ቡርኲናፋሶ፡ 180 ሰባት ዝተቐትልሉ ‘ግራት ደም’

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገረ ቡርኲናፋሶ ብውሕዱ 180 ሬሳታት ዝተቐብሩሉ ጋህሲ ከም ዝተረኽበ ተሓላቒ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

“ዝተረኽቡ ጭብጥታት ከም ዝሕብርዎ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ጃምላዊ ምርሻን ተሳቲፎም” ይብል እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሓደ ጋህሲ ቅድሚ ምቕባሩ፡ ብብግዚኡ ኣስታት 20 ሬሳታት ናብቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ጂቦ ዘሎ ሓደ ጎልጎል ክድርበ ጸኒሑ።

ሚኒስተር ምክልኻል ቡርኲናፋሶ፡ እቲ ቅትለት ተቓወምቲ ዕጡቓት ዝፈጸምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ’ሎ።

“ህዝቢ ንዕጡቓት ኣሸበርቲ ካብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፈልዩ ክርእዮም የጸግም’ዩ” ይብል ሸሪፍ ሞሚና ነቲ ጸብጻብ ግብረመልሲ ኣብ ዝሃበሉ።

ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ ነቲ ክሲ ከጻርዮ ምዃኑ ተዛሪቡ’ሎ።

“ግራት ደም”

እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ፡ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ቡርኲናፋሶ፡ ኣንጻር እቶም ምስ ጉጅለታት ሽበራ ኣል-ቃዒዳን ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም እስላማውያን ዕጡቓት ትቃለስ ዘላ ሃገር’ያ።

ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ዳይረክተር ዞባ ሳሕል ዝኾነት ኮሪን ዱፍካ፡ ከተማ ጂቦ ናብ “ግራት ደም” እያ ተቐዪራ ትብል።

መንግስቲ’ታ ሃገር ነቲ ሬሳታት ንምውጻእን ንምልላይን፡ ሓገዝ ናይ ሕቡራት ሃገራት ክጠልብ’ዩ እቲ ተጣባዊ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት ዝመክር። ቤተሰቦም ሬሳ ክወሃቦምን፡ እቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ክሕተቱን ድማ ጸዊዑ'ሎ።

እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ምዃኖም ዝተነግረሎም ግዳያት፡ ካብ ሕዳር 2019 ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ድልድላትን፡ ኣስታት 5 ኪሜ ዝዝርጋሕ ወሰን ጽርግያን’ዮም ተቐቲሎም ተረኺቦም።

“ብዕምቶም”

ሂዪማን ራይትስ ዎች፡ ሓረስቶት፡ ነጋዶ፡ ጓሶት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ዓበይቲ ዓዲን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ዝርከብዎም 23 ነበርቲ ናይታ ከተማ ኣዘራሪቡ። ኩሎም ድማ፡ እቶም ግዳያት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣባላት ወይ ተሓባበርቲ እስላማውያን ዕጡቓት’ዮም ብምባል ዝወሰድዎም ምዃኖም ሓቢሮም።

“ዝበዝሑ ካብቶም ዝሞቱ ተዓሚቶም፡ ኣእዳዎም ተኣሲሮም … ኣብ ርእሶም ብጥይት ተሃሪሞም ዝተረኽቡ’ዮም” ክብል ሓደ ሸማግለ ነቲ ተጣባቒ ጉጅለ ገሊጹ።

“እቲ ዝራኣኽዎ ሬሳታት፡ ንጉሆ ዝተረኽበ’ዩ … ኣብቲ ካብ ጂቦ ውጽእ ኢሉ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ዝቆጻጸሮን፡ ሰዓት እቶ እቶ ዝተኣወጀሉን፡ ብወታሃደራት ዝሕሎን ቦታ ብለይቲ ዝተጓሕፈ’ዩ።”

ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ግጭት ኣብ ዝነበረሉ መዓልታት ሬሳታት ከምዘይነበረ ነበርቲ ተዛሪቦም።

“ለይቲ፡ ብዙሕ ግዜ፡ ድምጺ መካይን እሰምዕ እሞ፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ቡም! ቡም! ቡም! ዝብል ድምጺ ይስዕብ። ንጽባሒቱ ድማ፡ ኣብቲ ቦታ ሬሳታት ንርኢ ወይ ኣብዝን ኣብትን ሬሳታት ከምዝተረኽበ ንሰምዕ” ክብል ሓደ ሓረስታይ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት፡ ናይ ብሄር ምትፍናን ገጽ ዘለዎ’ዩ። መብዛሕቶም ኣባላት ናይቶም እስላማውያን ዕጡቓት፡ ካብ ብሄረ ፒዩል ወይ ፉላኒ ዝመጹ ምዃኖም ይግለጽ።

እቶም ዘካይድዎም መጥቃዕትታት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሕርሻ ዝናበሩ፡ ማሕበረሰባት ሞሲ፡ ፎልሰን ጎርማንቸን እዮም ዝፍጸሙ።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ከባቢ ጂቦ ዝተረኽቡ ግዳያት፡ ኣባላት ናይቲ ነቶም እስላማውያን ዕጡቓት ይድግፍ’ዩ ተባሂሉ ዝሕመ ማሕበረሰብ ፒዮል እዮም ይብል እቲ ጸብጻብ።

እቲ ኣብ 2012 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ማሊ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ተገንጸልትን እስላማውያንን ዕጡቓትን፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

በዚ ዝሰግአት ፈረንሳ፡ ሰራዊታ ኣብቲ ከባቢ ብምውፋር ኣብ ጎኒ ሓይልታት ጸጥታ ናይተን ሃገራት ኣንጻር’ቶም ዕጡቓት ወታሃደራዊ ስርሒታት ከተካይድ ተገዲዳ'ያ።

ኣብ 2015 ምስ ገለ ካብቶም ተቓወምቲ’ኳ ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ፡ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ’ዩ በርዒኑ።

ብድሕሪኡ ድማ፡ ሓደስቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ክቕልቀሉ ጀሚሮም፡ ናብ ማእከላይ ዞባ ማሊ፡ ቡርኲናፋሶን ኒጀርን ኣስፋሕፊሖም ይርከቡ።