ካናዳ ካልአይቲ ሃገር ሓሺሽ ካናቢስ ከም መዘናግዒ ክዝውተር ዘፍቀደት ሃገር ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ካብ ቀረጽ ሽያጥ ሓሺሽ ኣብ ዓመት 400 ሚልዮን ዶላር ክእክብ ከምዝኾነ ተፍሊጡ። ቀዳማይ ምኒስተር ጃስቲን ትሩዶ ከምዝበሎ፡ ዕላማ ናይዚ ሓድሽ ሕጊ ሓሺሽ ካብ ኢድ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዑን ካብቶም ብሽያጥ ሓሺሽ ሃብቲ ዘኻዕበቱ ገበነኛታት ንምርሓቕ ዝዓለመ ኢዩ ኢሉ።
ካናዳ ድሕሪ ዩራጓይ እታ ካልአይቲ ሃገር ተጠቀምቲ ሓሺሽ [ድሮጋ] ከምመዘናግዒ ክጥቀምሉ ብሕጊ ኣፍቂዳ።
ዋላ`ኳ ድሮጋ ኣብ ጥዕና ተጠቀምትን ኣብ ሕጊ እታ ሃገርን ድሕነት ህዝብን ዘስዕቦ ጉድኣት ከምሕቶ ተተላዕለ፡ መንግስቲ ካናዳ ካብ ሮቡዕ ፍርቂ ለይቲ ንድሓር ኣብ መላእ-ሃገር ኣብዝርከብ ዕዳጋታት ብሕጋዊ መንገዲ ክሽየጥ ጀሚሩ።
ገለ ካብቲ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ድማ ን15 ሚልዮን ስድራቤታት ዝርዝር ናይቲ ሓድሽ ናይ ድሮጋ ሕጊ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕን ናይ ህዝቢ ንቅሓት ኣብቲ ጉዳይ ንምዕባይን ሰፊሕ ናይ ጎስጓስ ዘመተን ዘጠቓለለ ኢዩ።
እንተኾነ ብሰንኪ ድሮጋ ዝስዕቡ ናይ ትራፊክ ሽግራት ፖሊሲ ነቲ ጉዳይ ብኸምይ ክገጥሞ ከምዝኽእል ገለ ካብ ናይ ህዝቢ ስክፍታታት ኢዩ።
ናይ ካናዳ ኣውርጃታትን ምምሕዳር ከተማታትን ምጥቃም ድሮጋ ዘብቅዓሉ ንምትግባር ንኣዋርሕ ክዳለዋ ጸኒሐን።
ኣውራጃታትን ግዝኣታትን ንዝርዝር ኣጠቓቕማ ድሮጋን ኣበይ ከምዝሽየጥን ዝዝውተርን ቀያዲ መምርሒ ከውጽኣ ሓልፍነተን ኢዩ።
ካናዳ ንሓሺሽ ስጋብ ክንደይ ቅርብቲ ኢያ?
ስጋብ ሕጂ ኣብ ገለ ጉዳያት ሕጋውነት ሓሺሽ ኣብ ካናዳ ሓደ ካብቲ ዘይተመለሰ ሕቶ ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሓሺሽ ኣብ ካናዳ ከምመዘናግዒ ክትጥቀመሉ ሕጋዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ ቀረብን ጠለብን ኣብዘይመዓራረይሉ እዋን ናይ ኣቕርቦት ሕጽረት ከጓንፍ ከምዝኾነ ገለ ተንተንቲ ይገልጹ።
እታ ኣብ ካናዳ ኣዝያ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣውራጃ ኦንታርዮ፡ ካብ ወርሓት ጽድያ [ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ስጋብ መወዳእታ ወርሒ ታህሳስ ዘሎ ወቕቲ] ኢያ መሸጣ ሓሺሽ ክትጅመር። እቶም ነበርቲ ግና ብመርበብ ሓበሬታ እቲ ዘድልዮም ዓቐን ሓሺሽ ክእዝዙ ይኽእሉ።
እታ ብዝለዓለ ዓቕን ሓሺሽ እትጥቀም ኣውራጃ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ድማ ካብ ሮቡዕ ብሓንቲ ሕጋዊት ድኳን ምሻት ክትጅመር ኢያ።
ስለምንታይ`ያ ካናዳ ሓሺሽ ክዝውተር ኣፍቂዳ?
ቀዳማይ ምኒስተር ጃስቲን ትሩዶ፡ መራሒ ሰልፊ ሊበራል፡ ኣብ 2015 ንምርጫ ክወዳደር ከሎ ንዝገብሮ መብጽዓ ንምትግባር ኢዩ ሕጂ ተጠቀምቲ ሓሺሽ ከምመዘናግዒ ዝጥቀምሉ ህጊ ዘውጽአ።
እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ሓሺሽ ካብ ኢድ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዑን በቲ መሸጣ ሃብቲ ዘኻዕብቱን ወንጀለኛታት ንምውጻእ ዝዓለመ ኢዩ ኢሉ ቀዳማይ ምኒስተር ጃስቲን ትሩዶ።
ከምቲ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝገበሮ ትንበያ ድማ መንግስቲ ኣብ ዓመት ካብ ቀረጽ ሽያጥ ሓሽሺ ኣስታት 400 ሚልዮን ዶላር ክእክብ ኢዩ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY
ኣብ ካናዳ ካብ 1923 ጀሚሩ ሓሺሽ ሒዝካ ምርኻብ ገበን ኢዩ ነይሩ። ካብ 2001 ድማ ሕእሺሽ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ክውዕል ብሕጊ ፍቑድ ኮይኑ።
እንታይ`ዩ እቲ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ሓሺሽ?
ዝኾነ ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ሰብ ካብ ሕጋዊ ፈቓድ ዘለወን ድኳናት ወይ ድማ ዘፍርዩ ትካላት ስጋብ 30 ግራም ናይ ሓሺሽ ዘይቲ፡ፍረ፡ ተኽሊ ወይ`ውን ዝነቐጸ ሓሺሽ ክገዝኡ ይኽእሉ።
ልዕሊ 30 ግራም ሒዝካ ምርካብን ካብ ኣርባዕተ ተኽሊ ሓሺሽ ኣብ ገዛኻ ብምብቋልን ካብ ዘይሕጋዊ ትካላት ምግዛእን ብሕጊ ክልኩል ኢዩ።
ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክሸጥ ዝተረኽበ ድማ ስጋብ ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ይቕጻዕ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







