ኣብ ሓደ ዓመት ዘይጸረዩ ሕቶታት ቕትለት እኒ ጀነራል ሰዓረ መኮነን

ቐዳም ረፋድ 15 ሰነ 2011 ዓ.ም፡ ነባራት ተጋደልቲ፣ ስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ኲናትን ትግራይ ብመስዋእቲ ንዝተፈለዩዎም ብጾቶም ክዝክሩ፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቐጽሪ ሓወልቲ ሰማእታት ተኣኻኺቦም ወዓሉ።

እታ ዕለት፡ ቅድሚ 32 ዓመት፡ ነፈርቲ ደርጊ ኣብ ሓውዜን ብዝፈጸምኦ ደብዳብ 2500 ንጹሃት ዜጋታት ዝሃለቑሉ ስለኾነት ንኹሎም ሰማእታት እትዝክረሉ መዓልቲ ኮይና'ያ ተሰምያ።

ኣብታ ዕለት ኩሎም ስውኣት ብሕቋፍ ዕምበባን 'መስዋእትኹም ብልምዓት ክንድብሶ ኢና' ብዝብል ዝኽሪ ሕልናን ይዝከሩ - ሽዑ እውን ብልሙድ ቃላት ተዘኪሮም።

ብርክት ዝበሉ መናእሰይ፡ ተዘክሮታት ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ዘዘኻኽሩ ኣሳእል፣ ሓጸርቲ ጽሑፋት፣ ሙዚቃታትን ካልኦት ምስቲ ዕለት ምትእስሳር ዘለዎም ግጥምታትን ብምቕራብ ዋጋ እቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ክዝክሩ ውዒሎም።

ኣብታ ዕለት ግን ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዘሰምብድ መርድእ ተሰምዐ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ንሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከም ዝነበረን፡ እታ ከተማ ርግኣታ ከምዝተዘርገን ተነግረ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ከተማ'ውን ተመሳሳሊ ክስተት ከም ዘሎ ሓበሬታታት ክወጽኡ ጀሚሮም።

ጎና ጎኒ'ዚ፡ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ኢታማጆር ሹም እታ ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ተመሳሳሊ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከምዝነበረ ወረ ተሰምዐ።

ምሸት 15 ሰነ 2011 ዓ.ም፤ ባህርዳር - ኣዲስ ኣበባ

መንግስቲ፡ ኩሉ ነገር ካብ ከተማ ባህዳር ይብገስ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ኣስታት 500 ኪሎ ሜትር ተረሓሒቐን ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ውሽጢ ናይ ሰዓታት ኣፈላላይ ክልተ ዓበይቲ ገበናት ተፈጺሞም።

ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ካብ ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሮም ምስ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝነበረ ዶክተር ኣምባቸው መኮንን ኣብ ኣኼባ ነይሮም።

እዚ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት [16ን 17ን ሰነ]፡ እቲ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ዝጀመረ ገምጋም ናብ ወረዳታት ክወርድ መደብ ከምዝነበረ ይንገር።

ኣማስዩ ግን፡ ኣይኮነን እንዶ ንዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት፡ ነታ ለይቲ'ውን ዕድል ዘይህብ ክስተት ተፈጢሩ።

ሓለፍቲ መሓውር ጸጥታ እቲ ክልል'ዮም ካብ ዝተባህሉ ሰባት ናብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኣኼባ ዝወዓሉ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ኣብዚ ግዜ፡ ነቲ ርእሰ ምምሕዳር ሓዊሱ ብዝሖም ዘይተፈልጠ ኣመራርሓ መንግስቲ ከም ዝቖሰሉ ተነግረ።

ምሸት ሰዓት ሓደ፡ ሴክሬታሪያት ፕሬስ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ" ክብል ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ሓቢሩ። እታ ከተማ ድማ፡ ኣብ ከበባ ሓይልታት ምክልኻል ከም ዝኣተወት ተነግረ።

ምሸት ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ኮነ፡ ገዛኢ ውድብ እቲ ክልል ኣዴፓ እቲ 'ዕልዋ መንግስቲ' ዝተባህለ ብሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዝተመርሐ እዩ ዝብል መግለጺ ሂቡ።

እዚ፡ ኩነታት ኣዲስ ኣበባ በጺሑ፤ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ኣብ ልዕሊ ኢታማጆር ሹም ዝነበረ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ፈተነ ቕትለት ተኻይዱ ዝብል ሓበሬታ ክዝርግሑ ከለው፡ ምሸት ሰዓት ክልተ ኣይመልአን ነይሩ።

ኣብታ ከተማ ድምጺ ተዂሲ ይስማዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ወሰንቲ ቦታታት ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም ተባሂሉ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ሰራሕተኛታቱ ጥንቃቐ ክገብሩ ከተሓሳስብ እንከሎ፡ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ፡ ኣብታ ከተማ ክካየዱ ተሓሲቦም ዝነበሩ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ከም ዝሰረዘ ኣፍሊጡ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ኢንተርነት ተቛሪጹ።

ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣምሓራ መግለጺ ክህብ ተቐልቂሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ "ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ" ተኻይዱ ምስ በለ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤታማጆር ሹም ሰዓረ መኮነን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈነወ ኣረጋጊጹ።

ኩሎም ኣብዛ ዕለት ክፍጸሙ ዝወዓሉ ፍጻሜታት፡ መጨበጢ ዝተሳእኖም ስለ ዝነበሩ፡ ሃለዋት እቶም ብኽልቲኡ ሸነኽ መጥቃዕቲ በጺሑዎም ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ምንታይ ደረጃ'ዩ ዘሎ ዝብል፡ ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ ሓዲሩ።

ካብ ቤተመንግስቲ ክሳብ ፖሊስ ፌደራል

ንቕትለት እዞም ጀነራላትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ዝምልከት ዝወሃብ ዝነበረ ሓበሬታ ዝተዋቐዐ'ዩ ነይሩ።

ሰንበት ንጉሆ 16 ሰነ 2011 ዓ.ም፡ ኤታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነን ከምኡ'ውን ቐዳም ምሸት ሓቢሩዎ ዘምሰየ መሓዝኡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ዘረጋግጽ ዜና ካብ ትግራይ ተሰምዐ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት በዚ ዘጋጠመ ፍጻሜ ዝተሰምዖ ሓዘን ዝሕብር መግለጺ ከውጽእ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣምሓራ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እቲ ርእሰ ምምሕዳር ምስ ኣማኻሪኡ ከም ዝሞተን ካልኦት ዝቖሰሉ ኣመራርሓ ከም ዘለውን ገሊጹ።

ርፍድፍድ ምስ በለ፡ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኢንግሊዘኛን ካብ ጋዜጠኛታት ንዝለዓሉ ሕቶታት ኽፉት ዘይኮነ መግለጺ ይህብ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ መኮንን እዮም ተቐቲሎም ክብል እንከሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተባህለ ጥርጡር ከም ዝቖሰለን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ከኣ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣምሓራ፡ ብሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ እቲ ጀነራል ሃዲሙ ሓይልታት ጸጥታ ይሃድኑዎ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዕለት፡ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ምግባሩ ከበደ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቖሲሉ ኣብ ሕክምና ከም ዝርከብ ተነግረ።

ሰኑይ 17 ሰነ 2011 ዓ.ም፡ ጸጸኒሖም ንሓድሕዶም ዝገራጨው ሓበሬታታት ዝወጽእሉን፡ ብዙሓት ሰባት "እምበር'ከ እዚ መጥቃዕቲ ብውልቀ ሰባት ድዩ ተፈጺሙ?" ዝብል ጥርጣረ ዝዓሰሎም ሕቶታት ክሓቱ ዝተሰምዕሉን ዕለት ነበረ።

መጀመርታ፡ እቲ ኣብ ሕክምና ዝነበረ ኣቶ ምግባሩ ከበደ ምማቱ ተገሊጹ። ብድሕሪኡ ነቲ መንግስቲ 'ፈተነ ዕልዋ'ዩ' ዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣተሓባቢሩ ዝተባህለ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዘለወሉ ቦታ ከም ዘይፍለጥ ተሓቢሩ።

ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ 'ጀነራል ኣሳምነው ብጥይት ተሃሪሙ ቖሲሉ'ሎ' ዝብል ሓበሬታ ወጺኡ። ኣይደንጎየን ግን ብኡ ንብኡ እቲ ጀነራል ዘንዘልማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሞይቱ ተባሂሉ።

ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ብ2001 ዓ.ም ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተጠርጢሩ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈቲሑ፡ ተገፊፉ ዝጸንሐ መዓርጉ መሊሱ መሰል ጡረትኡ ኣኽቢሩ ኣብ መንግስቲ ከምዝሰርሕ ገይሩዎ።

ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ካልእ መግለጺ ሑዙ ዝመጽአ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እዩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝተባህለ ብቕትለት ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ነብሱ ከም ዘጥፍአ ይሕብር።

እዚ'ዩ እቲ ንብዙሓት ዘይጸረየ ጉዳይ።

እቲ ቖሲሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝተባህለ ጥርጡር፡ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ነብሱ ቀቲሉ/ ኣጥፊኡ ዝብል ሓበሬታ ምስተዋህበ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ፖሊስ ዝበሎን እቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዛረቦን ንሓድሕዱ ዘይቃዶ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ ብዙሓት ሕቶ ኣልዒሎም።

ሰኑይ ንጉሆ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ኮሚሽነር ዝነበረ እንደሻው ጣሰው፡ እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቶም ጀነራላት መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ካልኦት ሓለውቲ ጥይት እንተተኮሱሉ'ውን ጉድኣት ከም ዘይበጽሖን፡ ናብ ዝነበረሉ ክፍሊ ተመሊሱ ብምእታው ነብሱ ከም ዝቐተለን እዩ ተዛሪቡ።

"እቲ ሓለዊ፡ ንነብሱ ዘጥፍኣሉ ምኽንያት ብጀነራል ኣሳምነው ክምልምሎ እንከሎ፡ እቲ ዝተወሃቦ ልኡኽ ምፍጻሙ ንምምልኻት እዩ። እዚ፡ ናይ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ልኡኽ እዩ ነይሩ" ተባሂሉ።

ምሸት፡ ዝተዋህበ ሓበሬታ ነቲ ንግሆ ዝተባህለ ዝጻረር ነበረ።

እቲ ውልቀ ሰብ ብህይወት ከም ዘሎ፡ ግን ድማ ብጽኑዕ ቖሲሉ ኣብ ሆስፒታል ከምዘሎ እንተኾነ ክዛረብ ይኹን ክንቀሳቐስ ከም ዘይክእል ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ተነግረ።

ኣብቲ እዋን ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዝነበረ እንደሻው ጣሰው ብዛዕባ'ዚ ነንሓድሕዱ ዝገራጮ መግለጺታት ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ "ብሓጺሩ እቲ ውልቀ ሰብ ተሃሪሙ ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና እዩ ዝርከብ። ሕጂ ብህይወት ኣሎ፤ ማለት . . . ኣብ [መንጎ] ህይወትን ሞትን እዩ ዘሎ" ዝብል ምላሽ'ዩ ሂቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ስእሊ ናይቲ ንጀነራላት ቀቲሉ ዝበሎ ጥርጡር ኣውጺኡ።

ካብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፣ ኤጀንሲ ድሕነትን መረዳእታን ከምኡ'ውን ፖሊስ ፌደራል ዝተዋጽአ ሓይሊ ዕማም ብምጥያስ ድማ፡ ብ20 ሰነ 2011 ዓ.ም፡ እቶም ጀነራላት፡ መሳፍንት ጥጋቡ መኮንን ብዝተባህለ ሓለቓ ዓሰርተ ወተሃደር ከም ዝተቐትሉ ብምርግጋጽ፡ "እዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ብሓይልታት ጸጥታ ፌደራል ቖሲሉ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ" ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ።

ካብታ ቕትለት እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ጀነራላትን ዝተፈጸመላ ዕለት ጀሚሩ ድማ፡ 255 ሰባት ተኣሲሮም'ዮም ክብል እንከሎ፡ እቶም 212 ኣብ ኣምሓራ፡ 43 ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኻኖም ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ክልተ መትረየስ፣ 27 ከላሽንን ብርክት ዝበለ ብረትን ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ እቲ ግብረ ሓይሊ ሓቢሩ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተልዓሉ ስምዒታት

19 ሰነ 2011 ዓ.ም፡ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን፡ በቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንዝሰኣኑዎም ደቆም ክቐብሩ ውዒሎም።

ኣስክሬን እቶም ብሓባር ዝተቐትሉ ጀነራላት ናብ መቐለ ክኣቱ እንከሎ፡ 10 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝኸውን ጽርግያ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ'ታ ከተማን ከባቢኣን ተኣኪቡ ነይሩ።

ኣብቲ ዕለት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዕላማ እቶም ቐተልቲ፡ "ንሃዋርያት እቲ ለውጢ ብምቕታል ነቲ ለውጢ ደው ምባል፣ ብኻልእ ወገን ህዝብና ዝተጋገየ ምስሊ ሒዙ ነንሓድሕዱ ከይተኣማመን ምግባር፣ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ሞራልን ክብርን ሓይልታት ጸጥታ ብምትንካፍን ሓድነቱ ብምክፍፋልን ሃገር ናብ ሓደጋ ምቅላዕ'ዩ" ዝብል መግለጺ ሂቡ።

ንሱ ዋላኳ ብኸምዚ መገዲ ሓዘኑ እንተገለጸ፤ እቶም ጀነራላት ካብ ዝሞቱ ኣትሒዙ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ዘሎ ጥርጣረን ሕርቃንን ብስሩዕን ዘይስሩዕን ሚዲያታት ክንጸባረቕ ጸኒሑ።

እቲ ኣስክሬን ካብ ዝኣተወላ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ስነ ስርዓት ቀብሮም ዝፍጸም ድማ፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን መሪሕነቱን ዘነጻጸሩ፡ ናይ ተቓውሞ ቃላትን ድምጽታትን ይስምዑ ነይሮም።

ኣስክሬን ጀነራል ሰዓረ መኮንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል መቐለ ክዓርፍ እንከሎ፡ ንኤታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን መዘከርታ ሓወልቲ ቖይምሉ።

ኣብ ትውልዲ ኸባቢ ዝኾነ ኣብ ላሊበላ ሞት ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ምስ ተሰምዐ፡ ነበርቲ ሰንቢዶምን ሓዚኖምን ከም ዝነበሩ ንቢቢሲ ይገልጹ ነይሮም።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቑጥዐ ኣሕዲሮም ኣስክሬኑ ክለኣኸሎምን ኣብ ላሊበላ ክቕበርን ኣለዎ ስለ ዝበሉ፡ እቲ ጀነራል፡ ብነፋሪት ናብ ላሊበላ ክለኣኽ እንከሎ፡ እቲ ዝተለኣኸ ኣስክሬን ናቱ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኸፊቶም ነቲ ሳንዱቕ ከፊቶም ርእዮም እዮም ተቐቢሎምዎ።

ነቲ ኣስክሬን ዓጂቡ ዝኸደ ዋላ ሐዓደ ናይ መንግስቲ ኣካል ግን ኣይነበረን።

መንግስቲ፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣዋሃሃዲ እቲ ቕትለት እዩ ኢሉ ክኸሶ ከሎ፡ ነበርቲ ላሊበላ ግን፡ "ኣሳምነው ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣይፍጽምን . . . ይጻረየልና" ይብሉ ነይሮም።

ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ኣሳምነው ጽጌ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ላሊበላ ከም ዝተፈጸመ ይፍለጥ።

ኣብ ቀብሪ ስነስርዓቱ፡ ኣዝዩ ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ተረኺቡ ነይሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዓብዪ ተቐባልነት እናረኸበ መጺኡ ዝነበረ ጀነራል ኣሳምነው፡ ተቐቲሉ ምስተብሃለ ብሓፈሳ ህዝቢ'ቲ ክልል ኣዝዩ እዩ ሓዚኑ።

ኣብቲ ቀብሪ ስነስርዓት ኮነ ኣብ ካሊእ ከባብታት፡ "ጀነራል ኣሳምነው ኣይሞተን፤ ህያው እዩ" ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ይስምዑ ነበሩ። ገለ ጭርሖታት ድማ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘነጻጸሩ ተቓውሞታት ነይሮም።

'ሓቂ ትቐጥን'ምበር ኣይትብተኽን፤ ቀታሊ ጀነራል ኣሳምነው ውዒሉ ሓዲሩ ክፍለጥ እዩ' ገለ ዝብሉ ስምዒታት ይንጸባረቑ ነይሮም።

ጸኒሑ፤ ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብዘካየዶ ተፍትሽ፡ ነቲ ገበን ዘረጋግጸሉ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ከም ዝረኸበ ብምግላጽ፡ ብኣርባዕተ ሓምለ 2011 ዓ.ም ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩዋ እዩ።

ፖሊስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ፍሉይ ሽሙ ኣሸዋ ሜዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ተፍትሽ ከካይድ እንከሎ፡ ናይ ገዛ መኪና፣ ላፕቶፓትን ካልኦት መረዳእታ ዝበሎም ሰነዳትን ከም ዝወሰደ ጓሉ ማህሌት ኣሳምነው ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራልከ እንታይ በለ?

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ እቲ ኣብቶም መራሕቲ ዝተፈጸመ ቕትለት 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ' ነይሩ ብምባል፡ ንኣዋርሕ ምድላው ክግበረሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ብመርመራ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ከካይዶ ዝጸንሐ መርመራ፡ መንግስቲ ንምዕላው ዝተፈጸመ ቕትለት ምዃኑ ከም ዘረጋገጸሉ ብምግላጽ፡ ክሲ ክምስረት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምጽራይ እቲ ገበን፡ ኣጽዋር፣ ፍላሽ ዲስክ፣ ተንቀሳቓሲ ስልኪ፣ ኮምዩተርን መሰኻኽር ሰባትን ኣብቲ መርመራ ከም ዝተኻተቱ ገሊጹ።

ነቲ መግለጺ ዝሃበ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ብርሃኑ ጸጋይ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት እንክሞቱ፡ ካልኦት 20 ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ።

በዚ መሰረት 114 ክላሽንኮቭ፣ ሰለስተ ብሬን፣ ኣርባዕተ ማካሮቭ ሽጉጥ ናብ መርመራ ፎረንዚክ ተላኢኹ። 11 ክላሽንን ሓደ ብሬንን፣ ሓደ ማካሮቭ ሽጉጥ ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ምስ ዝተተኮሰ ጥይት ተመሳሳሊ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ብመርመራ ኣረጋጊጽና ኢና ድማ ኢሉ።

15 ሰነ፡ ኣብቲ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ ቕትለት መራሕቲ፡ ኣብ ሓለዋ እቲ ዝተቐትለ ርእሰ ምምሕዳር ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣባላትን፡ ናይ ቀረባ ዓጀብቲ መራሕቲ ዝኾኑ ሸሞንተ ኣባላትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምውዓል፡ ናይ መርመራ ስራሕ ተሰሪሑ'ዩ ዝበለ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ ደብዳበ ካብ ዝወጽኦም 71 ጥርጡራት፡ እቶም 31 ከም ዝተትሓዙ'ዩ ሓቢሩ።

እቶም ዝተረፉ 39 ግን ኣይተትሓዙን። ካልኦት 22 ጥርጡራት ድማ፡ ናይ ባንኪ ሕሳቦም ተኣጊዱ ይጻረ ከምዘሎ ገሊፁ። ብድምር ኣብ ባህርዳር፡ ካብ 147 ሰባት ናይ ቃል መረዳእታ ከም ዝተወሰደ እዩ ኣብቲ እዋን ዝተገልጸ።

ኣብ ቀረባ እዋን፤ ብርክት ዝበሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ዝተፈትሑ እንትከውን፡

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሕዚ እቲ ጉዳይ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከብን፡ እቲ ቐታሊ ዝተብሃለ ኣበይ ከምዘሎን ብግልጺ ዝፍለጥ ነገር የለን።

እዚ መዕለቢ ዘይረኸበን ተጻረርቲ መረዳእታታት ዝተውሃቦን ጉዳይ፡ መንግስቲ ብግቡእ ኣይተኸታተሎን ወይ ከኣ መንግስቲ እቲ ጉዳይ ብግቡእ ክጻረ ኣየደለየን ዝብሉ ቅረታኣተት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ መድረኻትን ይለዓሉ ኣለዉ።

ኣብዚ ዛንታ ዘሎ ሰዓትን ዕለትን፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ዝተቐመጠ እዩ።