እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 19 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣርቢንዳ 19 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ነዚ ተግባር ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ብረት ዝዓጠቑ ጉጀለ፡ ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ እታ ዓዲ ከም ዝፈጸምዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ዞባ ኣረቢንዳ ጅሃዳዊ ዑጡቕ እቲ ከባቢ ዝፈጸሞ ተመሳሳሊ ተግባራት ክረአ ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ ዘባ ዓሌታዊ ግጭት'ውን ብተደጋጋሚ ከረአ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ብሓያሎ እስላማውያን ዕጡቓት ዝፍጸሙ ተግባራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ።
እዞም ዕጡቓት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንካህናትን ኢማማትን ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ከም ዝገብሩ'ውን ይንገር።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተፈጸሙ መጥቓዕትታት
ብ11 ግንቦት፡ ኣርባዕተ ወጻእተኛታት (ዜጋታት ፈረንሳ፡ ኣሜሪካን ኮርያን) ተጨውዮም፡ ነዞም ዝተጨወዩ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝተገበረ ውግእ ከኣ ሓደ ሓባሪ መንገድን ክልተ ወተሃደራት ፈረንሳን ሞይቶም።
ብ12 ግንቦት፡ ሓደ ዕጡቕ፡ ኣብ ዳብሎ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተክርስትያን ብምእታው ክሃን ንዝርከቦም ሽዱሸተ ሰባት ድሕሪ ምቕታል ነቲ ቤተ ክርስተያን ኣቓጺልዎ።
ብ13 ግንቦት፡ ኣብ ሰሜናዊ ከፋል ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ዚምተንጋ ዝተባሃለ ቦታ ኣርባዕተ ኣመንቲ ካቶሊክ ብሓደ ዕጡቕ ተቐቲሎም።
ብ26 ግንቦት፡ ኣብ ከተማ ታውሊፈ ሓደ ዕጡቕ ኣብ መዓልቲ ሰንበተ ንኣርባዕተ ኣመንቲ ካቶሊኽ ቀቲሉ።