ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክግዕዙ ጸውዒት ቀሪቡ

ሎሚ 14 መስከረም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ነቶም ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዞም ዝጽዉዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ውዒሎም።

ስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ብደማዊ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝዕሎ ጀሚሩ፡ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ትርከብ።

እዛ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ናብ ቃጽዖታት ዝተመቓቐለት ሊብያ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝወሓዙ ስደተኛታት ዝእከቡላ ድማ'ያ- ቅድሚ ናብ ኣወርጳ ንምስጋር ኣብ ዘይውሕሳት ጃላቡ ምስቃሎም።

እንተኾነ ግና ኣውሮጳ ኣፈደገኣ ኣብ ምሽጋጥ ኣብ እትነጥፈሉ ዘላ እዋን፡ ካብ ሊብያ ክሓልፉ ዘይካኣሉ ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒታት ናይዞም ዕጡቓት ጉጅለታት ይተሓዙ'ለዉ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣካል ናይቲ ኣብዞም መዳጎኒታት ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን፡ ሕማቕ ኩነታት'ዮም። ኣውያት ናይዞም ዓለም ክትረድኦም ዝጽውዑ ዘለዉ ስደተኛታት ንምቅላሕ ድማ'ዮም እዞም ሰልፈኛታት ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ።

ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾኑ ኤርትራውያንን እንግሊዛውያንን ዝርከብዎም ተጣበቕትን ተሓለቕትን መሰል ስደተኛታት ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ብምትእኽኻብ፡ ዓለም ነቶም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ቆላሕታ ክትገብረሎም ጸዊዖም።

ኣብ ሃገረ ሆላንድ፡ ጥልያንን ስዊዘርላንድን ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን ተመሳሳሊ ጻዊዒት ንምቕራብ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣንቀልትን ኣወሃሃድትን ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኾነ መንእሰይ ሻም ገብሪኤል ዕላማ ነይቲ ሰልፊ ክገልጽ እንከሎ፡ "ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር [ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት"፡ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ዋላኳ ጽቡቕ ይኹን፡ ግን ውሒዱ፡ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ክውስኹ፡ ዝያዳ ሰብ ንክሕግዙ ኢና ንጽውዕ ዘለና። ብካልኣይ ደረጃ ድማ፡ እተ ትካል ነተን ክሕግዛ ዝኽእላ ሃገራት ተራአን ክጻወታ ከተባብዑ ንምጽዋዕ'ዩ" ይብል።

እቲ ትካል ንውሑዳት ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ ዝበሎም፡ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ብምግዓዝ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከስግር ጸኒሑ'ዩ።

እቶም ዝበዝሑ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ተታሒዞም፡ መጻኢኦም እንታይም ምዃኑ ኣብ ዘይፈልጥሉ ኩነታት ከም ዝርከቡ ንቢቢ ትግርኛ ክሕብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።

"ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ'ዩ። ክመዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ኣብ ሰብ ዳርጋ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና፡ ብጀካካ እቲ ናይ ሲናይ ዝነበረ ኩነታት። ሰብ ይእሰር፡ ይዕመጽ፡ ይቕጥቀጥ ይሽየጥ፡ ይህረም፡ ይቕተል" ብምባል ሻም ይገልጽ።

እቲ ኩነታት በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ከም ዝተጋደደ ብምጥቃስ "ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣግዕዝዎም" ብምባል ጻዊዒቶም የቕርቡ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምክትል ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ማቲው ሶልትማርሽ፡ "ብወገና ነቶም ኣብ ልብያ ብዘይ ኣጋባብ ተቐይዶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለው ተገንዚብና ንምሕጋዞም ንጽዕር እኳ እንተሃለና፡ ገለ ክፋላት ልብያ ግን ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ብምዃነን ንምእታወን ይኹን ንምሕጋዝ ተኽእሎታትና ድሩት ጌርዎ ይርከብ።"

"ምስኣን ዑቕባ ዝህባ ሃገራት ድማ ዓቢ ብድሆ ኮይኑና ኣሎ። ንሕጂ ግን ነዞም ተወኪሎም ኣብ'ዚ መጺኦምና ዘለው ልኡኻት ሕቶኦም ተቐቢልና ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ጄኔቫ ክንሰዶ ኢና። "እቲ ምግዓዝ ናይቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ግን ኣብ ድሌት ተቐበልቲ ሃገራት'ዩ ዝምርኮስ"።

"እዞም ኣብ ማሕቡስ ሊቢያ ንኣዋርሕ ዓመጽን መግረፍትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምልሻ ሊቢያ ንምጭዋይ እዞም እሱራት ኣብ ዝገበርዎ ውግእ ሕድሕድ ግዳያት ምኻኖም ናይ ብጽሑልና ኣውያት ብዝተፈላለዩ ማዕከናትን መራኸቢታትን ከስምዑ'ኳ እንተፈተኑ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ረዳኢ ኣውያት ኣብ መንቀራቕሮ ይርከቡ ነዚ ክፈትሐኦ ወይ ክሕግዝኦም ዘለወን ድማ ውዱብ ሕቡራት ኤውሮጳ እየን" ይብል ሓደ ካበቶም ተሳተፍቲ ዝኾነ ረድኢ ዓይቡ ካብ ሎንዶን።

ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ ኦሉ ፊሚሻካ ብወገኑ "ኣፍሪቃውያን ጸገምና መራሕትና ብምዃኖም፡ ሓንቲ ብሓባር ኬንና ጸገምና ክንፈትሓላ እንኽእል ንኹልና እትሓቁፍ ኣፍሪቃዊት ከተማ ክንፈጥርን ንሽግራትና ኣብኣ ክንፈትሕን ይግብኣና" እዩ ምሕጽንትኡ።

ብፍላይ ድማ ናይ ኤርትራውያን ቅጥዒ ዘይብሉ ስደት፡ ከልበትበትን ሞትን ምድረበዳ፡ እቶም መራሕቲ ዝፈጠርዎ ብምዃኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ውዕል ሰላም መፍትሒ ከኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለዎ።

ብኣንጻሩ ግን ሻም ገብሪኤል "ሰብኣዊ መሰልና ከሳብ ዝይተኸበረን ዲሞክራሲያዊ ፍትሒ ንኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዘይነገሰን፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ጉያ ጉያ ናብ ዓድና ክንምለስ ከተባብዓናን ነዚ ድምጺ ኣልቦ ህልቂት ክገትኦን ዝኽእል ከምዘይኮነ ንኹሉ ቅሉዕ ምስጢር'ዩ።"

"ስለዚ ነዞም ኣብ ጸልማት ዘለው ዜጋታት ኢደይ ኢድካ ብምባል ድምጺ ንኹኖም" ክብል ምሕጽንትኡ የቕርብ።