"ጀነራል ገዛኢ ንኣዴና ብጣዕሚ ስለ ዝፈትዋ ከም ቆልዓ የሐንቅቓ ነይሩ"

ሓድሽ ዓመት እንትብሕት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ሰናይ ትምኒቶም ክገልጹ ልሙድ'ዩ። ኢትዮጵያ፡ ጽባሕ እትሰናበቶ ዓመተ 2011 እውን፡ ዓመት ብልጽግናን ርግኣትን ክኸውን እዩ ብባርኾት ጀሚሩ ዝነበረ።

እንተኾነ፡ ኣብ ዓመተ 2011፡ ኢትዮጵያ ብልዑል ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝተናወጸትሉ፡ ትጽቢት ዘይተገበሮም ፍጻሜታት ዘአንገደትሉ ዓመት ኮይኑ፡ እነሆ ድማ ሓድሽ ዓመት 2012 ተቐልቂሉ።

15 ሰነ 'ዘሰንብድ ክስተት' ክፍጠር'ዩ ዘብል ዋላ ሓደ ኩነት ኮነ ምልክት ኣይነበረን። ጸሓይ፡ ዕለታዊ ዑደታ ወዲኣ፡ ቦታኣ ንከዋኽብቲ ሰማይ ምስኣረከበት፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ምስ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ተቐቲሎም ተባሂሉ።

ነዚ መርድእ ሒዙ ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ዕለት 'ዕልዋ መንግስቲ ተፈቲኑ' ክብል ነቲ ክስተት ገሊጹዎ።

"ንበዓልቲ ቤቱ ከም ቆልዓ ዘሐንቅቕ". . ."ብይቕሬታ ዝኣምን" . . ."ብዛዕባ ስውኣትን ደቂ ስውኣትን ኣጽዒቑ ዝሓስብ ፍሉይ ሰብ ነይሩ" ክብል ዝገልጾ፡ ዓብዪ ወዱ ሰበሮም እዩ።

ሜጀር ጀነራል ገዛኢ፡ ኣወደ ኣመት ክመጽእ ከሎ፡ ንስድራ ስውኣት ብምሕጋዝ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ገዝኡኸ?

"ኣውደ ኣመት ክኸውን ከሎ ካብ ድቃስና ከይተሳእና፡ ክዳን ገዚኡ ኣብ መደቀሲና የቐምጠልናሞ 'ሰርፕራይዝ' ይገብረና ነይሩ" ይብል ሰበሮም።

ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ደጋፊ ጋንታ ቼልሲ ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ነይሩ። ትምህርቲ፣ ምጽሓፍን ምንባብን ዝፈቱ፡ ብኣንደበት ወዱ ክግለጽ ከሎ ድማ፡ "ከም ሰቡ ዝስሕቕ፣ ዝጻወት፣ ዝሰቲ፣ ዝቕልድን ሓሳቢ ቅዱስ ተግባራትን" ነይሩ።

ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ ንሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ንቓልሲ ናብ በረኻ ምስ ወጽአ እዩ ዝፈልጦ።

"ገዛኢ ናብ በረኻ እንትወጽእ ዕድሚኡ ንእሽቶ ነይሩ" ዝብል ጀነራል ጻድቃን፤ ሽዑ፡ ኣነ ቕድም ኢለ ናብቲ ቓልሲ ተጸምቢረ። 'ሓይሊ 30' ኣብ እትብሃል ኢና ንፈለማ እዋን ተራኺብና" ኢሉ።

ሜጀር ጀነራል ገዛኢ፡ ናብ ሎጀስቲክስ ምስተወዝዐ ግን፡ ዳርጋ ዕድመ ልክዖም ብሓባር ከም ዝሰርሑ ይዛረብ።

ዓብዪ ሃብቲ ገዛኢ እንታይ'ዩ?

ሰበሮም፡ ኣነ ከም ወዱ፡ ንገዛኢ ክገልጸሉ ዝኽእል ሓይሊ የበለይን። ኣቦይ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ ንገዛኢ ምግላጽ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ስብእንኡ፣ ስርሑ ምግላጽ ከቢድ'ዩ።

ምስቲ ዝነበሮ ጻዕቒ ስራሕ፡ ሓደ መዓልቲ ኣውደ ኣመት ኣብዒሉ ኣይፈልጥን። ጥሮታ ምስ ወጽአ፣ ናብ ደገ ዘይወጽአሉ ኣጋጣሚ ምስ ዝፍጠር ጥራይ፡ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ስለ ዝፈቱ፡ ኣውደ ኣመት ምስ ስድርኡ እዩ ዘሕልፍ።

ከም ሰብ፡ ጎደሎ ዘይነበሮ ሰብ'ዩ፤ ንዓይ ናቱ ዓብዪ ጎደሎ ትዕግስቱ'ዩ። ኣመና ዓቃል'ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ክገልጾ ዘይኽእል ከቢድን ዓሚቝን ሰብ'ዩ።

ንኣዴና ብጣዕሚ ስለ ዝፈትዋ፡ ከም ቆልዓ የሐንቅቓ ነይሩ። ሰብኣያ፣ ኣቡኣ፣ ሓዋ. . . ኮታስ ኩሉ ነገራ'ዩ። ካብኡ ሓሊፉ እተማኽሮ ሰብ ኣይነበራን። ከም መዓልቲ ፍቑራት [ቫላንታይንስ ዴይ] ዝበሉ በዓላት ከይተረፈ ዘኽብሩ መጻምዲ እዮም።

ክልቲኦም ብሓባር ብዙሕ ጸገማት ስለ ዝሰገሩ፡ ኣብ ሓዳር ትዕግስቲ ከም ዘድሊ ይምዕደና ነይሩ። እንታይ ይብለና ነይሩ፤ ኣቦ ንደቁ ዘውርሶ፡ ንኣዲኦም ዘለዎ ክብሪ'ዩ ይበለና ነይሩ። ናይ ገዛኢ ዓብዪ ሃብቱ ድማ፡ ገዛኢ ባዕሉ'ዩ። ንስድርኡ እዩ ናይ ልቢ መሓዙተይ ዝብሎም።

ዘይርስዖ ናቱ ውህብቶ ኣቦይ ምዃኑ'ዩ። ካብ ምኽርታቱ፡ ድማ 'ንሕሊናኻ ንበር' ዝብል ዕለታዊ ማዕድኡ።

ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤሓሓሊፉ ግዘ እንትንረክብ፡ ኩዕሶ ንጻወት ነይርና፤ መብዛሕትኡ ግዜና ግን ኣብ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢና ነሕልፎ ነይርና። ኣነ ክሳብ ዝዝክሮ፡ ገዛኢ ኣዝዩ ጥንቁቕን ዓብዪ ሓላፍነት ዝቕበልን ተጋዳላይ ነይሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ሎጀስቲክስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብውሑድ ካብ ሓረስታይ እኽሊ ኣብ እንእክበሉ እዋን፡ ንሱ ወዲቡ ንሰራዊት ቐለብ ንምሃብ ዝነበሮ ብቕዓት ፈጺመ ኣይርስዖን።

ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዓብዪ ሓይሊ ኢና ኣውፊርና ነይርና፤ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ከባቢ ክሳብ 359 ሽሕ ዝኸውን ሰራዊት ነይሩ። እዚ ኹሉ ሓይሊ ዘድልዮ ቀረብ ሎጀስቲክስ ብዝተማልአ መገዲ ኣዐዊቱ እቲ ሰራዊት ክዕወት ገይሩ ገይሩ'ዩ።

ገዛኢ እንታይ የሕስቦ ነይሩ?

ሰበሮም፡ ገዛኢ፡ ንንኡሽቶ ነገር'ውን እንተኾነ ዋጋ ዝህብ ሰብ'ዩ። ብዙሕ ግዘ ግን ንኣደይ ከውግዓ ከሎ፡ ኣነ [ደቂ ስውኣት ክጸገሙ ከለው ብጣዕሚ'ዩ ዝሓዝን] ተረፍ ስውኣት'የ ይብላ ነይሩ።

ስለኦም ኩል ግዘ ይሐስብ፣ ይሓዝን ነይሩ፤ ንትግራይ ብኲናት ኣጎሳቒልናያ፡ ስድራ ስውኣት ድኣ መን ኣለዎም እናበለ የስተማስል ነይሩ። እግዚሄር ይመስገን ዋላ'ውን ኣይመልኣዮ ግን፡ እቲ ስድራ ስውኣት ምሕጋዝ ጀሚሩዎ ከይዱ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ ግዜ ወጥሪ ነይርዎ። ናብ ትግራይ ይኸይድ የማኽሮም፡ ናብዚ [ኣዲስ ኣበባ] እውን መጺኡ ካልእ ስርሑ ይሰርሕ፡ ፈጺሙ ኣይዓረፈን። ከም ዝኾነ ተጋዳላይ ግን፡ ትግራይ ዝበለጸ ክትልወጥ፡ ደቂ ስውኣት ክብልጽጉ ይደሊ ነይሩ።

ዝፈትዎ ነገር?

ሰበሮም፡ ናይ እግሪ ጉዕዞ ይፈቱ ነይሩ። ካብ ስራሕ ወጻኢ ድማ ካብ ገዝኡ ኣይወጽእን፤ ኣብ ገዛ እንተኾይኑ ወይ ይጽሕፍ'ዩ ዘሎ፡ ወይ ምሳና እዩ ዝጻወት ዘሎ እምበር ናብ እንዳ ሰብ ኣይኸይድን።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ፤ ፈታዊ ትምህርቲ ነይሩ፤ ንዕኡ ትምህርቲ መጻኢኻ ማለት'ዩ። ፎቕ ሰሪሐ ካብ ዝህበኩም፡ ከምህረኩም እየ ዝደሊ ይብለና ነይሩ። ትምህርቲ ንፈቱ ኢናሞ ግን ኣይከምኡን። ንዕኡ ትምህርቲ ተፈጥሮኣዊ ድልየት'ዩ።

ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ ኣብ ቃልሲ፡ ሙዚቃ፤ ብፍላይ ድማ ሙዚቃ ትግርኛ የዛንዮ ነይሩ። ተዋዛዪ፣ ገለ ሻብ ድማ፡ ጓይካ እንትህሉ ወጺኡ ዝስዕስዕ ዓይነት ሰብ ነይሩ።

ኣብ በረኻ ይኹን ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተና፡ ኣብ ዝዳለው መድረኻት ወጺኡ ይስዕስዕ። ኩል ግዘ፡ እወንታዊ ኣተሓሳስባ ሒዙ ዝጉዓዝ ሰብ'ዩ ነይሩ።

ዝፈትዎ መግቢ?

ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤኣብ በረኻ ከለና እንሓርዮ ዓይነት መግቢ ኣይነበረን፤ ዝረኸብናዮ ኢና ንበልዕ። ይኹን'ምበር፡ ደርጊ ስዒርና ናብ ስልጣን ምስ መጻእና ባህላዊ መግቢታት ነዘውትር ነይርና።

እቲ ዘይርስዖ ግን፡ ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ንሱ ናብ ዝነበረሉ ግንባር ኣብ ዝመላለሰሉ እዋን፡ ተኣኪብና ጥብሲ ንበልዕ ነይርና። ናይ እንጀራን እንቋቑሖን ፍርፍር ዝበላዕናሉ ግዘ'ውን ይዝክር።

ብልጭኡ ኣብ ምንታይ ነይሩ?

ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤኣብ [ኩናት ኢትዮ ኤርትራ] ኣብ ዝነበረ 'ወፍሪ ጸሓይ ዕራርቦ'፡ ሃንበደት ብልጫ ረኺብና ክንዕወት ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ'ዩ። ሽዑ፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት፡ ተኸዊልካ ክትንቀሳቐስ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ጽበት መገዲታት'ውን ኣዝዩ ዘጸግም ነገር ነይሩ።

ንሱ ግን፡ ልዕሊ 750 ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ካብ ግንባር ማእኸላዊ ጾሮና ኣበጊሱ፡ ንጉሆ ባድመ ክበጽሓ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ ኣዝዩ'ዩ ዘደንቐኒ።

በዚ ምኽንያት፡ ንሓጺር ግዘ'ውን እንተኾነ፡ ጸብለልታ ረኺብና ነቲ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ክንወቅዕ ሓጊዙና'ዩ። ብሓቂ ንሱ ናይ ሎጀስቲክስ ጥበበኛ'ዩ።

ወላዲኹም ዝተሰናበትኹምሉ ዕለት ብኸመይ ትዝክሮ?

ሰበሮም፡ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሩ'ዩ። ንኡሽቶ ሓወይ [ወዲ 15 ዓመት ቆልዓ'ዩ]፡ ብዙሕ ሰብ ዘዛረበ ወተሃደራዊ ሰላምታ ሂቡ'ዩ ተሰናቢቱዎ።

ንሱ፡ ናይ ኣብኡ ጽልዋ ዘለዎ ቆልዓ ኮይኑ፡ ቆልዓ ክነሱ ከም ዕድሚኡ ኣይኮነን፡ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ስነ ምግባርን ስብእናን ብዙሕ ይፈልጥ እዩ። ንዓይ 'ኣቦይ ዝሰናበቶ ብሰላምታ'ዩ' ኢሉኒ። ንኣቡኡ ንምውካልን ወተሃደራዊ ስብእናን ስርዓትን ንምርኣይ ድማ፡ ናቱ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ መጺኡ። ወተሃደር ክኸውን'ውን ይደሊ'ዩ።

ሕዚ ኣቦና የለን፤ ግን መንፈሱ ምሳና ስለ ዘሎ ናቱ ሓቦ ክንሰንቕ ኢና ንደሊ። መጻኢ፡ ናቱ ሓድጊ ንምቕጻል ንሰርሕ ኣለና። ንሱ ዝጀመሮ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ፋውንዴሽናት ክንቕጽሎ ኢና። ንሱ ዝደልዮ ነገራት ገይረ ከርእዮን ንኣሕዋተይ መርኣያ ክኸውንን ድማ ኣነ፡ ሓላፍነት ኣለኒ። ክህሉ እዩ።

ገዛኢ ትግራይ ክትቕየር ኣለዋ ኢሉ ዝኣምን፡ ትግራይ ክብል ዝሞተ ሰብ'ዩ። መንእሰይ ትግራይ ድማ፡ ካብቶም ዝተሰውኡ ኣያታቱ ተማሂሩ ዝሓሸ ነገር ክሰርሕ፣ ብትምህርቲ፣ ብስራሕ ዓርሱ ክቕይር ክጽዕር ኣለዎ።