ፕረዚደንት ኣይቮሪ ኮስት ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ከም ዝኽእል ተገሊጹ

ፕረዚደንት ኣይቮሪ ኮስት ኣላሳነ ኦታራ፡ ድሕሪ እቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ሓንደበታዊ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣማዶ ጎን ኮሊባሊ፡ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዝኾነ ኣዳማ ቢክታጎ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ንፕረዚደንት ኦታራ ዝትክእ ተወዳዳሪ ሓዊስካ፡ ኩሉ ኣማራጺታት ኣብ ቅድሜና ኣሎ" ኢሉ።

እታ ሃገር ንዝኽሪ እቲ፡ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ተሓጽዩ ዝነበረ ብሓንደበት ዝሞተ ኮሊባሊ፡ ንሸሞንተ መዓልቲ ዝጸንሕ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጃ ኣላ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ከም ዘይሳተፍ ድሕሪ ምግላጽ እዩ ኮሊባሊ ነቲ መዝነት ተሓጽዩ።

ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ሓጺር ግዜ፡ ምስቲ ህቡብ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዳረግ ሕጹይ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተንተንቲ ይዛረቡ።

በዚ ድማ ወላ'ኳ ወቐሳታት ዘስዕብ እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ኦታራ ናብ ምርጫ ክምለስ ከም ዝግደድ ይሕብሩ።

ፕረዚደንት ኦታራ፡ ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንዘጋጠሞ ስዕረት ንምቕባል ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ ካብ ስልጣን ንዝተኣለተየ ላውረንት ባግቦ ተኪኡ እዩ ኣብ 2011 ናብ ስልጣን መጽዩ።