መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ልዕሊ ዝኣሰሮም 'ክሲ ክምስርት ወይ ብህጹጽ ክፈትሕ’ ተሓቲቱ

ጀውሃር

ምንጪ ስእሊ, STRINGER

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ቅልውላው ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከምዘለዉ መንግስቲ ሓበሬታ ክህብ፡ ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክልል ኦሮሚያን ብውሕዱ 5 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝጠቐሰ ኣምነስቲ፡ ካብዚኦም መብዛሕተኦም ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም እሱራት ዘለውሉ ኩነታት ንቤተሰቦም ስለዘየፍለጠ፡ ሻቕሎት ይፍጠር ምህላዉ ብምግላጽ “ብህጹጽ ዘለዉሉ ቦታ ኣፍሊጡ ክሲ ክምስርተሎም እንተዘየለ ግን ብህጹጽ ክፍትሑ” ክብል ሓላፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዲፕሮስ ሙቼና ሓቲቱ።

ኣምነስቲ ወሲኹ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስጋኢ ኮይኑ ኣብ ዘለሉ ኣብ’ዚ እዋን፡ እሱራት ተጸቓቒጦምን ጽርየቱ ኣብ ዘይተሓለወን ኩነታት ክእሰሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ገሊጹ።

ሬሳ ሃጫሉ ዝዕጅብ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, Yomis Gonfa

መግለጺ ኣምነስቲ ከምዝብሎ፡ ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣበይ ከምዘለዉ ጠበቓታቶም ኣይፈልጡን። ፖሊስ ፌደራል፣ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፖሊስ ኦሮሚያን፡ እቶም ሰባት ምሳና የለዉን ከምዝበሉ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

“ሰባት ተኣሲሮም ክጸንሑ ዘለዎም፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ጥንኩር መረዳእታ እንተሃልይዎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ወጻኢ፡ ፖሊስ መርትዖ ኣብ ዝእልሸሉ እዋን፡ ዜጋታት ናጽነቶም ተገፊፎም ክእሰሩ ኣይግባእን” ኢሉ ዲፕሮስ ሙቼና።

ኣምነስቲ ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክሲ ክምስረተሎም እንተዘየሎ ግን ክፍትሑ ሓቲቱ።

ወሲኹ ድማ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ’ቲ ልሙድ ናይ ጭቆና መገዲ ክምለስ የብሉን። መሰል ምቅዋምን ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ሓሳብ ናይ ምስጓምን መሰል ከኽብሩ ኣለዎም” ኢሉ እቲ ሓላፊ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝበሎ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዘጋጠመ ዕግርግር፡ ብሓይልታት ጸጥታን ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ብሰንኪ ማሕበረሰባዊ መጥቃዕትን ብውሕዱ 177 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ መማ ከምዝቖሰሉን ገሊጹ።