እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ማሊ ምስ ተቓወምቲ ዘትዮም
መራሕቲ እቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ማሊ ነቲ ስጉምቲ ምስ ዝደገፉዎ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ተዛትዮም።
እቲ ፕሬዝደንት ምስፍሕፋሕ ጅሃዳውያን ዕጡቓትን ውድቀት ቑጠባዊ ዕብየት እታ ሃገርን ክቆጻጸር ኣይክኣለን ብዝብል ነቒፎምዎ።
እቲ ልፍንቲ ተቓወምቲ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት ስቪላዊ ስግግር መንግስቲ ንክምስረት ንዝወሰዱዎ ስጉምቲ ንንእድ ኢሉ።
ወተሃደራዊ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎታ ሓድሽ መራሒ ሰራዊት ማሊ ኮይኑ ኣሎ።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ናብ ስራሕ ቦትኦም ክምለሱ ጸዊዑ። እንተኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኾኒኑ።
መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብወገኖም፡ እቲ ስጉምቲ 'ክርደና' እዩ ኢሎም ብምኹናን ሎሚ መዓልቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከም ዝዛተዩ ኣፍሊጦም።
ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብምኽንያት እቲ ዕልዋ መንግስቲ ንማሊ ካብ ኣባልነት ኣጊዱዋ ይርከብ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እታ ሃገር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ዝህሉዋን ኣብ ቀይዲ ዘሎ ፕሬዝደንት፣ ቀዳማይ ሚኒስትርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ክሳብ ዝፍትሑ ክትእገድ እያ ይብል።
ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ስሪል ራማፎሳ'ውን እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘሎ ፕሬዝደንት ኢብራሂም ባውባካር ኬታ ክፍታሕ ሓቲቱ።
እታ ሃገር'ውን ቐልጢፋ ናብ ስቪላው ምምሕዳር ክትምለስ ኣተሓሳሲቡ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ፕሬዝደንት ንክፍታሕ ከም ዝሓተተ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
እዞም ንፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ባቡከር ከይታ፡ ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ወተሃደራት፡ ሲቪላዊ መሰጋግሪ ምምሕዳር ከምዝመስሩ'ውን ገሊጾም ኣለው።
ነዚ ድማ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ መረጻ ንክካየድ ከምዝገብሩ ቃል ኣትኦም።
ወሃቢ ቃል ቶም ዝኣደሙ ወተሃደራት፡ እቲ ዝወስደ ስጉምቲ እታ ሃገር ናብ ቅልውላው ከይትኣቱ ንምድሓን ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ።
እቶም ኣብቲ ኣድማ ዝተሳተፉ ወታደራት፡ ንባዕሎም 'ሃገራዊ ኮሚቴ ንህዝባዊ ድሕነት' ኢሎም ዝሰየሙ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ድሌት ከምዘይብሎም ይገልጹ።