ኮቪድ-19፡ 'ኮሮናቫይረስ ልዕሊ ኩሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ'

ምንጪ ስእሊ, AFP
እስራኤላዊ ጸሓፊ ታሪኽን ደራሲ ሳፔንስ፡ ሓጺር ታሪኽ ደቂ ሰብ ( Sapiens: A Brief History of Humankind) ዝኾነ ዩቫል ኖዋህ፡ ንኮቪድ-19 ንምቕላስ እንወስዶም ምርጫታት ንዓለምና ንዝቕጽል ዓመታት ቅርጺ ከትሕዛ እዩ ይብል።
ድሕሪ እዚ ለበዳ እዚ እንታይ ዓይነት ሕብረተሰብ ክመጽእ እዩ? ሃገራት ክሓብራ ድየን ወላስ መሊሰን ክፈላለያ? ናይ ኣመሓዳድራን ጽኑዕ መምርሒታትን መሳርሒታት ንምሕላው ንዜጋታተን ይጭፍልቐቕኦም'ዶ?
"እዚ ቅልውላው ዓበይቲ ውሳኔታትን ንምውሳንን ቀልጢፍና ክንገብሮምን ይግድደና ኣሎ። ይኹን ደኣ እምበር ምርጫታት ኣለዉና" ብምባል ሃሪስ ንመደብ ቢቢሲ ኒውስ-ኣዋር ሓቢሩ።
ንሱ ደጊሙ፡ "ምናልባት ነዚ ቅልውላው ንምግጣም እተን ዘለዋና ክልተ ምርጫታት ክኾና ዝኽእላ ሓደ ሃገራዊ ምግላል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝን ሓድነትን" እዩ ይብል።
"ካልኣይ ድማ ብደረጃ ሃገር ብውልቀመላኺ ኣተሓሕዛን ማእከላዊ ምቁጽጻርን ምክትታልን'ዶ ንገጥሞ ወላስ ብማሕበራዊ ውህደትን ንዜጋታት ብምሕያልን" ብምባል ከኣ ብመልክዕ ሕቶ ኣቐሚጥዎ።
እዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ለበዳነት ሳይንሳውን ፖለቲካውን ሕቶታት ኣልዒሉ ይብል ሃራሪ። ንገለ ገለ ሳይንሳዊ ብድሆታት ንቃለሶም እኳ እንተለና፡ ንፖለቲካዊ ጸገማቱ ግን ብዙሕ ዕሽሽ ኢልናዮ ኣለና።
ንሱ ብተወሳኺ "ሰብኣውነት ነዚ ለበዳ ንምስዓር እቲ ኹሉ ዘድልዮ ነገር ኣለዎ" ይብል።
ወሲኹ ድማ "ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ኣይኮናን ዘለና። ወይ እውን እቲ ብብላክ ደዝ ኣብ ዝፍለጥ ዘመን ኣይኮናን ዘለና። ኣብዚ እዋን እዚ ደቂ ሰባት እናሃለቑ እንታይ ከም ዝቐትሎምን፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽልን ዘይንፈልጥ ኣይኮንና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይናውያን ተመራመርቲ ናይዚ ለበዳ፡ ከም ዝፈለጥዎን ምስቲ ናይ SARS-COV-2 ከም ዝመሳሰልን ሓቢሮም ኣለዉ። ካልኦት ብዙሓት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ መጽናዕቲ የካይዳ ኣለዋ።
ኮቪድ-19 ወላ'ኳ መድሃኒት እንተዘይብሉ፡ ተመራመርቲ ግን በዚ ተበጺሑ ዘሎ ቴክኖሎጅን ምህዞን ተደጊፎም ኣብ ክታበት ምርካብ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቅድሚት ሰጒሞም ኣለዉ።
ነቲ ቫይረስ ከየስፋሕፍሕ ኣብ ምክልኻልን ንነብስና ኣብ ምሕላውን፡ ኣእዳውና ምሕጻብን ካብ ሓድሕድ ምርሕሓቅን ኣዝዮም ኣገደስቲ ሜላታት ምዃኖም እውን ፈሊጥና ኣለና።
ሃራሪ "ኣንጻር እንታይ ንቃለስ ከም ዘለና ፈሊጥና ኣለና፡ ንዕኡ ንምቅላስ ዝሕግዘና ቴክኖሎጅን ንምስዓሩ ዘኽእለና ቁጠባዊ ሓይልን ኣለና" ይብል።
"እቲ ሕቶ፡ ነዚ ዘለና ብቕዓት ብኸመይ ኣብ መዓላ ነውዕሎ'ዩ? እዚ ከኣ ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ሕቶ እዩ" ክብል ይሓትት።
ሓደገኛ ተኽኖሎጂ
ሃሪ ኣብቲ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝሰፈረ ዓንቀጹ፡ 'ኣብ ህጹጽ እዋን፡ ዓመታት ክወስዱ ዝግብኦም መሳሪሒታት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብቕጽበት ከም ዝትግበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ' ብምባል ጽሒፉ።
ብሓደገኛ ፍጥነት ዝተሰርሑ ናይ ምቁጽጻር ቴክኖሎጂ፡ ብዘይ ግቡእ ናይ ህዝቢ ዘተ ኣብ ስራሕ ክውዕሉ ይኽእሉ። ብዘይምልከቶም ሰባት ብመንግስትታት ኣብ መዓላ ክውዕሉ ይኽእሉ "ኣብ ትካላቶም ብምውሳድ በቶም ናይቶም ስርዓታት ተቖጻጸርቲ ሓበሬታ ብምእካብ ብውሽጢ ውሽጢ ውሳኔ ብምውሳድ ክጥቀምሉ ይኽእሉ" ይብል ሃሪ።
ኣብ እስራኤል ንኣብነት፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ናይ ጥዕና ሞያውያን ዝውስኽ፡ ሃገራዊ ድሕነት ብምውሳኽ ሓበሬታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣበይ ከምዘሎ ንምፍላጥ ይጽዕር።
እዚ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከም ዝጀመረ፡ ግን ከኣ ዝሓሸ ግሉጽነት ከም ዝነበሮ ይገልጽ ሃሪ።
ኣብ ቻይና፡ ኣብታ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተጠናነገ መስርሕ ምቁጽጻር ዝካየደላ ሃገር፡ ናይቶም ናይ ውሸባ ትእዛዝ ዝጠሓሱ ሰባት ገጽ ንምልላይ ተጠቒሞሙሉ።
"እዚ ዓይነት ቁጽጽር ንሓጺር እዋን ቅቡል ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ከም ቀዋሚ እንተተጠቒሞሙሉ ግን ኣብ መጻኢ ዓቢ ሓደጋ ከኸትሉ እዮም" ይብል ሃሪ።
"ኣነ ኣብ ጎኒ እቶም ኣብ ጥዕናን፡ ቁጠባዊ መስርሕን ሓያል ዝኾኑን ሱር ነቀላዊ ውሳኔታት ዝወስዱን መራሕቲ እየ። እንተኾነ ግን በቶም ንኹሎም ዜጋታት ብዝውክሉ መራሕቲ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ ሓቢሩ ንቢቢሲ።
"ኣብ ንቡር ግዜ ንሓንቲ ሃገር ብደገፍ ናይ 51% ጠቕላላ ህዝቢ ክትመርሕ ትኽእል። ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋናት ግን ብሓቂ ንነብሲ ወከፍ ክትውክል ኣለካ።" ክብል ድማ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ርእሰ ምግላልን ምትሕግጋዝን
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይ መንግስታት ማዕበል ሃገራውነትን ደገፍ ናይ ህዝቢ ንምርካብ ዝግበር ጎስጓሳትን፡ ንኣህዛብ ዓለም ኣብ ልክተ ናይ ጽልኢ መዓስከራት መቓቒሎም፡ ኣንጻር ወጻእተኛታትን ካልኦት ዜጋታትን ጽልኢ ከምዘስፋሕፍሕ ጌይሮም ይብል ሃሪ።
እንተኾነ ግን እዚ ዓለምለኻዊ ሕማም፡ ለበዳታት ኣብ መንጎ ሃገራትን ማሕበራዊ ፍልልያትን ብዘይፍልልይ እንታይ ከም ዝገብር ዓቢ ኣርኣያ ኮይንዎም ኣሎ።
"ኣብ ግዜ ሽግር፡ ካብ ምፍልላይን ምትሕግጋዝን ንሓዲኡ ክንመርጽ ኣለና" ይብል ሃራሪ ደጊሙ።
ብዙሓት ሃገራት ንናይ ግሊ ትካላት ሕክምናዊ ትሕተ ቅርጸንን ቀረበንን ክገብራ ብምሕታት፡ ነዚ ለበዳ በይነን ክገጥመኦ ይፍትና ኣለዋ።
ንኣብነት ኣሜሪካ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝኸይድ ዝነበረ ናይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ኣፋውስን ንምስትንፋስ ዝሕግዙ ነገራትን ሓገዝ ብምቁራጻ ትውቀስ ኣላ።
ከምኡ'ውን ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዝተማህዘ ክታበታት ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ድኻታት ዝኣክል ኣይበጽሐን ኣሎ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
ሃራሪ ደጊሙ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ዝሓለፍ ጌጋታት ተማሂርካ ሓድሕድ ምድግጋፍ እንተተተግቢሩ ግን፡ ንግሆ ኣብ ቻይና ዝተማህዘ ምህዞ ምሸት ኣብ ተሄራን ንዘለዉ ነብሳት ከድሕን ይኽእል።
ምሕያል ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን፡ ሓበሬታታት ምልውዋጥን ኣብተን በዚ ሕማም ዝተጠቅዓ ሃገራት ከኣ ፍትሓዊ ዝኾነ ናይ ዓቕሚ ሰብን ንብረትን ምምቕራሕ ኣዝዩ ርትዓዊ እዩ።
"እቶም ናይ ጥንቲ ሰባት፡ ብኣግልሎን ውሸባን ንነብሶም ከመይ ጌይሮም ካብ ለበዳ ሕማም ይከላኸሉ ከም ዝነበሩ ንኽትፈልጥ ንድሕሪት ተመሊስካ ምርኣይ የድሊ" ኢሉ ሃራሪ።
ኣብ 14 ክፍለ ዘመን (ማእከላይ ክፍለ ዘመን) እውን ከም በዓል 'ብላክ - ደዝ' ዝኣመሰሉ ለበዳታት ነይሮም እዮም። ስለዚ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘበን ኣብቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ኣገባብ ምክልኻል ምምላስ ኣይጠቕመናን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ማሕበራዊ ተፈጥሮና ክቕይሮ ይኽእል'ዶ ይኸውን?
ሃራሪ፡ ውጽኢት ምርጫና ብዘየገድስ እቲ ማሕበራዊ እንስሳታት ናይ ምዃን ባህርና ክቕጽል ከምዝኾነ ብምእማን፡ "ኣይክቕየርን እዩ" ኢሉ።
እዚ ቫይረስ ነቲ ዝበለጸ ሰብኣዊ ባህርና፡ ማለት፡ ብተፈጥሮና ናብቶም ዝሓመሙ ከም እንቐርብ ዝገብረና ስምዒት መዝሚዙ ናብኦም ከም እንቐርብ ከምዝገብረና ድማ ይዛረብ።
"እቲ ቫይረስ ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ክልብደና ስለዝደለየ እዩ። ንሕና ከኣ ነዚ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክንቅጽሎ ኣለና፡ በዚ ነቒሕና ከኣ ብልቢ ዘይኮነ ብርእስና ክንሰርሕ ኣለና" ክብል የረድእ።
ንሱ ከምዝበሎ ከም ማሕበራውያን እንስሳታት እዚ ቁሩብ ክኸብደና እዩ። እዚ ቅልውላው ምስ ሓለፈ፡ ሰባት እዚ ማሕበራዊ ህይወት ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ክርድኦም እዩ።
ብመሰረቱ ግን ንባህሪ ደቂ ሰባት ክቕይሮ'ዩ ኢለ ግን ኣይሓስብን።" ክብል ጽሑፉ ይዛዝም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







