ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ንክልተ ካናዳውያን ንሞት ፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ፍርዲ ቻይና፡ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸቦ ካናዳዊ ንሞት ፈሪድዎ። በዚ መሰረት ኣብ ቻይና ክልተ ካናዳውያን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብሞት ተፈሪዶም ኣለዉ።
እዞም ክልተ ካናዳውያን ኣብ ዞባ ጋንግዶንግን ዙዋንግን ብሮቡዕን ዓርብን እዮም ንሞት ተፈሪዶም።
ብሓፈሻ ኣብ ቀረባ ግዝያት ኣብ ቻይና ነዞም ናይ ሕጂ ወሲኽካ ኣርባዕተ ካናዳያን ንሞት ተፈሪዶም ኣለዉ።
ካናዳ፡ ንሓላፊት ትካል ሃዋወይ ኣብ መወዳእታ 2018 ምስ ኣሰረታ፡ ርክብ ቻይናን ካናዳን ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ እዩ በጺሑ'ሎ።
ብዛዕባ እቶም ንሞት ተፈሪዶም ዘለዉ ካናዳውያን ዝተውሃበ ዝርዝር ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ ማዕከናት ዜና ቻይና ግን እቲ ሓደ 218 ኪሎ ግራም ዝምዘን ዕጸፋርስ ምስ ካልኦት ቻይናውያን ብምትሕብባር ናብ ቻይና ከእቱ ከምዝተረኸበ ገሊጸን ኣለዋ።
ካብቶም ሓሙሽተ ቻይናውያን እቲ ሓደ ንሞት ክፍረድ እንከሎ፡ ዝተረፉ ካብ ሽውዓት ዓመት ክሳብ ሕልፈት ዝዝርጋሕ ማእሰርቲ ተበይንዎም ኣሎ።
እቲ ካልእ ካናዳዊ ኣብ ዞባ ጋንግዶንግ ንሞት ዝተፈረደ ድማ ኣብ ቻይና መደንዘዚ መድሃኒት ከፍሪ ስለዝተረኸቦ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ወንቢን፡ እዚ ፍርዲ ምስ ህልው ርክብ ቻይናን ካናዳን ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይብሉ ገሊጹ'ሎ።
“ቤት ፍርዲ ቻይና ነዚ ጉዳይ ብዘይ ዘኾነ ምትእትታው ብናጽነት ብመሰረት ሕጊ ናይ ቻይና ተኸቲሉ ዝወደኦ ምዃኑ ክገልጽ ይፈቱ” ድሕሪ ምባል፡ “ንኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ ብሞት ምቅጻዕ እቲ ከምዚ ዓይነት ገበናት ደው ንኽብል ሓጋዚ እዩ” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ክልተ ካናዳውያን ብምስግጋር ዕጸፋርስ ተኸሲሶም ኣብ ቻይና ንሞት ተፈሪዶም’ዮም።
እቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ንሞት ዝተፈረዱ ካናዳውያን፡ እቲ ሓደ ሮበርት ልሎይድ ዝብሃል ኮይኑ እቲ ሓደ ድማ ፋን ወይ’ዩ ዝብሃል።
ቻይና፡ ኣብ ታሕሳስ 2018’ውን ሚካኤል ኮቭሪግን ሚካኤል ስፓቮርን ዝተብሃሉ ክልተ ካናዳውያን ሰለይቲ’ዮም ብምባል ኣብ ቀይዲ ኣእትያቶም ትርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







