ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝተፈተነ ዕልዋ ብስእሊ

ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከመይ ነይሩ?

  • ውሑዳት ጀነራላትን ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግን ንመንግስቱ ሃይለማርያም ናብ ምብራቕ ጀርመን ከፋንውዎ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም።
  • ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ሜ/ጄኔራል ቁምላቸው ደጀኔ ንጄ/ል ደምሴ ቡልቶ ዝወሃብ ደብዳበ ሒዙ ናብ ኣስመራ ከደ።

ጄኔራል መርእድ ንጉሴ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሚስጥራዊ ርክብ ገይሩ።

  • መንግስቱ ሃይለማርያም ምስ በዐልቲ ቤቱን ጓሉን ናብ ምብራቕ ጀርመን ክበርር ኣብ ነፋሪት ተሳፊሩ
  • መገሻ መንግስቱ ስዒቡ፡ 11 ዝኾኑ ጀነራላት ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዕልዋ መንግስቲ ከወሃህዱ ተኣኪቦም። መንግስቱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ትወቓዕ'ዶ ዋላስ ተገዲዳ ኣብ ኣስመራ ትዕረፍ ኣብ ዝብል ኣይተረዳድኡን።
  • ተሳታፊ ናይቲ ዕልዋ ጄ/ል ኣበራ ኣበበ ንሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ሃይለጊዮርጊስ ቀቲሉ ካብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተሰዊሩ።
  • ኮማንዶ ሓይሊ ኣየር ስለዝነበረ፡ ብሓጹር ዘሊሉ ኣምሊጡ ዝብል ግምት ተውሃበ።
  • ‹‹ስፓርታ›› ዝበሃል ብሰሜን ኮርያውያን ዝሰልጠነ ፍሉይ ሰራዊት ሓይሊ ኣየር፡ 150 ኣባላቱ ሒዙ ካብ ጦላይ ናብ ኣዲ ኣበባ ኣትዩ።
  • ጀነራል ቁምላቸው ደጀኔን ሌ/ኮ/ል ካሳዬ ታደሰን ዝመርሕዎም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኮማንዶታት ካብ ኣስመራ ብኣርባዕተ ኣንቶኖቭ ነፈርቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ በጽሑ።

ልእኽቶኦም ድማ፡ ንመራሕቲ እቲ ዕልዋ ሓለዋ ምግባርን ቀንዲ ትካላት ምቁጽጻርን ነይሩ።

  • ድሕሪ ቅትለት ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኣብ መንጎ ፈጸምቲ እቲ ዕልዋን ነዚ ከፍሽሉ ዝፍትኑን ዝርርብ ተጀሚሩ። እቶም ኣሸማገልቲ ሌ/ጄ አዲስ ተድላን ሌ/ኮ ደበላ ዲንሳን እዮም ነይሮም።
  • እቲ ልዝብ ውጽኢት ስለዘየምጸአ፡ ሓላፊ ድሕንነት ተስፋዮ ወልደስላሰን፡ የማናይ ኢድ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝነበረ ሻምበል መንግስቱ ገመቹን ንምኒስትሪ ምክልኻል ብታንክን ድሩዓት መካይንን ከቢቦምዎ።
  • እቲ ነገር ከምዘብቀዓሉ ዝተረድኡ ጀነራል መርእድ ንጉሴን ጀነራል ኣመሃ ደስታን ነብሰ ቅትለት ፈጺሞም።
  • እቲ ዕልዋ ከምዝፈሸለ፡ ካብ ሃንደስቲ እቲ ዕልዋ ጀነራል ፋንታ፣ ኮማንደር ሃይሌን ከምዝተሰወሩ ብመራኸቢ ሓፋሽ ተገሊጹ።
  • ጀነራል ፋንታ በላይ ካብ ዝተሓብኣሉ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ካብ ዝነበረ ኮንቴይነር ወጺኡ ኢዱ ሃበ። ድሕሪ ዝተወሰነ ወርሒ፡ ካብ ማእከላዊ ክሃድም ምስ ፈተነ ተቐቲሉ ተብሃለ።
  • ጀነራል ኣበራ ኣብ ከባቢ ጉለሌ ኣብ ዝተሓብኣሉ እንዳ ዘመድ ተኸቢቡ እናሃለወ፡ ናብ ናሕሲ ወጺኡ ከምልጥ ክፍትን ከሎ ብሓደ መንእሰይ ፖሊስ ግንባሩ ብጥይት ተወቒዑ ተቐቲሉ።
  • ንሓደ ዓመት ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ዝጸንሐ ኣብቲ ዕልዋ ዝተሳተፉ 12 ጀነራላት ብሞት ክቕጽዑ ተበይንዎም፤ ሽዑ ምሸት ድማ ተቐቲሎም።

(ኣብዚ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት፣ ሰዓታትን ዓመትን ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ እዩ)