ናሚብያ ብጀርመን ንዝቐረበላ ካሕሳ ገበን ጃምላዊ ቅትለት ነጺጋቶ

ምንጪ ስእሊ, @hagegeingob
ጀርመን ባዕዳዊት ግዝኣታ ኣብ ዝነበረት ናሚብያ ንዝፈጸመቶ ጃምላዊ ቅትለት፡ ንምኽፋል ዘቕረበቶ ካሕሳ፡ ናሚብያ ከምዘይትቕበሎ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሃጌ ግይንጎብ ገሊጹ።
ኣብ ናሚብያ ካብ 1904 ክሳብ 1908 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ዝተኻየደ ዓመጽ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ወታሃደራት ጀርመን ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሄረሮን ናማን ዝበሃሉ ህዝቢታት ቀቲሎም።
በቲ ጨፍጫፍ 75 ሚኢታዊት ህዝቢ ሄረሮን ፍርቂ ህዝቢ ናማን ከምዝተቐተሉ እዩ ዝንገር።
ሃገራት ጀርመንን ናሚብያን ካሕሳ ብዝምልከት ኣብ 2015 ኣቆጻጸራ ኣውሮጳ ዝርርብ ዝጀመራ ኮይነን፡ ዛጊድ ሸሞንተ ዙር ዝርርባት ኣካይደን እየን።
"እቲ ብጀርመን ቀሪቡ ዘሎ ካሕሳ ብመንግስቲ ናሚብያ ተቐባልነት ዘይብሉን ቀጻሊ ዝርርብ ዘድልዮ ጉዳይን እዩ"ዝበለ ፕረዚደንት ናሚብያ መጠን እቲ ዝቐረበ ገንዘብ ግን ኣይገለጸን።
እንተኾነ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ብመንግስቲ ጀርመን ዝቐረበ ናይ ዓሰርተ ሚልዮን ዩሮ(12 ሚልዮን ዶላር ) ካሕሳ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዘይተቐበሎ ዘ ናሚብያን ሪፖርትስ ጽሒፉ እዩ።
ጀርመን ብዕሊ ይቕረታ ክትሓትት ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተሰማመዐት ኮይና ዛጊድ ግን ብወግዒ ኣይሓተተትን።
ብተወሳኺ ኣብ ኣጥቓቕማ ቃላት ከምዘይተረዳድኡ ዝገለጸ ፕረዚደንት ናሚብያ ሃጌ ግይንጎብ፡ መንግስቲ ጀርመን ነቲ ካሕሳ ዝብል ቃል ከምዘይተቐበሎን ከክንድኡ ቁስሊ ምሕዋይ ዝብል ኣገላልጻ ክጥቀም ከምዝደልን ሓቢሩ።





![ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ኣቶ ልደቱ ኣያሌው](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/879D/production/_113871743_1dd72b6c-7821-4bca-8314-9645bf4fd460.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







