ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘጋጠመ ነትጒ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከምዝሞተ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ቤይሩት ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘጋጠመ ምፍንጃር ሓደ ኢትዮጵያዊ ከምዝሞተ ኣብ ቤይሩት ናይ ኢትዮጵያ ቆንስላ ጀነራል ኣቶ ተመስገን ዑመር ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ብተወሳኺ ሓንቲ ኣብቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበጸሓ ኢትዮጵያዊት ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ዝሕከምሉ ክፍሊ ከምእትርከብ ኣቶ ተመስገን ገሊጹ።
በቲ ነትጒ ጉድኣት ካብ ዝበጸሖም ሰባት ኢትዮጵያውያን ከም ዝርከቡዎም ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያን ተቐማጦን ገሊጾም ነይሮም።
ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ንቢቢሲ ከም ዝገለጹዎ፡ ብምኽንያት እቲ ከቢድ ምፍንጃር ነትጒ ኣብ ዝተላለየ ከባቢታ እታ ከተማ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ጉድኣት በጺሑዎም እዩ።
ኣብ ቤይሩት ቆንስላ ጀነራል ዝኾነ ኣይተ ተምስገን ዑመር ሓሙሽተ ኢትጵያውያን ማእከላይ ጉድኣት በጺሑዎም ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ከም ዝሰምዐን፡ እቲ ሓበሬታ ብምጽራይ ኩነታት እቶም ግዳያት ንምፍላጥ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎን ገሊጹ።
ብተወሳኺ ካልኦት ቀሊል ጉድኣት ዘጋጠሞም ኢትዮጵያውያን ሽዑ ሕክምና ረኺቦም ናብ ገዝኦም ከም ዝተመለሱ ብምሕባር፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታት ሓበሬታ ቀልጢፍካ ክትረክብ ዘኽእል ኣይኮነን ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ሓያል ስንባደ ዝፈጠረ ሓደጋ፡ ሓላፍትን ሰራሕተኛታትን እቲ ቆንስላ ኩነታት ኢትጵያውያን ንምፍላጥ፡ ለይቲ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታትን ሕክምና ማእከላትን ብምኻድ ከም ዘጻረዩ፡ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
"ንሕና ንባዕልና ኣብ ሰደት" ዝተብሃለ ኣብ ሊባኖስ ዝንቅሳቐስ ገባሪ ሰናይ ድማ ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ኢትዮጵያውያን ቀሊል ከቢድን ጉድኣት ከም ዝበጸሖምን ካልኦት ድማ ናበይ ከም ዝኣተዉ ከም ዘይተፈለጠን ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
ከቢድ ጉድኣት ዘጋጠሞም ውሑድ ከም ዝኾኑ ዝገለጸ እቲ ማሕበር፡ ክልተ ኢትጵያውያን ሆስፒታል ከም ዝኣተዉን ሓንቲ ድማ ኣብ ዘላቶ ንምላፍጥ ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎን ካብቲ ትካል ዝኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ብተወሳኺ ገለ ኢትጵያውያን ድማ ክረኽቡዎም ብዛዕባ ዘይከኣሉ መሓዙቶም ይሓቱ ከም ዘለዉ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ገሊጹ።
"ሕልሚ ዝመስል ግን ድማ ዘፍርሕ ሓቂ"
ነባሪት ከተማ ቤይሩት ዝኾነት ኢትዮጵያዊት ጽጌረዳ ብርሃኑ፡ ነቲ ኩነታት "ሕልሚ ዝመስል ግን ድማ ዘፍርሕ ሓቂ" ብምባል ትገልጾ።
እቲ ነትጒ ብኣቆጻጽራ ከባቢ 12 ሰዓት ኣጋግዘ ከም ዘጋጠመ እትገል ጽጌረዳ፡ ኣብቲ እዋን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንጸገም ንዝተቓልዑ ኢትዮጵያውያን ሓገዝ መግቢ ኣብ ዝረኽቡሉ ቦታ ምስ መሓዙታ እናተኣናገደት ነይራ።
እቲ ነትጒ ዘስዓቦ ምንቅጥቃጥ ህንጻታት ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጓነፈ መሲሉዎም ከም ዝነበረ እትገልጽ ጽጌረዳ፡ ዳሓር ናብቲ ጎደና ምስ ወጸት ግን እቲ ዝነበረትሉ ኣሽረፍየ ዝበሃል ከባቢ፣ ናይ በጻሕቲ መስሕብ ዝኾኑ ዋርኒኬልን ጅማይትን ዝበሃሉ ከባታትን ዓንዮም ከም ዝረኣየት ትዛረብ።
ብተወሳኺ ብደም ጠልቅዮም ዝሃድሙ፣ ዝበኽዩ ሰባት፣ ዝተጨናነቑን ብዝተሰባበሩ መስትያት ዝመልኡ ጎደናታት ከምዝርኣየትን ሽዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሆቴላት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ቀሊል ጉድኣት በጺሑዎም ብህይወት ምትራፎም ከም ዘረጋገጸትን ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ድሕሪ እቲ ምፍንጃር ነትጒ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዝተቜረጸ ኮይኑ፡ ሆስፒታላት ድማ ጉድኣት ብዝበጸሖም ሰባት መሊኦም ነይሮም።
ኣብቲ ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ዘጥፈአ ሓደጋ፡ ካልኦት ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት እውን ስለ ዝቖሰሉ፡ ሆስፒታላት መሊኦም ሰብሞያ ኣብ መረባን መዘናግዒ ቦታታትን እዮም ሕክምና ዝህቡ ነይሮም።
ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበረ ኩነታት ዝተዓዘበት ጽጌረዳ፡ ብዙሓት ሰባት እናመጹኡ ቁስሎም ተዓሺጉሎም ከም ዝኸዱ ገሊጻ።
ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ድማ ኣብ ቤይሩት ናይ ኢትዮጵያ ቆንሰላ ዝኾኑ ኣምባሰደር ተመስገን ኣብ ሆስፒታል እናተዘዋወሩ ኩነታት ኢትዮጵያውያን ይዕዘቡ ከምዘለዉ ምስሰምአዐት ኣዝያ ከምዝተገረመት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ቅድሚ ሕዚ እቶም ቆንስላታት ኣብ ዜጋታቶም ጸገም እንትበጽሕ ቀልጢፎም መልሲ ከምዘይህቡ ብምዝካር፡ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ግና ሓለፍቲ ናይቲ ቆንስላ ኣብ ሆስፒታል ምስ ርኣየቶም ብምግራም ንቐጻሊ ተስፋ ከምዝሃባ ገሊጻ።
ክንደይ ኢትጵያውያን ጉድኣት ከምዝበጸሖም መረዳእታ ከምዘይረኸበት እትዛረብ ጽጌሬዳ፡" ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ከምዝሞተት ሰሚዐ እየ፡ ግን ኣየረጋገጽኩን" ኢላ።
ብተወሳኺ እቲ ሓደጋ ብዙሓት ማእከላት ዕዳጋ ከም ዘዕነወ ብምግላጽ፡ ኣብቶም ማእከላት ተቖጺሮም ይሰርሑ ንዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሸቕሊ ኣልቦ ክገብሮም ከምዝኽእል ተዛሪባ።
ኣብቲ ከባቢ እትነብር ኢትዮጵያዊት ፋና ተኽላይ ድማ፡ እቲ ሓደጋ ኣብቲ እትሰርሐሉ ቦታ ኣብ ልእሊ መስተዋትን በርታትን ምስባብርን መዕናውን ከምዘብጸሐ ትዛረብ።
ፋና፤ ኣብ ልዕሊኣ ከቢድ ኣካለዊ ጉድኣት'ኳ እንተዘይበጽሓ፤ መሳርሕታ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ፣ ኣብ መደቀሲኣን ገዘውታን'ውን በቲ ሓደጋ መጠናዊ ምፍርራስ ከምዘጋጠመ ንቢቢሲ ገሊጻ። "እቲ ሓደጋ ብቀሊሉ ኢና ኣሕሊፍናዮ። ኣብ ነብሰይ ዝበጽሐኒ መጉዳእቲ የለን። ምሳይ ዝነብራ መሳርሕተይን ሓፍተይን ግና ጉድኣት በጺሑዎን። ኣብ ርእሳ ሓደጋ ዝበጽሓ ሓፍትና ኣላ" ኢላ።
ኣብቲ እቲ ሓደጋ ዝጋጠመሉ ቦታ፡ 2750 ቶን ኣልሙንየም ናይትሬት ውሑስ ብዘይኮነ መገዲ ንሽዱሽተ ዓመታት ተኸዚኑ ምንባሩ ፕረዚደንት ሊባኖስ ማይክል አኑን ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







