ኣብ በይሩት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ቁጽሪ ምውታት ብውሑድ 100 በጺሑ

ኣብ ቤሩት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ቁጽሪ ምውታት 78 በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤሩት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ቁጽሪ ምውታት 78 በጺሑ

ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት ከተማ በይሩት ብዘጋጠመ ምፍንጃር፡ ቁጽሪ ምውታት ብውሕዱ 100 ክብጽሕ እንከሎ ልዕሊ 4000 ሰባት ድማ ከቢድን ፎኵስን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

በቲ ዘጋጠመ ብርቱዕ ምፍንጃር ምልእቲ ከተማ’ያ ተናዊጻ።

ፕረዚደንት ሚቸል ኦን፡ 2750 ቶን ክብደቱ ኣሙኒዮም ኒትረይት ዝተብሃለ ባእታ ኣብ ሓደ መኻዚኖ ንሽዱሽተ ዓመታት ብዘይጽፉፍ ኣገባብ ተኸዚኑ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ንሎሚ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ብምጽዋዕ ንክልተ ሳምንታት ዝጸነዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሚቸል ኦን፡ መንግስቲ 100 ቢልዮን ሊራ (66 ሚልዮን ዶላር) ነዚ ህጹጽ ግዜ ሰሊዑ ምህላዉ’ውን ገሊጹ።

ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ሊባኖስ ጆርጅ ከታይ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እዚ ንርእዮ ዘለና ኣዝዩ ዓቢ ዕንወት እዩ፡ ዝሞቱን ዝተሃርሙን ፎቖድኡ እዮም ዘለዉ” ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ኣብ ዝፈረሰ ገዛውቲ ዝተጸቕጡ ሰባት ከይህልዉ ይደልዩ ስለ ዘለዉ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከም ዝኽልእ እዩ ዝግመት።

ሰብ መዚ ሊባኖስ እቲ ነዚ ምፍንጃር መንቀሊ ዝኾነ ነገር ይምርምርዎ ከም ዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ባይቶ ምክልኻል ሊባኖስ ነዚ ጠንቂ እዚ ባርዕ ዝኾነ ኣካል ‘ዝለዓለ መቅጻዕቲ’ዩ ክጽበዩ’ ኢሉ።

እቲ ኣሙኒዮም ኒትራይት ዝተባህለ ባእታ ካብ ሓንቲ ዝተወረሰት መርከብ ኣብ 2013 ተራጊፉ ኣብ ሓደ ኣብ ውሽጢ እቲ ወደብ ዝርከብ መኻዚኖ ተዓሺጉ ከም ዝነበረ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

እዚ ምፍንጃር ናይ ኣሚኒዩም ኒትረይት፡ ሊባኖስ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት እንከላ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።

እታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓቢ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዘሰክፍ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስን እያ ዘላ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝመጽእ ዓርቢ ናይቲ ኣብ 2005 ዝተቐተለ ቀዳማይ ሚኒሰትር ሊባኖስ ነበር ራፊክ ሓሪሪ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝውሃበሉ ስለዝኾነ እቲ ኩነታት ዝያዳ ዝተሓላለኸ ይገብሮ።

እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

እቲ ምፍንጃር ብኣቆጻጽራ ሊባኖስ ሰሉስ ድሕሪ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት እዩ ኣጋጢሙ።

እታ ከተማ ብምልእታ ልክዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ክትናወጽ እንከላ፡ እቲ ወደብ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክገብሮ ዝኽእል ዕንወት ወሪዱዎ እዩ።

ዝሞቱ ሰባት'ውን ኣብ ፈቀድኡ ይርኣዩ። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ ገዛውቲ ዝተደርበዩ ሰባት የርእያ ነይረን።

ናይ ዓይኒ ምስክር ዝኾነ ሰብ ነቲ ክስተት ብምርዳእ “ድምጺ ናይቲ ምፍንጃር እዝንኻ ልኵኽ ዘብል እዩ” ብምባል እቲ ድምጺ ካብ ክትግምቶ ትኽእል ንላዕሊ ብርቱዕ ምንባሩ ገሊጹ።

ኣብ በይሩት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ቁጽሪ ምውታት 78 በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካብቲ ቦታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርገሑ ተንቀሳቀስቲ ምስልታት’ውን ዝተገልበጣ መካይንን ዝፈራረሰ ህንጻታትን’ዩ ዘርኢ።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኩሉ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ህንጻታት ዓንዩ’ዩ፡ ኣብ ስብርባር ቬትሮታትን ፍርስራስን እናረገጽኩ’የ ዝኸይድ ዘለኹ፡ ኩሉ ነገር ጸላም እዩ ተቐይሩ ዘሎ” ኢሉ።

ሆስቲታላት እታ ከተማ ልዕሊ ዓቕመን’የን ሰብ ሒዘን ዘለዋ።

ድምጺ ናይቲ ምፍንጃር ካብ ቤሩት 240 ኪሎ ሜትር ሪሒቃ ኣብ እትርከብ ደሴት ቆጵሮስ ከም ዝተሰምዐን ነበርቲ ቆፕሮስ’ውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝመሰሎም’ውን ካብ ወገን ቆጵሮስ ተሰሚዑ።

ኣሙንዮም ኒትረይት እንታይ እዩ?

ኣሙንዮም ኒትረይት ዝተፈላለየ ጥቕምታት ዘዎ ባእታ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ክልተ ጥቅምታቱ ግን መስርሒ ዱኽዕን መስርሒ ተፈንጃሪ ነገራትን እዩ።

ኣሙንዮም ኒትረይት ናብ ሓዊ ምስ ዝቐርብ ብቀሊሉ ናይ ምብራዕ ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምቅጻሉ ናይትሮጅን ኦክሳይድን ኣሙኒዮም ጋዝን ዝርከብዎም መርዛም ጋዛት ናይ ምፍጣር ባህሪ'ውን ኣለዎ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣሙኒዮም ኒትረይት ብኸመይ ክኽዘን ከምዘለዎ ጥንቃቐታት ይሓትት'ዩ።

ሓደ ካብኡ እቲ እዚ ባእታ ዝተዓሸገሉ ክቃጸል ብዘይክእል ነገር ክሽፈን ከምዘለዎ እዩ።