ሃይለየሱስ ኣዳሙ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብምልዕዓል ዝንቀፍ ሹመኛ ፓርቲ ብልጽግና

ኣይተ ሃይለየሱስ ኣዳሙ

ምንጪ ስእሊ, AMMA/FB

ኣብዚ ቅንያት ኣዘራረብቲ ካብ ዝኾኑ ዛዕባታት ኢትዯጵያ ሓደ፡ ኣብ ፓርቲ ብልጽግና ጨንፈር ኣምሓራ ጉዳይ ማሕበራዊ ሚድያ ክመርሕ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ነባሪ ስዊድን (ሽወደን) ዝኾነ ኣይተ ሃይለየሱስ ኣዳሙ ዝምልከት እዩ።

ቅድም ክብል ኣብ ናይ ውልቁ ማሕበራዊ ሚድያ ብጽሑፍን ተንቀሳቃሲ ምስልን ንህዝብታት ዝፈላልዩ መልእኽትታት ብምዝርጋሕ ዝንቀፍ ኣይተ ሃይለየሱስ፡ ናብቲ ሓላፍነት ምስመጽአ ካብ ስራሕ ክእለ ዝጸውዕ ጎስገሳት ክካየድ ቀንዩ።

ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ውድብ ኣዴፓ ዝኾነ ኣይተ ተተካ በቀለ፡ ብዛዕባ ሽመት ኣይተ ሃይለየሱስ ንቢቢሲ ዘረገጋገጸ እንትኸውን፤ እቲ ዝጀመርናዮ ቃለ-መሓትትና ግን ስልኪ ምስተቋረጸ፡ ኣይቀጸለን።

ቢቢሲ ምስ ኣይተ ሃይለየሱስ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እነሆ።

ቢቢሲ፡ - ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ናትካ ምስሊ ብተደጋገሚ ሰብ ካብን ናብን ክቐባበለሉ ይረአ ኣሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ውድብ ብልጽግና ሓላፊ ጉዳይ ማሕበራዊ ሚድያ ክልል ኣምሓራ ኮይንካ ተሸይምካ ነይርካ ዝብል'ውን ኣሎ። እቲ እንሪኦ ዘለና ጽልኣት ዝነዝሕ ቪድዮ ናትካ ድዩ? ካብ ዝብል ክንጅምር።

ሃይለየሱስ፡- እንታይ ዓይነት ጽልኣት?

ቢቢሲ፡-ንሕና ዝረኣናዮ ምስሊ 'ምስ ትግራዋይ ሓቢርካ ኣይትብላዕ፤ ምስ ተወላዲ ናይዚ ብሄር ሓቢርካ ኣብ ባቡር ኣይትሳፈር፤ ናይዚ ብሄር ተወላዲ ዓርኪ እንተሃልዩካ ግደፎ' ወዘተ ዝብል እዩ።

ሃይለየሱስ፡ - እቲ ዝበልካዮ ምስሊ ኣይረእኹዎን። ምናልባሽ ክኸውን ዝኽእል ኣብ 2008 /2009 [ኣ.ኢ] ኣብ ኢትዮጵያ እቲ መንእሰይ ፍትሕን ነጻነትን ደልዩ ተቃውሞ ኣልዒሉ ነይሩ።

ጥራሕ ኢዱ ናብ አደባባይ ወጺኡ ተቓውሞ የስምዕ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ብህወሓት ዝምራሕ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ናይቲ ስርዓት ዓንዲ ዝነበሩ ድማ ተወለድቲ ብሄር ትግራይ እዮም።

ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ኣብ ዝቃለስሉ ሰዓት፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኑ ምትሕብባሩ ልክዕ ኣይኮነን ኢለ እየ ዝኣምን፤ ብዚ ምኽንያት በቲ ማሕበረሰብ ክግለል ኣለዎ ኢለ እየ።

ብፍላይ ኣብቲ እዋን ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብዝተፈጠረ ነገር ስምዒታዊ ኮይነ ነይረ። [ተቐቲሎም ዝበሎም ቁጽሪ ሰባት ገሊጹ]

ቢቢሲ፡ - ስምዒታዊ ኮይንካ እንታይ ኢኻ ኢልካ ? ዘተሓላለፍካዮ ነገር ትዝክሮዶ? ክነስመዐካ'ዶ [ካብቲ ንሱ ዝተዛረቦ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ቆንጢርና ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዓሌታዊ ጽልኣት ዝጉስጉስ ኣስሚዕናዮ] . . . ከምዚ እናበለ ይቕጽል። ነዊሕ ስለዝኾነ ኩሉ ምስማዕ ኣይከኣልን፤ እዚ ናትካ ድምጺ ድዩ?

ሃይለየሱስ፡ - ስለዘይረእኹዎ ርግጸኛ ኣይኮንኩን።

ቢቢሲ፡ - የስመዐካ እየ ዘለኹ'ኮ፤ ክሳብ ሕዚ ዝሰማዕኻዯ - ዝተመስረሐ (ዝተቐናበረ) ክኸውንዶ ይኽእል?

ሃይለየሱስ፡- ኣይዝክሮን! ናተይ ከምዝኾነ ክፈልጥ ኣይክእልን። ብሓፈሻ ግን. . [ብሕቶ ኣቋሪጽናዮ]

ቢቢሲ፡ - ኣይሰማዕኹን ምባል፤ ንእሸተይ'ዶ ኣይከብድን? ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተዘዋወረ ኣዘራራቢ ኾይኑ እዩ ዘሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይርእዩዎ ኣለዉ። ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ። እናተኸሰስካ፥ እዚ ኩሉ እናኾነ 'ርግጸኛ ኣይኮንኩን፤ ኣይረእኹዎን' ምባል ንምእማኑ ኣየጸግምን'ዶ?

ሃይለየሱስ፡ - ኣነ ኣይረእኹዎን እየ ዝብለካ ዘለኹ። ብቐንዱ ግን እቲ ሓሳብ፡ ኣብቲ እዋን ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ሓጊዙ እዩ።

[ቀጺሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ በጺሑ ኢሉ ዝኣምኖ በደል እንትዝርዝር ብሕቶ]

ቢቢሲ፡ - እቲ ሞገትና በደል በጺሑ ኣይበጽሐን ዝብል እንተዝኸውን'ሞ- እንተንቕጽል ደስ ምበለኒ። ኣብቲ ድምጺ እንድሕር ዘይተስማመዕና ግን ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ክንብል ዘለና ኣይመስለንን። ብዝኾነ ብዛዕባኻ ብዙሕ ይብሃል ኣሎ። ግን ፓርቲ ብልጽግና ሂቡካ ዝተብሃለ ሓላፍነት ሓቂ ድዩ ? ክተረጋግጸለይ ትኽእል'ዶ?

ሃይለየሱስ፡ - እወ! ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተመዲበ ህዝቢ ኣምሓራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ከገልግል ስራሕ ጀሚረ ነይረ።

ቢቢሲ መዓስ ማለት እዩ?

ሃይለየሱስ፡ - ኣብ ቀረባ እዋን።

ቢቢሲ፡-ቅድሚ ሓደ ሰሙን. . . ወርሒ፣ ዓመት . . .?

ሃይለየሱስ፡- ኣይ! ኣብ ቀረባ እዋን። ዳርጋ ካብ ሕዳር ጀሚሩ።

ቢቢሲ፡-ኣብ ምጥያሽ ዘሎ ፓርቲ ብልጽግና ድዩ እቲ ሹመት ሂቡካ?

ሃይለየሱስ፡ - ኣዴፓ [ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ] እዩ።

ቢቢሲ፡- ካብ ሓላፍነትካ ተላዒልካ ይበሃል። ምስዚ ተኣሳሰሩ ድዩ?

ሃይለየሱስ፡ -ብፍቓደይ'የ፤ ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ውሑዳት ጥቕሚ ደለይቲ ውልቀሰባት ተጎጃጂሎም፤ ጎጃም ክፍለሃገር ምስ ምግባር ተኣሳሲሩ፤ ተቓውሞ ስለዘቐረበ ብገዛእ ፍቓደይ ገዲፈዮ ኣለኹ።

ቢቢሲ፡ - ካብ መዓስ ጀሚሩ?

ሃይለየሱስ፡ - ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚረ ናይ መልቀቒ ደብዳበ ኣእትየ እየ። [እቲ ቃለ-መሓትት ትማሊ ሰሉስ ኣጋ ምሸት እዩ ተኻይዱ]

ቢቢሲ፡- እቲ ምኽንያት ምስዚ ናይ ጽልኣት ዘረባ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን?

ሃይለየሱስ፡ - እዚ ናይ ጽልኣት ዘረባ ዝበሃል ልክዕ ኣይኮነን። ናይ ጽልኢት ዘረባ ዝገበርኩሉ እዋን ኣይዝክርነ። ብናተይ እምነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ንህወሓት ደጊፉ እዩ።

እቲ ውድብ ንዘጥፈኦ. . . ህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ኣምሓራ ይቕረታ ክሓትት ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን።

ቢቢሲ፡ - ህዝቢ ከም ህዝቢ ብፓርቲ ክግለጽ ወይ ክውከል ኣይኽእልን ኢልና ንበገስ'ሞ፤ ንሓደ ህዝቢ ነጺልካ ምስ እገለ ዝተብሃለ ህዝቢ 'ሓቢርካ ኣይትብላዕ፣ ኣይትስተ፣ ኣይትኺድ' ኢልካ ምዝራብ ጽልኣት ምንዛሕ እንተዘይኮይኑ እንታይ ክበሃል ይኽእል?

ሃይለየሱስ፡ -ዝሓወይ ኣብ መበል ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ መንጎ ኣመሪካን ጃፓንን ዝተፈጥረ ምቅርሓን ስዒቡ፤ መንግስቲ ኣመሪካ ዜጋታት ጃፓን ኣኪቡ ናብ ሓደ ካምፕ [መዓስከር] ከምዘእተዎም ዝዝከር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት'ውን ህወሓት፤ ብዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ እናተደገፈ ዘብጸሖ በደል [እቲ ጋዜጠኛ ኣቋሪጹዎ ናብ ሕትኡ ይኣትው]

ቢቢሲ፡ - ንስኻ ግን ፈሊኻ ኣይኮንካን ትጻረፍ። ሓደ ህዝቢ ብምሉኡ፤ ጠቕሊልካ 'ሓቢርኩም ኣይትኹኑ' ዝብል ናትካ ዘረባ ካብ 'ኣፓርታይድ' ወይከኣ ካብቲ ሐዚ ዘልዐልካዖ ክስተት ዓሌታዊነት፤ 'ንሕና ፍሉያት ዓሌት ኣርያን ኢና'፤ 'ምሰ ኣይሁድ ኣይትብልዑ፣ ኣይትስተዩ፣ ናታትኩም ጸገም ብምሉኡ ካብኣቶም እዩ ዝምንጩ' ዝብል፤ ናትካ ብምንታይ ይፍለ?

ሃይለየሱስ፡ -ኣይሁዳውያን ኣብ ልዕሊ ጀርመናውያን ዘብጽሑዎ በደል ኣይነበረን። ንሕና ግን ብህወሓት[ ንሱ ትህነግ እናበለ እዩ ዝጽውዕ] ምጽናት ዓሌት እዩ ተፈጺሙና። ካብ ሃገርና ተሰዲድና ኢና። ርስትና ተመንጢልና ኢና [ጋዜጠኛ ብሕቶ ኣቋሪጽዎ]

ቢቢሲ፡- ሓደ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘይነበሮ ትግራዋይ ንናትካ ዘረባ እንትሰምዕ፤ እንታይ ዝስመዖ ይመስለካ? ብሚልዮን ዝቑጸር ህዝቢ ኣሎ። ዝጠመየ፣ ዝተሸገረ፣ ብሰኣን ሰናይ ምምሕዳር ዝሳቐ፣ ትግራዋይ ብሄር ኣሎ። ናትካ ዘረባ ግን ጨፍላቒ እዩ ዝመስል፡ እቲ ዘረባኻ ኣይፈልን።

ሃይለየሱስ፡ - በዚ ዘረባይ ቅር ዝበሎም፤ ዝተቐየሙ ንጹሃን ተጋሩ እንተሃልዮም ካብ ልቢ ይቅርታ ክሓትት ይደሊ። ይኹን'ምበር፤ ነቲ ግፍዐኛ ህወሓት ዝድግፍ እንተኾይኑ ይምልከቶ እዩ። ዝኾነ ይቕረታ ክሓትት ኣይደልን። እኳደኣስ ንሳቶም ይቕረታ ክሓቱ ኣለዎም ኢለ እየ ዝኣምን። ካብኡ ብዝተረፈ ግን ፤ ብማዕርነት ወዲ ሰብ ዝኣምን እየ።

ብሃይማኖት ኮነ ብቋንቋ፣ ዓሌት ዝፈሊ ሰብ ኣይኮንኩን። ስለዚ ትግርኛ ስለዝተዛረበ ጥራሕ ብዝተፈለየ ምኽንያት ክጸልኦ ኣይደልን። ነቶም ንጹሃን ካብ ልቢ ይቕረታ ክሓትት እየ ዝደሊ። እቲ ዘረባይ ጅምላዊ እንተኾይኑ፤ ልክዕ ኣይኮነን፤ ይቅርታ ክሓትት እየ ዝደሊ።

ቢቢሲ፡- ይቅርታ ትርጉም ዝህልዎ'ኮ፤ ቀዳማይ ነገር ጥፍኣትካ ፈሊኻ እንተፈሊጥካ እዩ። ሕዚ ግን ዝተዛረብካዮ ነገር ክትዝክር ኣይከኣልካን። ዘስማዕኸዑኻ ድምጺ'ውን ናትካ ከምዝኾነ ክተረጋግጸለይ ኣይከኣልካን። ብዛዕባ ኣየናይ ኢኻ ይቕረታ ትሓትት ዘለኻ?

ኣይተ ሃይለየሱስ ኣዳሙ

ምንጪ ስእሊ, HAILEYESUS ADAMU/FB

ሃይለየሱስ፡ - ኣብ 2008/09 ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ደገፍቱን ዝምልከት ዘስማዕናዮ ተቓውሞ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ - እቲ ዘረባኻ ግን ንደገፍቲ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን።

ሃይለየሱስ፡ - እንተዘይኮይኑ ንንጹሃን ተጋሩ ይቕረታ ክብል እደሊ።

ቢቢሲ፡ - ከምኡ ምዃኑን ዘይምዃኑን ግን ንእሽቶ ኣይዝከረካን'ዶ? ክትዝክሮ እንተዘይኪኢልካ'ኮ [እቲ ብቪድዮ ዘሕለፎ መልእኽቲ] ጸገም ኣሎ ማለት እዩ?

ሃይለየሱስ፡- ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ምኽንያቱ ስምዒታዊ ምዃን ነይሩ። ብርግጽ ብዛዕብኦም ብዙሕ ክትግደስ የብልካን። ንስኻ ክትግደስ ዘለካ ብዛዕባ ዝተቐተለ መንእሰይ እዩ [ዓሌት እናጸወዐ]።

ቢቢሲ፡ - እቲ ንስኻ ተፈጺሙ ትብሎ ዘለኻ ኮይኑ ፤ ንስካ'ውን 'ኮ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ኢኻ ትሰርሕ ዘለኻ።

ሃይለየሱስ፡ - ኣነ ህወሓት ንምባል እየ፤ ዝተዛረብኩዎ። ምናልባሽ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንምባል ዝብል መልእኽቲ እንተሕሊፉ ግን፤ ትኽክል ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡-ኣይተ ሃይለየሱስ ናይ እማን ተጣዒስካ ዲኻ? እቲ ይቕረታ ንሃልኪ ሚድያ ከይኸውን- እንተኾይኑ ዝብል ድምጸት ስለዘለዎ።

ሃይለየሱስ፡-ይብለካ ኣለኹ'ኮ ጅምላዊ እዩ እቲ መልእኽቲ። ንንጹሃን ህዝቢ ትግራይ ዘጠቓልል መልእኽቲ ነይሩዎ እዩ። እዚ ድማ ልክዕ ኣይኮነን። ስምዒታዊ ኮይነ እየ፤ እቲ ዕላማ ግን ክበሃል ዝተደለየ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ከይኮነስ ንህወሓት ደገፍቲ እዩ። በዚ ኩነታት ዝተቐየሙ ተወለድቲ ትግራይ እንተሃልዮም ደጋጊመ ይቕረታ ክሓትት እደሊ እየ።

ቢቢሲ በዚ ስምዒት፤ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘዋወር ኣሎ'ሞ ብዕሊ ይቕረታ ንምሕታት ድልው ዲኻ?

ሃይለየሱስ፡- ከምቲ ዝበልኩኻ እዩ፤ ጸገም የብለይን።

ቢቢሲ፡-ንምንታይ ደኣ ክሳብ ንድውለለልካ ተጸቢኻ?

ሃይለየሱስ፡- ብርግጽ እቲ እትብሎ ዘለኻ ምስሊ ኣይረእኹዎን።

ቢቢሲ፡- ኣሻሓት ሰባት እናተቐባበልዎ ከመይ ዘይክትሪኦ ትኽእል? መሓዙት ፈተውቲ የብልካን ዲኻ ዝነግሩኻ?

ሃይለየሱስ፡- ኣዕርኽተይ ኣምሓሩ እዮም። ካሊእ ዘጨንቐና ብዙሕ ነገር ኣሎ። ካብ ዩኒቨርሲቲታት ተመዛቢሎም ብዛዕባ ዝመጽኡ ተወለድቲ ኣምሓራ ኢና ንዘራረብ ዘለና።

ቢቢሲ፡-ስለዚ ብዛዕባ እዚ ዝኾነ ዝሰማዕኻኸኽዎ ነገር የለን ዲኻ ትብል ዘለኻ?

ሃይለየሱስ፡- ዝሰማዕኽዎ ነገር የለን።

ቢቢሲ፡- ኣብ ትዊተር #HaileysusMustGo ዝብል ጎስጓስ ከምዘሎ'ውን ኣይፈለጥካን?

ሃይለየሱስ፡- ኣይፈልጥን።

ቢቢሲ፡- እሺ ብጣዕሚ እየ ዘመስግን። ሰናይ መዓልቲ ይኹነልካ።

ሃይለየሱስ፡- እሺ ሰናይ መዓልቲ።