እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባል ባይቶ ጓል ኣንስተይቲ ዘይብለን ሃገራት እንታይ ይገጥመን?
"ኣንጻር ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሕ ጥቕዓት ልዑል ምኻኑ ልክዕ ኣይኮነን፤ ደቂ ኣንስትዮ ዘይብሉ መስርሕ ውሳነ ምህላው'ውን ልክዕ ኣይኮነን" ትብል ተሓላቒት መዓርነት ጾታ ቫኒዋቱ ያስሚን ቢጆርነም።
80 ደሴታታት ዝኸበብዋ ናብ ደቡብ ሰለማዊ ውቅያኖስ 1300 ኪሎ ሜትሮ እትዝርጋሕ ሃገራ፡ 52 ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ኣለዉዋ።
እቲ ዘገርም ነገር፡ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ምኻኖም'ዩ። ኣብ ዓለም ነዛ ሃገር ሓዊሱ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ።
"ቐዳምነታትና፡ በቲ ውሳነ ዝህብ ኣካል ዝተወከሉ ኣይኮኑን" ኢላ ቢጆርነም።
በዚ ምኽንያት 'ሲስታ' ዝተብሃለ መቃለሲ መገዲ ኢንተርነት ብ2016 ጀሚራ። ደቂ ኣንስትዮ ሃገራ እዚ ጉዳይ ትኹረት ክገብራሉ ከም ዘለወን ግንዛበ ንምዕባይ ድማ ትጥቀመሉ።
ሓላፋ ወዲ ተባዕታይ ምቕያር ንምነታይ ከቢድ ኮይኑ?
ደቂ ኣንስትዮ ቫኒቱዋ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሴድያ እታ ሃገር ክኣትዋ ድልየት ኣለወን። ግን ድማ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሎም ከባቢታት ገጠር ዝርከቡ ባህላዊ ባይቶታት፡ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ኣብ ምቕራጽ ልዑል እጃም ኣለዎም።
እዚኦም ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ዝምርሑ'ዮም። እዞም መራሕቲ ዝመረጹዎ ሰብ'ዩ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝሕጸ።
"ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፊታት ብደቂ ተባዕትዮ'ዮም ዝምርሑ። ሕጹይ የቕርቡ፤ ድሓር ይምረጽ። በዚ ምኽንያት እቲ ፓርላማ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ'ዩ" ኢላ ኣባል ባይቶ ዝነበረት ሂልዳ ሊኒ።
ሊኒ፡ ኣብ 1987 ዝተመረጸት ፈላመይቶ ኣባል ባይቶ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ብሰለስተ እብረ ን11 ዓመት ኣገልጊላ። ንሳ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝተፈላለየ ሓለፍነት ዝጸንሓ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር እያ።
ውሳነ ወሃብነት ደቂ ኣንስትዮ ምውሓዱ፡ ኣብታ ሃገር ኣሉታዊ ጽዕንቶ ከም ዘለዎ ትዛረብ። "ደቂ ተባዕትዮ ሕጊ ምክልኻል ስድራቤት ቫኑትዋ ክሕግጉ ትሸዓተ ዓመት'ዩ ወሲዱሎም" ኢላ።
ዘቤታዊ ዓመጽ ዝምልከት ዝከታተል ሓጋጊ ኣካል ድማ፡ ብኣግባቡ ከፈጽሞ ኣይኽኣለን ክትብል ትገልጽ።
እተን ካልኦት ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ዘይብለወን ሃገራት'ውን፡ ብተመሳሳሊ ሃገራት ደሴት ውቅያኖሰ እፓስፊክ እየን። እታ ሓንቲ፡ ሚርሮኔዥያ ኮይና እታ ካልአይቲ ድማ ፓፓዋ ኒው ጊኒ'ያ።
ዘይምዓርነት ንከብቅዕ እንታይ ይግበር'ሎ?
ደቂ ኣንስትዮ ቫኒዋቱ፡ እዚ ማሕነራውን ቑጠባውን ጾታዊ ኣፈላላይ ንከብቅዕ ይዓያ እየን ዘለዋ።
"ጥንኩር ክርስቲያናዊ ክብርታት ኣለና። ወዲ ተባዕታይ ርእሰ ገዛ፤ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ካልአይቲ'ያ ተባሂሉ'ዩ ዝእመን። ኣብቲ ባይቶ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ዝዝረቡ ዘረባታት'ውን ኣለው" ትብል ቢጆርነም።
ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ገለ ዞባታት እታ ሃገር ተዘዋዊሩ ከም ዝተዓዘቦ፡ ወዲ ተባዕታይ ፍረ ጻማ ጓል ኣንስተይቲ ምምንዛዕ ልሙድ'ዩ።
ከም ጸብጻብ ባንኪ ዓለም [2017]፡ 60 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ጥራሕ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይረክብ። ካብዚኦም ሲሶ ቆልዑት ድማ ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ናይ ዕብየት ጸገማት የርእዩ።
ጾታዊ መዓርነት ምርግጋጽ፡ ንዕብየት ሃንቲ ሃገር ወሳኒ ምኻኑ ድማ ይገልጽ።
ጾታዊ ጥቕዓት
275 ሽሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ቫኒዋቱ፡ ልዑል መጠን ጾታዊ ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ይርኣየላ።
"ሓደ መሰለስ ደቂ ኣንስትዮ 15 ዓመት ከይመልአን፡ ግዳያት ጾታዊ ጥቕዓት'የን ዝኾና" ትብል ቢጆርነም፤ "60 ሚኢታዊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ሰባት ጾታዊ ጥቕዓት ፈጺሞም ዝኣተው'ዮም" ኢላ።
ከም ሓበሬታ ቢጆርነም፡ 98 ሚኢታዊት ገበናት ጾታዊ ጥቕዓት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይውሰዱን።
"ጾታዊ መዓርነት ዝብል ጉዳይ እንተዘይደጊፍካ፡ እዛ ሃገር ፈጺማ ኣይክትልወጥን እያ። እቲ ባህሊ ግን ኣዝዩ ጽንኩር'ዩ"።
መጻኢ ፖለቲካ
ለውጢ ክመጽእ ይኽእል'ዩ።
ሕጂ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝወደብኦ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሌሎን ቫኑዋ ዝተብሃለ ሰልፊ ንፈለማ እዋን ተጣይሹ ኣሎ።
እዚ ሂልዳ ሊኒ እትመርሖ ሰልፊ፡ ኣብ 2020 ንዝካየድ ምርጫ ዝነሓናሕ ኮይኑ፡ 50 ሚኢታዊት መናብር ባይቶ ንደቂ ኣንስትኦ ክኸውን ይጉስጉስ።
ፍርቂ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሕጹያት ተነሓናሕቲ ኮይነን ክቐርባ ተስፋ ኣሕዲሩ'ሎ።
ኣብ ሕሉፍ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ስድርአን ብመሰረት ዝተውሃበ መምርሒ እየን ዘድምጻ ነይረን።
ሊኒ ድማ፡ "ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ምርጫ ሚስጢር ምኻኑ ክንነግራ ኢና። ንሰብኣይኺ ይኹን ንካልእ ክትዛረቢ የብልክን ክንብላ ኢና" ትብል።
ናይ ቫኒዋቱ ዓብዪ ማሕለኻ ግን፡ እቲ ጓል ኣንስተይቲ ካልአይቲ ገይሩ ዝመደበ ባህላዊ እምነት ምቕራፍ'ዩ።