እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ቡርኪናፋሶ ድምጺ ቶኽሲ ይስማዕ
ኣብ ዋጋዱጉ ርእሲ ከተማ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ወትሃደራዊ መዓስከር ኤምባሲ ፈረንሳን ድምጺ ቶኽሲ ተሰሚዑ።
ዕጡቓት ሰባት ካብ ማኪና ወሪዶም ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንወኪል ዜና ኤይ.ኤፍ.ፒ. ሓቢሮም።
ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ስእልታት ከምዝሕብሪዎ ድማ፡ ምልክት ባርዕ ዝኾነ ጸሊም ትኪ ንሰማይ ይዓርግ ከምዘሎ'ዩ ዘርኢ።
እንተኾነ ግን መንነት ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ቡርኪናፋሶ "መጥቃዕቲ ይካየድ ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጺሒፉ'ሎ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ብወገኑ፡ ሰላማውያን ሰባት ዉሑስ ቦታ ረኺቦም ክዑቀቡ ኣዘኻኺሩ'ሎ።