ዩቫል ኖዋ ሃራሪ፡ ዓለምና ኣበይ ነይራ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ'ያ?

ዩቫል ኖዋ ሃራሪ

ከም ሰብ መጠን ክልተ ዓቕምታት ኣሎዉና - ኣካላውን ሓሳባውን። ብምውስዋስ ንኣካላትና ንሃንጾ፡ ብምንባብ ከኣ ንእኣምሮና ነዳብሮ። ብኻልኣ ኣዘራርባ: ምንባብ ንህይወትና መግቢ'ዩ ክንብል ንኽእል፣ ንኣተሓሳስባና ስለ ዘስፍሖን ዘዕምቖን ዘሐይሎን ዝልውጦን።

ዓባይ ጸሓፊት ጀይ.ከይ. ሮውሊንግስ - ናይ 'ሃሪ ፖተር' ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት - "መጽሓፍ ምስ እነንብብ ሓደ ትንግርታዊ ነገር ኣብ ልዕሌና ክፍጸም ከም ዝኽእል እኣምን'የ" ትብል።

ጸሓፍቲ ኣብ ሞንጎ ሰባት ድልድላት ብምፍጣር ንዝተፈናተቱ የቀራርቡ፣ ምስ ጓና-ሓሳብ ከኣ የፋልጡ። መጻሕፍቲ ንህርብትናና ብምትዅታዅ፡ ንዓቕሚ ምይይጣትና ብምህብታም፡ መንፈስና ብምንቕቓሕ፡ ኣብ ምዕቡል ሓሳብን ኣስተትንትኖን የእትዉና።

ኣብዚ እዋን'ዚ ዩቫል ኖዋ ሃራሪ ዝተባህለ፡ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝተወልደ 44 ዝዕድሚኡ፡ ኣብ እየሩሳሌም ዝመደበሩ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሶር ናይ ታሪኽ፡ እቲ ዝለዓለ ብልሕን ስሕለትን ዘሎዎ ጸሓፊ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ንሱ ኣብ ፍልጠታዊ ግስጋሰ ደቂ-ሰብ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ጸሓፋይ'ዩ ክንብል ንኽእል።

ንምንታይ'ዮም ብምልዮናት ዝቝጸሩ ኣንበብቲ ዩቫል ኖዋ ሃራሪ ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ ተገዲሶም ዝገዝእዎምን ዜንብብዎን? ንምንታይ'ዩ ሃራሪ ብብዙሓት መራሕቲ ኣህጕራውያን ትካላት፡ ኣብያተ ኣካደምያን ዀኑ ዓበይቲ መራኸብቲ ብዙሃን ወትሩ ጊዜ ኣስተምህሮኡ ንህዝቢ ንኸካፍል ዝዕደም?

እቲ ሓጺር መልሱ፡ ሃራሪ ንተኸታተልቱ ብብርቂ ኣተሓሳስባኡን ንኡድ ዝዀነ ኣስተምህሮኡን ኣእምሮ ዚሃንጽ ጽሑፋት ዜቕርብ ስለ ዝዀነ'ዩ ምባል ቃል-ኣጋንኖ ኣይኰነን። መጻሕፍቱ ኣዝዮም መሃርቲ'ዮም፣ እኳድኣ ኣብ ልዕሊ ኣርብዓ ቋንቋታት ተተርጒሞም ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ይርከቡ።

ሳፔንስ፡ ሆሞደኦስ፡ ከምኡ'ውን "21 ኣስተምህሮታት ንመበል 21 ክፍለዘመን" እቶም ዝዓበዩን ልዑል ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ዝረኸቡን ሰለስተ መጻሕፍቱ ክዀኑ ከሎዉ ኣብ ዞባና ግን ጌና ጮራኦም እንተዀነ'ኳ ኣይርአን።

ስለምንታይ ኣብ ዞባና ዘይተዘርግሑ' ዚብል ሕቶ ኣብዚ ዓምዲ'ዚ ኣሕጺርካ ምምላስ ኣይከኣልን፣ ሕቶታት ግን ክለዓዕሉ ከም ዝኽእሉ ምግብዛብ የድሊ። መዓስ ኮን'ዮም እዞም መጻሕፍቱ ብቋንቋና ተተርጕሞም ዝቐርቡ? ኢልና ንነብስና ክንሓትት ድማ ግቡእ'ዩ።

ንመጀመርታ ነዚ ዓቢዪ ደራሲ ምስ ኣንበብትና ከነላልዮ

ቀንዲ ዝንባሌ ሃራሪ ንሕና ደቂ-ሰብ ከመይ ኢልና ኣብዚ ዘሎናዮ ደረጃ-ምዕባሌ ከም ዝበጻሕና፡ ናበይከ ነብል ኣሎና ኢዩ። ንሱ ዜካየዶም ምርምራት ኣብ ማክሮኣዊ ታሪኽ (እቲ ግዙፍ ዝሸነኹ) ኰይኑ ከም'ዞም ዝስዕቡ ከበድቲ ሕቶታት ክምልስ ይፍትን ... ኣብ ሞንጎ ታሪኽን ስነ-ህይወትን ዘሎዉ ዝምድናታት ከመይ ይመስሉ? ኣብ ሞንጎ ሆሞ-ሰፕያንስ (ጥንታውያን ደቂ ሰብ) ካልኦት ፍጡራት ዘሎዉ ፍልልያት ከመይ ይመስሉ? ኣብ ታሪኽ ፍትሒዶ ክርከብ ይከኣል? ታሪኽ ዝጐዓዘሉ ናቱ መኣዝንዶ ኣሎዎ? ታሪኽና እናተገልሀ ክኸይድ ህዝቢ ብዝያዳ ክድሰትዶ ይኽእል?

ሃራሪ ዜቕርቦም ስነ-ምጕታት ረቀቕትን ዝተጠናነጉን ብምዃኖም ኣንባቢ ብቐሊሉ ክርድኣኦም ይሽገር'ዩ ምባል ስሕተት ኣይኰነን።

ንኣብነት ከምዚ ይብል፡ "ንሕና ኣብ ህይወትና እንወስዶም ምርጫታት ኣብ ስነ-ህይወታዊ፡ ማሕበራዊ ዀነ ዉልቃዊ ኵነታትና ዝተሞርኰሱ'ዮም" እናበለ ይሙጕት። "ኣነ ክበልዖ ዝደሊ ባዕለይ ክውስን እኽእል'የ፣ ምስ ዝደለኽዎ ሰብ ክምርዖ እኽእል'የ፣ ንዝመረጽክዎ መራሒ ከድምጽ እኽእል'የ" ይብል።

ወሲኹ "እዞም ምርጫታተይ ግን ብኸፊል ብናተይ ሰረት (ጂንስ - genes)፡ ጾታ፡ ድሕረ-ባይታ ቤተ-ሰበይ፡ ብሄራዊ ባህለይ ... ወዘተ. ኢዮም ዝምወሉ፣ ይዅን'ምበር ኣነ ሰረተይ ይዅን ወለደይ ክመርጽ ኣይክእልን'የ" ይብል'ሞ ኣብ ዘይሓሰብናዮ ሕልናዊ ምልልስ ይሽምመና።

ዮቫል ሃራሪ ዓቢ መምህርን ጸሓፋይን ብብዝሒ ድማ ተቐባልነት ዘሎዎ ተመራማርን 'ኳ ይዅን ኣትሪሮም ዝነቕፍዎ መዘነታቱ ከም ዘሎዎ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ።

ንኣብነት ሃራሪ ኣበይ ኔርና፡ ኣበይ ኣሎና፡ ናበይከ ከነብል ኢና እናበለ ብስነ-መጐተ ኣብ መጽሓፉ ዜስፈሮም ጕዳያት ስለ ዘሎዉ ገለ-ገለ መዘነታቱ በቲ ትንቢታዊ ሸነኻቱ ኣይቅበልዎን።

ሳፔንስ - ሓጺር ታሪኽ ደቂ-ሰብ

ሳፔንስ እተበሃል መጽሓፉ ንመጀመርታ እዋን ብ 2011 ምስ ተሓትመት ከም ተወንጫፊ-ኮኾብ'ያ ባዕ ዝበለት። እታ መጽሓፍ ብበዓል ማርክ ዙከንበርግ (ሓላፊ ፈይስቡክ)፡ ቢል ገይትስ (መስራቲ ማይክሮሶፍት)፡ ፕረዚደንት ኦባማ ዘኣመሰሉ ሰባት ኣድናቖት ረኸበት።

እታ መጽሓፍ ዘአንገደቶም ኣርእስትታት ንዅላህና ዝትንክፉ ዀይኖም ታሪኽ ደቂ-ሰብ (ሰብ ፍጥር ክብል) ብከመይ ከም ዝተሃንጸ ዜርእዩ ዛዕባታት'ያ ፈቲሻ - ፍልጠታውያን ዝላታት፡ ነግሒ ዝቐደዱ ማሕረሳውን ኢንዱስትሪኣውን ምህዞታት፡ ክሳብ እዚ ሕጂ እነስተማቕሮ ዘሎና ሳይንሳዊ ምዕባሌታት እተዘንቱ መጽሓፍ'ያ።

ሆም-ሰፔን (ጥንታዊ ሰብ)

ሆም-ሰፔን (ጥንታዊ ሰብ)

ኣብ ሳፔንስ ተጻሒፉ ከም ዝርከብ፡ ቅድሚ ሚእቲ ሽሕ ዓመታት ቅድመ-ክሪስቶ ብዉሑዱ ሽዱሽተ ዓይነት ፍጥረት ሰባት ኣብ ምድርና ይነብሩ ነበሩ። ሕጂ ግን ሓደ ዓይነት ሰብ (ሆሞ-ሰፔንስ) ጥራይ'ዩ ተሪፉ - ንሕና ደቂ-ሰብ ምዃንና'ዩ። ሆሞ-ሰፔን ሰብ-ልቦና ማለት'ዩ።

እምበኣርከስ ዩቫል ሃራሪ ነዚ ጕዳይ'ዩ ኣብ መጽሓፉ ዚገልጽ - ብኸመይ ኣቢልና ኢና ንሕና ነቶም ካልኦት ዓሌት ኣጥፊእና ከም ዝሰረርና ይገልጽ።

እቲ ሃሪሪ ብ'ሳፔንስ' ኣቢሉ ብደቂቕን ዓሚቝን ጠመተ ዘቕረቦ ፍልቀተ-ታሪኽ ብርቂ'ዩ። እቲ ዜቕረቦ 'ሓጺር ዛንታ ደቂ-ሰብ' ንመላእ ታሪኽ ደቂ-ሰብ ኣብ 466 ገጻት ጾሚቑ ብምቕራቡ ዚንኣድ'ዩ።

ንዓና ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልየና ነገር እንተሎ "ሓዲሽ ሓሳብን ምህዞን ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ስለ ዘሎና'ዩ" እናበለ ይምጕት።

እቲ መጽሓፍ ኣብ ሰለስተ ኣርእስትታት ተኸፊሉ ይርከብ። እቲ ቀዳማይ ክፋል ቅድሚ 70,000 ዓመታት ንሕና ደቂ-ሰብ ብፍልጠታዊ ዝላ (ለውጢ) ካብ'ቶም ካልኦት ዓሌታት ከም ዝተፈለና የዘንቱ። መለለዮ'ቲ ዘበን'ቲ ድማ ምህዞ ቋንቋን ዕብየት ሓንጎልናን'ዩ ይብል ሃራሪ - ብዘገርሙ ኣብነታት ድማ ሰባት ንሓድሕዶም ክረዳድኡን ኣብ ሓደ-ሓደ ሓሳባት ክዓስሉን ከም ዝኸኣሉ ይሕብር።

እቲ ካልኣይ ክፋል ከኣ ቅድሚ 10,000 ዓመታት ሰባት ኣብ ዜታኣታተዉዎ ሕርሻ'ዩ ዜተኵር - ሕርሻ ኣብ ህይወት ደቂ-ሰብ ዘኸተሎ ምዕባሌኣዊ ዝላ። እኽሊ ዘሪእካ ምፍራይ ዜስዓቦ ለውጢ ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ክንብል ከም ዝገበረና፡ ተኣኪብና ንኽንነብር ከም ዜኽኣለና ይዛረብ። እዚ ምዕባሌ'ዚ ማሕበረሰባት ከም ዝፈጠረ፡ ብኡ ኣቢልና ብልሓት ናይ ተኣኪብና ምስራሕ ከም ዜጥረና ይገልጽ።

ዩቫል ሃራሪ፡ ኣብ'ቲ ሳልሳይ ክፋል ብዛዕባ እቲ ሓሙሽ ሚእቲ ዓመታት ይገብር ብኢንዱስትርያዊ ጀሚሩ ናብ ሳይንሳዊ ግንፋለ (scientific revolution) ዜምረሐ ዘበን ኢዩ ዜዘንቱ። ኣብዚ ክፋል'ዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓተታ የቕርብ።

ሳይንሳዊ ግንፈላ

ደራሲ እቶም ዓበይቲ ጸገማት ሕብረተሰብ ዓለም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም የርኢ። ዓሌትነት፡ መሰላት እንስሳ፡ ስኒተ-ዓለም ...ወዘተ. ብምትንካፍ እቲ ምዕባሌ ናበይ ገጹ ይወስደና ከም ዘሎ፡ ማለት ልዑል ዓቕሚ ዘሎዎ ሰብ፡ ከምኡ'ውን ሰባት ብድሌትና ናይ ምፍጣር ክእለት (designer babies) ክህልወና ምዃኑ ይትንበ።

እታ መጽሓፍ፡ ኣብ መደምደምታ፡ ደቂ-ሰብ ዳርጋ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ምዕባሌ በጺሖም ከም ዘሎዉ፡ ካብዚ ንንየው ግን ኣብ ካልኣ መድርኽ ብምስግጋር እዚ ዘሎናዮ ዘበን ከንቈልቍል ምዃኑ ይእምት። እቲ ትንቢቱ ዜተሓሳስብ'ዩ - ደቂ ሰብ ባዕላቶም ብዝፈጠርዎም ምዓባሌታትን ሽግራትን ኣብ ግድል ክኣትዉ'ዮም ብምባል ንሰፔንስ ይድምድማ።

ሳይንሳዊ ግንፈላ

ሆሞደኦስ - ሓጽር ዛንታ ጽባሕ

ሆሞደኦስ፡ ሃራሪ ዝጸሓፋ ዓባይ መጽሓፍ፡ ብዛዓባ ዝመጽእ ጊዜ - ማለት ናበይ ነብል ከም ዘሎና - ኢያ ተጻሒፋ። "ደቂ ሰባት ትርጕም ዘሎዎ ሸነኻት ህይወቶም ወፍዮም ህይወቶም ብስልጣንን ሓይልን ምልክን ክመልእዎ'ዮም" ይብል።

እቲ ሰባት ዝድልብዎ ስልጣን/ሓይሊ ድላዮም ናይ ምግባር ዕድላት ክፈጥረሎም'ዩ'ሞ - ከም ዕድመ ምንዋሕ፡ ካብ ሞት ምምላጥ፡ ቆልዓ ብባህግኻ ምፍጣር፡ ፍጥረትን ፍጥረትናን ናይ ምልዋጥ ዓቕሚ ምድላብ ...ወዘተ. ይዅን'ምበር እዞም ኵሎም ዓቕምታት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከስዕቡ ምዃኖም ይምጕት።

ብማሺናትን ብሰብ-ሰርሖ ፍልጠትን (Artificial intelligence) ተደፊኦም ልዕለ-ሰብኣዊ ሰብ (super-human) ምስ ዝምህዙ እቲ ዝተረፈ ዝበዝሐ ሰብ ክድርበ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ እናበለ ክምጕት ምንባብ መሳጢ'ዩ። "ኣብ ኣተኣላልያ ጕዳያት እንተዘይለዊጥና፡ በዚ እንኸዶ ዘሎና መንገዲ" ይብል ሃራሪ፡ "ሓበሬታነት (ሓበሬታ ብምቍጽጻር) ቅድሰተ-ቅዱሳን ኰይኑ ክተርፍ'ዩ፣ ሽዑ ግዙኣት ሓይለ-ኣልጎሪዝም ኰንና ክንተርፍ ኢና" እናበለ የጠንቅቕ። "ንሕልናና ዝምወል ህይወት ምዕቃብዶ ይሓይሽ ወይስ ብማሺናት ዝተፈጥረን ዚቈጻጸረናን ብልህነት?" ብምባል ሃራሪ ይብድሃና።

"21 ኣስተምህሮታት ንመበል 21 ክፍለዘመን"

"21 ኣስተምህሮታት ንመበል 21 ክፍለዘመን"

ኣብ "ሳፔንስ" ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ደቂ-ሰብ፣ ኣብ ሆሞደኦስ ድማ ብመጻኢ ጊዜ ኣገደስቲ ሓተታታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ሃራሪ ኣቕልቦኡ ናብ "21 ኣስተምህሮታት ንመበል 21 ክፍለዘመን"፡ ማለት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘበን ይሰግር።

እታ ሓዳስ መጽሓፉ ንኵነታት ዉግኣት ብዅሉ ሸነኾም ትርኢ። ካብኡ ሰጊሩ ድማ ኣብ ናይ ባዕሉ ኣስተንትኖ ይኣቱ። ንምዃኑ ሃራሪ ኣዕሚቑ ንክሓስብ ኮፍ ኢሉ ብህድኣት ንክልተ ሰዓታት ንመዓልቲ ኣብ ኣስተንትኖ ይኣቱ'ዩ።

እቶም ኣብዛ ሓዳስ መጽሓፉ ሰፊሮም ዘሎዉ ዛዕባታት ንዘሎናን በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ሓደ-ብሓደ ብምጽብጻብ ደቂ-ሰብ ኣበይ ከም ዝበጽሑ የርኢ፣ ናበይ ገጾም ይኸዱ ከም ዘሎዉ'ውን።

ምሒር-ዘስግኡና ኣርእስትታት ብምትንታን - ከምእኒ ስኑዓት-ሓበሬታታት፡ ምስ ትንሳአ ከም በዓል ትራምፕ ዘኣመሰሉ ሰባት ብምትእስሳር ንኣንበብቲ ብርቂ ዝዀኑ ዛዕባታት ብምልዓል፡ እቶም ዛዕባታት ድማ ከመይ ኢሎም ኣብ ስነ-ህይወታውን ደፋእታውን ለውጢ ተመርኵሶም ኣባና ዜንብሩዎም ጽልዋታት ይምህረና ።

እቲ ዓቢ ሕቶ ኣብ ክቢ "ትርጕም ህይወት" ኢዩ ዝዝንቢ። "ገንዘብ ኰነ ሕግታት ጠርኒፎም ሒዞምና ጸኒሖም'ዮም ... ሕጂ ግን እቶም ብሓባር ንኣምኖምን ዝነበርና - ማለት ከም ሃይማኖት፡ ኣምልኾት ገንዘብ፡ ሃገረ-ብሄር ... ወዘተ - ትርጕሞም እናተባሕጐጉ ምስ ዝኸዱ እንታይ ሒዝና ክንተርፍ ኢና?" ይብል ሃራሪ።

ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ጽልማተ-ተስፋ፡ ዕዮ፡ ሓርነት፡ ማዕርነት ብሰፊሑ ይትንትን፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ብድሆ፡ ሕልና ምዕራብን ተስፋን፡ ትርጕም ሓቂ፡ ተጸዋርነት ኢዮም።

ንድልየትን ናጽነትን ደቂሰብ ዝነኽኡ ዘበሉ ዓንቀጽቲ ነገራት ምግታእ ንህላዌና ክሕግዝ ይኽእል'ዩ እናበለ በተዘዋዋርን ጥንግንግታን ዝጸሓፎም ገጻት ምንባብ ንመንፈስና ዜበራትዕ ሓይሊ ኣሎዎ።

ኣብ ዞባና ከም "ሳፔንስ"፡ "ሆሞደኦስ" "21 ኣስተምህሮታት ንመበል 21 ክፍለዘመን" ዘኣመሰሉ መጻሕፍቲ እንተ ዝተኣታትዉ ንጸበብቲ ኣረኣእያታት መዓጹ ምኸፈተ ነይሩ።