድ ከም ዝወሰነን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኢኮዋስ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኬይታን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ዝግበር ዝነበረ ዘተ ይሽምግል ነይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ማሊ ንምዝራታይ ክእከብ እዩ።