‘ንዶክተር ስመይ ስለዝነገርኩ ስብኣየይ ገሪፉኒ’

ራብያ ጓል ምዕራባዊት ኣፍጋኒስታን እያ። ሓደ መዓልቲ ሰብነታ ዝነደደ ክሳብ ዝመስላ ሓያል ረስኒ ተሰሚዕዋ።

ሰውነታ ተንቀጥቂጡ። ካብኡ ናብ ማእከል ጥዕና ኣምሪሓ።

እቲ ዶክተር መርሚሩ፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘት ይነግራ።

ራብያ መርመራኣ ወዲኣ ናብ ገዘኣ ተመሊሳ። እቲ ዶክተር ዝኣዘዘላ መድሓኒት ንክገዝአላ፡ ንስብኣያ እቲ ናይ ትእዛዝ ወረቐት ሂባቶ።

ሰብኣያ፡ ነቲ ወረቐት ምስ ረአየ ኣዝዩ ተቖጢዑ። ዘቖጠዖ፡ ‘ንዘይትፈልጦ ወዲ ስማ ንምንታይ ተዛሪባ’ ዝብል እዩ።

ንካልኦት ሰባት፡ እዚ ዝገርም ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ግን፡ ስብኣይ ጥራሕ ከይኮነስ ናይቲ ስብኣይ ስድራ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣንሽቲ ንናይ ደገ ሰባት ስመን ረቚሐን ከይዛረባ የገድድወን። እንተተዛሪበን ድማ ይግረፋ።

‘ስመይ ኣበይ ኣሎ?’

እቲ ጸገም ገና ካብ ብህጻንነተን፡ እንትትውለዳ እዩ ዝጅምር። ከም ኣወዳት ሕምባሻ ተቖሪሱ፣ ድግስ ተገይሩ ተዓሊሉ ኣይኮነን ስም ዝወጽአላ።

ሓንቲ ጓል ስም ከይወጽአላ፡ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ። እንትትምርዖ’ውን ስማ ኣይጽዋዕን። ኣብቲ ናይ መርዓ መዐደሚ ወረቐት’ውን ስማ ኣይሰፍርን።

ሃንደበት፡ እንተሓሚማ’ውን ከምኡ ስማ ንሓኪም ኣይንገርን። ነውሪ እዩ።

ስማ ኣብቲ ናይ መድሓኒት መአዘዚ ወረቐት እንተሰፊሩ ከም ሓጢያት እዩ ዝቑጸር።

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን።

ዋላ ⶁይታ’ውን ስማ ኣብቲ ናይ ሞት ሰርቲፊኬት ኣይምዝገብን።

ሓወልቲ እንተተሰሪሑላ ድማ ስማ ኣይጸሓፎን። ባዶ እዩ ዝኸውን።

ንቡዙሓት ስም ብዝምልከት ዘዘራርብ ኣይኮነን። ንኣፍጋኒስታውያን ግን ስም፡ ሕቶ ናጽነት እዩ ዘስዕብ።

ነዚ እዩ ድማ፡ ‘ስመይ ኣበይ ኣሎ?’ ዝብል ጎስጓስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘዘራርብ ዘሎ።

‘ናይ ሓወይ፣ ኣቦይን ስብኣየይን ክብርኸ’?

ካብ ከተማ ሄራት ካብ ኣትብሃል ዝመጽአት ካልእ ኣፍጋኒስታዊት ጓል ተነስተይቲ ድማ፡ ስማ ክጽዋዕ ኣይትደልን።

“ሓደ ሰብ ስመይ እንተሓቲቱኒ ኣይዛረብን” እትብል እዛ ውልቀሰብ፡ “ስመይ ምዝራበይ እንታይ እዩ ትርጉሙ፥ ስድራይ ከቑጥዕ?” ትብል።

‘ጓል እገለ፣ ሓፍቲ እገለ፣ ሰበይቲ እገለ፥ ምስ ወለድኩ ድማ ኣዶ እገለ- ኢሎም ክጽውዑኒ እየ ዝደሊ’ ኢላ።

ንኻልኦት ዝገርም ባህሊ እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ግን ዝተለምደ እዩ።

ነውሪ ዝኸውን፣ ስማ ኣውጺኣ ምዝራባ እዩ።

እቶም ደቂ ተባዕትዮ እንተኾኑ’ውን ነዚ ባህሊ ኣኽቢሮም እዮም ዝነብሩ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣደ እገለ፣ ሓፍቲ እገለ፣ ሰበይቲ እገለ ተባሂላ እያ ትጽዋዕ።

ኣብ ሕጊ ድማ፡ ኣብ ናይ ልደት ወረቐት፡ ናይ ኣቦኣ ስም ጥራሕ እዩ ዝሰፍር።

ምስ በዓልቤተን ዝተፈላለያ ኸ?

ፋሪዳ ሳዳት ዝተብሃለት፡ ገና ብቖልዓያ እያ ተመርዕያ። ናይ መጀመርታ ወዳ ኣብ መበል 15 ዓመታ ወሊዳቶ።

ካብ'ቲ ሰብኣያ፡ ብጠቕላላ ኣርባዕተ ወሊዳ።

ደሓር ግን፡ ብዕሊ’ኳ ተዘይተፋትሑ፡ ንሳ ደቃ ሒዛ ናብ ጀርመን ተጓዒዛ።

እቲ ኣቦ ንደቁ ሓቲቱ ኣይፈልጥን። ዝኾነ ርክብ’ውን የብሎምን።

‘’ብምንታይ ሚዛን እዞም ደቀይ ብናቱ ስም እናተጸውዑ ክነብሩ?” ክትብል ትሓትት።

ኣብቲ ናይ ደቃ ሰርቲፊኬት፡ ናይ ኣዴታቶም ስም’ውን ክሰፍር እቲ ሕጊ ክመሓየሽ ኣለዎ ኢላ ትኣምን።

ናይቲ ጎስጓስ ምቅልጣፍ?

‘እቲ ኩነታት ብኸምዚ ክቕጽል የብሉን’ እትብል ጓል 28 ዓመት ኣፍጋኒስታዊት ሳሌሕ ዖስማኒ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንባዕላ ዝኣተወቶ ቃል እዩ ነይሩ።

ነቲ ወጽዓ ምጽዋር ኣይከኣለትን። ‘ስመይ ኣበይ ኣሎ?’ ዝብል ጎስጓስ ጀሚራ።

እቲ ጎስጓስ መሰረታዊ መሰል ዝኾነ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብስመን ንክጽዋዓ ዝሓትት እዩ።

ዖስማኒ፡ ነቲ ጎስጓስ ምስ ኣዕርኽታ ኾይና ቀጺላትሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ሓያል ጽዕንቶ እናፈጠረ እዩ ዝርከብ።

ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝኾነት፡ ማርያም ሳማ፡ ድሮ’ኳ ኣስማት ኣዴታት ኣብ ሰርቲፊኬት ልደት ማዕረ ናይቶም ኣቦታት ክሰፍር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ኣልዒላ ኣላ።

ተቓውሞ

እቲ ዛዕባ ብፍላይ ኣብ ገጽ ፌስቡክ ቢቢሲ ምስ ወጽአ ብዙሕ ተቓውሞ ኣልዒሉ ይርከብ።

ነታ እቲ ጎስጓስ እትመርሕ ዘላ ዘሸቑርሩ ቅየዐታትን ዘረባታትን ተንጻባሪቖም።

ሓደሓዲኦም ‘ዝቕድም ፍለጢ’፣’ ገሊኦም ድማ ‘ናይ ስድራኺ ሰላም ግበሪ’ ገለ ዝኣመሰሉ ሓሳባት ኣንጸባሪቆም።

ንሳ ብፍላይ፡ ዝነቕሑ ዝበለቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ምስታፎም ኣሕዚንዋ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ፍሉጣት ሙዚቀኛታት እታ ሃገር ድማ ነቲ ምንቅስቓስ ደጊፎም እናተሳተፉሉ ይርከቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ ኣብ ሕሱም ኣባታዊ እትርከብ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ብስመን ዶ ክጽዋዓ ይኾና - ዝብል ኣብ መጻኢ ዝረአ እዩ።