ኣብ ባህርዳር ብዝተገበረ መጥቓዕቲ ዝተወግአ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ክልል፡ ኣቶ ምግባሩ ከበደ ሞይቱ

ብቀዳም 22 ሰነ 2019 ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኮነት ከተማ ባህርዳር ብዝተኻየደ መጥቐቃዕቲ፡ በቲ መጥቓዕቲ ተወጊኡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ዝጸንሐ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ክልል ኣቶ ምግባሩ ከበደ ሎሚ ሞይቱ።

ብቀዳም ኣብ ከተማ ባህርዳ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ክልል ኣብ ኣኬባ ኣብ ዝነበርሉ መጥቓዕቲ ስለ ዝወረዶም፡ ፕረዝደንት እቲ ክልልን ምክትሉን ሽዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ክልል ኣቶ ምግባሩ ከበደ ከኣ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ከምዝዓረፈ መደብር ተሌቪዥን ኣምሓራ ኣቓሊሓ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ 'ፈተነ ዕልዋ' ዝተብሃለሉ መጥቓዕቲ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዶክተር ኣምባቸው መኮንን ኣማካሪኡ እቶ እዘዝ ዋሴን ኣብ ባህርዳር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ከም ዝተቐትሉ ይዝክር።