ተሰዊሩ ክእለሽ ዝጸንሐ ከንቲባ ርእሰከተማ ደቡብ ኮርያ ሞይቱ ተረኺቡ

ከንቲባ ርእሰከተማ ሶል፡ ፓርክ ዎን-ሱን

ምንጪ ስእሊ, EPA

እቲ ጠፊኡ ክድለ ዝወዓለ ከንቲባ ርእሰከተማ ደቡብ ኮርያ፡ ፓርክ ዎን-ሱን ሞይቱ ተረኺቡ።

ሬሳ ናይቲ ከንቲባ፡ ኣብቲ ምልክት ተንቀሳቓሲ ቴለፎኑ ዝተረኽበሉ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ እምባ ቡጋክ ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ።

ብዛዕባ ጠንቂ ሞቱ ዛጊት ዝተገልጸ ነገር የለን።እንተኾነ ግነ፡ ቅድሚ ምስዋሩ፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ጾታዊ ምስርጣይ ክሲ ኣቕሪባ ምንባራ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ኣጉዳይ ምስ ሞቱ ዝተኣሳሰር ይኹን ኣይኹን ግን ዛጊት ኣይተረጋገጸን።

ቅድሚ ካብ ገዝኡ ምውጽኡ መልእኽቲ ከምዝገደፈ ጓሉ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባራ'ዩ ምስዋር ናይቲ ከንቲባ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይታ ከተማ ኣብ ዝርከብ: ንመወዳእታ ግዜ ናይ ተሌፎኑ ምልክት ዝተረኽበሉ ንእሽቶ ኩርባ የናድይዎ ከምዘለዉ ገሊጾም ነይሮም።

ወዲ 64 ፓርክ፡ ኣብ 2011 እዩ ከንቲባ ከተማ ሶል ኮይኑ ንፈለማ እዋን ተመሪጹ፡ ኣብ ሰነ 2019 ከኣ ንሳልሳይን ናይ መወዳእታ እብረን ዳግማይ ተመሪጹ።

ብሓሙስ ንጉሆ ናብ ስርሑ ከም ዘይኣተወን፡ ምስ ሓደ ብዓልስልጣን ቤት ጽሕፈት ፕረደዚንት እታ ሃገር ዝነበሮ ቆጸራ ምስራዙን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ከንቲባ፡ ኣባል ናይቲ ብፕረዚደንት ሙን ጄ-ኢን ዝምራሕ ሊበራላዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ንፕረዚደንት ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉን’ዩ።