ካናዳ፡ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ክቕበል'የ ኢላ ድያ?

ፕረዚደንት ካናዳ ጀስቲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ካናዳ ጀስቲን ትሩዱ ካብ ብዙሓት ሃገራት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዝቕብል ሓቢሩ ዝብል ዜና ይዝርጋሕ ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ናይጀርያ፡ ኬንያ፡ ዙምባቤ፡ ዛምብያን፡ ጋናን ፈሊፕንስስ ምዃኖም'ውን ኣብቲ ዝርዝር ይርከብ።

እዚ ዜና ኣብ ብዙሕ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ ሰብ ይቐባበለሉ ኣሎ፡ ንምኳኑ እዚ ዜና ሓቒ ደዩ?

Presentational grey line

እቲ ዜና እንታይ ዝርዝር'ዩ ዘለዎ?

እቲ ዓንቐጽ፡ መንግስቲ ካናዳ ብዘውጸኦ ሓዲሽ ፖሊሲ ስደተኛታት፡ ካብዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ሓደ ሚልዩን ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ክኣትዉ ከም ዘፍቕድ ምሕባሩ እዩ ዝጠቕስ።

ሓንቲ መርብብ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓምድታታ እዚ ዝስዕብ ኣርእስቲ ዘለዎ ጽሑፍ ኣስፊራ ነይራ።

"ቀዳማይ ሚኒሰተር ካናዳ ንፕረዚደንት ዛምብያ ሓደ ሚልዮም ስደታኛታት ክህቦ ተማሕጺንዎ" ይብል።

ፕረዚደንት ዛምብያ ኢድጋር ሉንጉ ምስ ላዕላዋይ ኮሚሽነር ካናዳ ኣብ ዛምብያ ፓመላ ኦደኔል ሰላም እናተባሃሃሉ ዘርኢ ስእሊ ናይ ብሓቒ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ከም ኣርእስቲ ሰፊሩ ዘሎ ግን ወጹእ ሓሶት'ዩ።

ፕረዚደንት ዛምብያ ኢድጋር ሉንጉ ምስ ላዕላዋይ ኮምሽነር ካናዳ ኣብ ዛምብያ ፓመላ ኦደኔል
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዛምብያ ኢድጋር ሉንጉ ምስ ላዕላዋይ ኮምሽነር ካናዳ ኣብ ዛምብያ ፓመላ ኦደኔል

ድሕሪ እዚ፡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ጉዳይ ዜግነትን ካናዳ፡ መንግስቲ ካናዳ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ከም ዘይብሉ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ።

ተመሳሳሊ ዜናታት፡ መንግስቲ ካናዳ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቓን ሃገረ ፍሊፕንስን ሚልዮናት ስደተኛታት ከም ዝቕበል ዝሕብር ዜናታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ይዝርጋሕ ኣሎ።

እዞም ዜናታት ኩሎም ሓሶት'ዮም፤ መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝኽተሎ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር'ዮም ከአ ተመስሪሖም።

መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብ ወሽጢ ሰለስተ ዓመታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ክቅበል ምኻኑ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

እንተኾነ እዚ ዝወጽአ ፖሊሲ መንግስቲ ካናዳ፡ ናብ ውልቐ ሃገራት ዘነጻጸረ ኣይኮነን።

ኣብ ናይጀርያ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርገሐ ዜና ኣሽሓት ሰባት ተቐባቢሎሙሉ ይቐባበልሉ ከኣ ኣለዉ።

እዚ ዜና፡ መጀመርታ ኣብ ሓደ ልዕሊ ሓደ ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ሕሳብ እዩ ተዘርጊሑ።

ነዚ ዜና ዝርኣዩ፡ ገለ ሓሶት ምዃኑ ክርደኦም እንከሎ፡ ብዙሓት ከኣ ናብ ካናዳ ንኽኸዱ ቅጥዒ ንኽመልኡ ጥብቖ (ሊንክ) ሓቲቶም።

እዚ ዜና ኣብ ብዙሓት ናይ ፌሰቡክ ገጻትን ኣብ ብዙሓት መርብብ ሓበሬታትን ተዘርገሑ ይርከብ።

ካናዳኸ እንታይ ግረ መልሲ ሃበት?

እዚ ስኑዕ ዜና ብሰፊሑ ክፈሽል ክኢሉ'ዩ።

ላዕለዎት ኮሚሽነራት ካናዳ ኣብ ናይጀርያን ኬንያን ሰብ ካብ ከምዚ ዓይነት ዜና ክጥንቐቕ ኣተሓሳሲቦም'ዮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ካናዳ ኣብ ናይጀርያ "እዚ ዜና እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኹም እንተመጽአ፡ ኣይትከተልዎ ሓቒ ኣይኮነን" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

እንተኾነ፡ ናብ ካናዳ ክኸዱ ዝደልዩ ናይጀርያውያን እዚ ስኑዕ ዜና ጥራይ ኣይኮነን ተዘርጊሕሎም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ካናዳ ኣብ ናይጀርያ ንህዝቢ ኣብ ሞባይሉ ዕውት ቪዛ ካናዳ ክመልእሎም ከም ዝኽእሉ ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ሞባይሎም ምስ ዝመጾም ክጥንቐቑ ከም ዘለዎም ናብ ህዝቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ጉዳይ ዜግነትን ካናዳ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታት ዝዝርግሑ ሓበሬታታት ብደቒቕ ከም ዝከታተሎም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ስኑዕ ዝኾነ ዜና ኣብ ንረኽበሉ፡ እቲ ሓቒ ንክግለጥ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ እና ንህብ" ይብል ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ካናዳ።

እቲ ዘሎ ህሉወ ኩነታትከ እንታይ እዩ?

ካብ 1990 ጅሚሮም ሽዱሽተ ሚልዮን ስደተኛታት ናብ ካናዳ ክኣትዉ ክኢሎም'ዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ቁጽሪ ናብ ካናዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ናብ ካናዳ ንክኣትዉ ዘመልክቱ ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ ጥቕምቲ 2017 ናብ ሰነ 2018 ብ130 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ።

Permanent residents admitted into Canada in 2017. . .

ናይጀርያን ፍሊፕንስን ካብተን ቀንዲ ናብ ካናዳ ስደተኛትት ዝልእኻ 10 ሃገራት እየን።

ካናዳ ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብምውሳኽ፡ ኣብ ሃገራ ዓቕሚ ዓያዪ ሰብ ክውስኽ ውጥና እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሒዛቶ ዘላ ውጥን ከኣ፡ 330,800 ኣብ 2019፡ 341,000 ኣብ 2020 ከምኡ'ውን 350,000 ኣብ 2021 መጻእተኛታት ናብ ሃገራ ክኣትዉ እዩ።

እዚ ኣሃዝ እዚ ከኣ ዳርጋ ሓደ ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ ምዃኑ እዩ።