ኣብ ኣፍሪቃ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በጺሑ

መርመራ ኮቪድ-19

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ቁጽሪ ሰባት ሓደ ሚልዮን ብምብጽሑ፡ ተኸታታሊ ጉጅለ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።

እቶም ፍርቂ ሚልዮን ካብታ ብብዝሒ መርመራ እተካይድ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍርቂ ከምዝኾኑ፡ ሃገረ ታንዛንያ ግን ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ብዘይምሃባ እቲ ሕብረት ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

እታ ሃገር ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ ሓበሬታ ምስ ሃበት፡ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ ለበዳ ናብ ምውድኡ ገጹ እዩ ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ካብታ ሃገር ንኮሮናቫይረስ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ሓላፊ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ዶክትር ጆን ንከንጋሶንግ፡ "ሓበሬታ ክህቡና [ንታንዛንያ] ብተደጋጋሚ ሓቲትናዮም ኢና፤ ዝኾነ መልሲ ግን ኣይረኸብናን" ኢሉ።

ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሐ የርኢ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ኣብ ኣፍሪቃ እኹል መርመራ ይግበር ስለ ዘየሎ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ'ዮም ዝሕብሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ 21 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ 19 ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 674 ሽሕ ድማ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ኣለዉ። ኣብዚ ኣህጉር ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ግብጺ'ዩ ተረኺቡ። እዚ፡ እቲ ሕማም ኣብ ኣውሮጳ ምስ ተራኣየ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት እዩ ኣብ ኣፍሪቃ ክርአ ጀሚሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ቀይሕ ዞባ ኣበይ’ዩ ዘሎ?

እተን ዝለዓለ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉወን ደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን'የን።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ካብ ዝተረኸቡ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ እቶም 75 ሚእታዊት ኣብዘን ክልተ ሃገራት'ዮም ተረኺቦም።

ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይጀርያ፣ ጋና፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ዛምብያን ዙምባብወን ዘሎ ቅልጡፍ ወሰኽ መልከፍቲ ይከታተሎ ከም ዘሎ'ውን ዶክትር ጆን ንከንጋሶንግ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካብ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 65 ሚኢታዊት ትሕቲ 5000 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለዉወን።

እንታይከ ይግበር ኣሎ?

ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣብ ምቁጽጻር እዚ ለበዳ ዝወስድኦ ስጉምትታት ናእዳ ረኺበናሉ'የን።

እንተኾነ እኹል መርመራ ይግበር ስለ ዘየሎ ስክፍታታት ከም ዘሎ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ይገልጽ'ዩ።

ዶክትር ጆን ንከንጋሶንግ፡ እቲ ካልእ ስክፍታ ሰባት ነቲ መከላኸሊ ሜላታት ኣብ ምኽታል ድኽመት የርእዩ ምህላዎም እዩ ኢሉ።

"መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ምግባር ነዚ ሕማም ንምግታእ ሓጋዚ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ሰብ'ውን ይሕበሮ ኣሎ፤ ኣብ ምትግባር ግን ድኻማት ኣሎ"።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝተገበረ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ብራዚልን ድሕሪ ምፍታኑ ኣብ ምምዕባል ውሽጣዊ ተጻዋርነት ሰባት ዓቢ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ተባሂሉ እዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ብዙሓት ተፈቲኑ ውጽኢቱ ተራእዩ፤ እቲ ውጽኢት ዕውት እንድሕር ኮይኑ ናብ ኩሉ ክባጻሕ ግዜ ከም ዘድሊ ዝሕብር ዶክተር ጆን፡ ክሳብ ሽዑ ሰባት ኩሉ ዓይነት ጥንቓቐ ክገብሩ ተማሕጺኑ'ሎ።