ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ተኣሲሩ ናብ ከተማ ቢሾፍቱ ተወሲዱ

ኣባል ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ፓርቲን (ኢዴፓ) ናይቲ ሰልፊ ሃገራዊ ቤት ምኽርን ዝኾነ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፡ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ኢዴፓ ኣፍሊጡ።
ኣቶ ልደቱ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝነበረ ናዕቢ ኣዋሃሂድካ ብዝብል ምኽንያት ከምዘተኣሰረ ፕረዚደንት ኢዴፓ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ልደቱ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፖሊስ ፈዴራል ተታሒዙ ናብቲ ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ መንበሪ ገዘኦም ከምዝተወሰደ ተገሊጹ።
ፖሊስ ኣቶ ልደቱ ኣብ ቀይዲ ንክኣቱ ዝእዝዝ ወረቀት ዕለት 3 ሓምለ 2012 ኣቆጻጽራ ግእዝ ከምዘውጽአ ብምጥቃስ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ከይረኸቦ ከምዝጸንሐ ኣቶ ኣዳነ ሓቢሩ።
ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ልደቱ ክሲ ብምምስራት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ካብ ቤት ፍርዲ ከተማ ቢሾፍቱ ከምዘውጽአ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣቶ ልደቱ መስራትን ኣባል ኣመራርሓን ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይቲ ሰልፊ ኣባል ቤት ምኽርን ‘ኣብሮነት’ ናይ ዝተብሃለ ጥምረት ሰልፍታት ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ወኪል እዩ።
ኣቶ ልደቱ ኣብቲ ኣብ 1997 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝነበረ ምረጫ ኣባል ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ንፖሎቲካዊ ህይወቱን ንፖሎቲካ ኢትዮጵያ ዝምልከትን መጽሓፍ’ውን ጽሒፉ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







