እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ “ጓል ብምዃነይ ውሑድ ኣይተገፋዕኩን”
ዝሓለፈ ቀዳም 22 መስከረም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዊዘርላንድ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ኣብ'ቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበር ሸቃሎን ዝወደቡዎ "ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ" ዝጠልብ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺበን ኣብዚ ነቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደቀኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ብምግላጽ ድምጸን ኣስሚዐን።
ዕላማ እቲ ብስዊዛውያን ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ "ማዕረ ክፍሊት ንተመሳሳሊ ስራሕ" ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘተኮረ እኳ እንተነበረ፡ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቀንስትዮ ነቲ ዕድል ተጠቒመን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝካየድ ዘሎ ወጽዓን በደልን ብምቅላሕ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቓልቦ ክህቦ ከምዝጸውዓ ኣብ ስዊዘርላንድ ንልዕሊ 34 ዓመታት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ዘውዲ ተስፋማርያም ሓቢራ።
ወይዘሮ ዘውዲ፡ ከም ዜጋን ነባሪት ስዊዝን እቲ ናይ ማዕረ ክፍሊት ሕቶ ኣብ ህይወታ ብቐጥታ ዝትንክፋ እኳ እንተኾነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ግን ብዛዕባ እተን ኣብ ሊብያ ጅሆ ተታሒዘን ዘለዋ አሕዋታ ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ከምእትሓስብን ከምእትሻቐልን ብምሕባር፡
"ማሕበረ ሰብ ዓለም ጸገም እዘን አሕዋት ክሰምዖ ኣለዎ" ትብል።
ዋላ እውን ኣበርክቶይ ድሩት እዩ እንተበለት እቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ንኣስታት ሚእቲ ዝኾኑ መጓዕዝታ ገሊጻትሎም እያ።
እቲ ኣስታት 20ሽሕ ሰባት ዝተሳተፉዎ ሰልፊ፡ "ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ! ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ወጽዓን በደልን ደው ይበል! ኣድልዎ የብቅዕ!" ዝብል፡ ብፈረንሳይ ጥልያንን ጀርመንን ዝተጻሕፈ ጭርሖታትን ባንዴራታት ዝተፈላለየ ማሕበራትን ሃገራትን ኣድሚቑዎ ነይሩ።
ባንዴራ ኤርትራ ሒዛ ኣብቲ ሰልፊ ዝነበረት፡ ኣብ ህይወታ ብብዙሕ ሽግር ዝተፈተነት ንስዊዘርላንድ ብሊብያን ባሕርን ዝኣተወት ወይዘሮ ርሕስቲ ኣለም ገብረየሱስ ብወገና "ጓል ብምዃነይ ውሑድ ኣይተገፋዕኩን" ትብል።
ነተን ገና ኣብ ሊብያን ኤርትራን ብጾታዊ ኣድልዎ ዝግፍዓ ዘለዋ ኤርትራውያን ኣሓታ ድምጺ ንምዃን ኣብቲ ሰልፊ ከምዝወዓለት'ውን ርሕስቲ ትዛረብ።
ደቀኣንስትዮ ስዊዘርላንድ ኣብ 1991 ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ኣድማ ብምክያድ ተመሳሳሊ ሰልፊ ኣካይደን ምንባረን ሰነዳት ይሕብሩ።
ዋላ'ኳ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ንተመሳሳሊ ስራሕ ንደቂ ተባዕትዮን ንደቀንስትዮን ዝኽፈል ደሞዝ ኣብ ገሊአን ዳርጋ ናብ ማዕረ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣጸቢቑ እንተጸበበ ኣብ ስዊዘርላንድ ግን ኣስታት 20% ካብ ደሞዝ ደቂተባዕትዮ ዝተሓተ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ደቀንስትዮ ዓለም፡ ብጾታዊ ኣድልዎ ስራሕን ክፍሊትን ካልእ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣድልዎን ተወጺዐን ምህላወን ወይዘሮ ዘውዲ ትዛረብ።
ኣብ ስዊዝ ዝነብራ ኤርትራውያን ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ ኣብቲ ሰልፊ ብብዝሒ ኣይተረኽባን እምበር ወጽዓ እተን ኣብ ሊብያ ዝሳቐያ ዘለዋ ኣሓት ንምቅላሕ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምንባሩ ድማ ትሕብር።
ርሕስቲ ኣለም ብወገና፡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብስደት ዝነብሩሉ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ምሁራት፡ ኣብ ከምዚ ናይ ስዊዝ ዝኣመሰለ ሰልፍታት ንኽንርከብ እናጎስጎሱን እናተባብዑን ኣብ ሃገረና ኮነ ኣብ ስደትና ንዘጋጥመና ዘሎ ሽግራት ክዛረብሉ ተማሕጺና።
መንግስታዊ ጸብጻብ ሰዊዘርላንድ ከምዝሕብሮ ደሞዝ ደቀንስትዮ እታ ሃገር ካብ ናይ መዛኑአን ደቂ ተባዕትዮ ብ 18.1% ዝተሓተ እዩ። እቲ ደሞዝ ዋላ እውን ብተመኩሮን ብቕዓትን ክምኽነ እንተተፈተንነገና ደሞዝ ደቀንስትዮ ስዊዝ ካብ መዛኑአን ደቂ ተባዕትዮ ብ 7.4% ከምዝትሕት'ዩ ዝግለጽ።
እተን ብጻውዒት ለተኺዳን ዝስማ ኤርትራዊት ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፋ ዜጋታት፡ ኣፈን ብፕላስተር ሸፊነን ዓቕመን ብዘፍቅዶ ድምጽን ልሳንን ውጽዓት ኮይነን ኣቓልቦ ሰባት ንምስሓብ ከምዝጸዓራን ደቂተባዕትዮ እውን ከምእተሳተፉን ሓቢረን።
እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮነ ማሕበር ሰራሕተኛታት እንተደኣ እቲ ዝሕተት ዘሎ ጠለብ ምምዕርራይ ደሞዝ እንተዘይተፈጺሙ ን14 ሰነ 2019 ቅድሚ 28 ዓመታት ንዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፊ ንምድጋም ኩለን ደቂኣንስትዮ ስዊዘርላንድ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምቁራጽ ኣድማ ካካይዳ ምዃነን ኣጠንቂቖም።