"ጀነራል ሰዓረ ዝሓዘነሉ መዓልቲ ሓየሎም ሞይቱ ክብሃል ከሎ'ዩ"

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መሪሕነት ምስ መጽአ፡ ኣብ መሓውር ሓይሊ ምክልኻል ለውጢ እንትገብር፡ ናብ ስልጣን ካብ ዘምጽኦም ሰባት፡ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ሓደ'ዩ።

ጀነራል ሰዓረ፡ ሹም ኢታማዦር እታ ሃገር ኮይኑ ኣብ ዝተሸመሉ ሓደ ዓመትን ክልተ ቅነን፡ 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ተባሂሉ ብዝተገለጸ ቕንጸላ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት 2011 እዩ ተቐቲሉ።

እቲ ጀነራል ምስ ተቐትለ፡ ብሸነኽ መንግስቲ ዝተውሃቡ ሓበሬታታት ነንርእሶም ዝዋቕዑ ኮይኖም፤ ክሳብ ሕዚ ዝተበጽሐ ዕልባት ገና ብወግዒ ኣይተገለጸን ዘሎ።

ንምዃኑ፡ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ካብ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ስብእንኡ ብዝሰገረ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ከመይ ዓይነት ሰብ ነይሩ?

ሰላም፡ ወዲ ሓፍቱ ንጀነራል ሰዓረ መኮንን'ዩ። ንጀነራል ሰዓረ፡ ብናይ 'ገዛ' መጸውዒ ሽሙ 'ኣሸናፊ' እናበለ እዩ ዝጽወዖ። ጀነራል ሰዓረ፡ ሰሓቕን ጸወታን ዝፈቱ ተዋዛዪ ሰብ ምንባሩ ይዛረብ።

"ኣሸናፊ ምስ ቤተሰብ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮ ሰብ'ዩ ነይሩ። ናብ ገዝኡ ክትጻወት ምስ እትኸይድ፡ ከም መራሒ ዘይኮነ ከም መሰታ'ዩ ዘዕልለካ። ምስ ዓብዪ ዓብዪ፣ ምስ ንእሽቶ ንእሽቶ ኮይኑ እዩ ዝጻወት" ይብል።

ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ፍልጦኦም ዝጅምር፡ ኣብ ገድሊ ትግራይ'ዩ። ጻድቃንን ሓየሎምን ናብ ዝመርሑዋ 'ሓይሊ 73' ናብ ዝተብሃለት ሻምበል ተወዚዑ እንትጽምበሮም፡ ሰዓረ ብዕድመ ንእሽቶ ምንባሩ ይዝክር።

ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልስን ድሕሪኡን ንነዊሕ ግዜ እዮም ብሓባር ሰሪሖም።

"ብዙሕ ነገር እየ ዝዝክር" ዝብል ጀነራል ጻድቃን፡ ጀነራል ሰዓረ ከም ሰብ "ኣብ ስርሑ ጥንቁቕን ሓላፍነት ዝወስድን ሰብ'ዩ። ኣብ ስርሑ ኮነ ካልኦት ጸገም ከየጋጥም ተጠንቂቑ ዝሰርሕ፣ ክፍተት ዘይገድፍ፣ ኣቐዲሙ ምድላው ዝገብር፣ ናብ ኲናት'ውን እንተኾነ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ተዓጻጻፍነት ባህሪ ሒዙ ዝኣቱ ጀግና'ዩ ጥንቁቕ መራሒ'ዩ" ክብል ይገልጾ።

ሰዓረ፡ ናብ 9ይ ክፍሊ ምስ ሓለፈ፡ ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ናብ ቓልሲ ከም ዝተጸምበረ ዝዛረብ ኣቶ ሰላም፡ "ወለድና ከም ዝብሉዎ፡ ቆልዓ ኮይኑ ጠበንጃ ሒዙ እናተኮሰ ይውዕል ነይሩ ይብሉና። ምስ መሓዙቱ ድማ ብሕርካም እናትሓዙ ብምጭማት ይወዳደሩ ነይሮም" ይብል።

ማሕበራዊ ህይወት ጀነራል ሰዓረ፡ በቲ ኣብ ገድሊ ትግራይን ወተሃደራዊ መሪሕነትን ዝነበሮ ስነ-ምግባርን ስብእናን ዝተቓነየ ምዃኑ ዝገልጽ ኣቶ ሰላም፡ ሕማቕ ነገር እንትርኢ ዝሓርቕ ዓይነት ሰብ ነይሩ ይብል።

"ኣሸናፊ ንዕላምኡ እሙን'ዩ፤ ውልቃውነት ዝብሃል ኣይፈቱን። ስብእናኻ ሓሊኻ ንህዝቢ ትእመን፣ ኣብ ዕላማኻ ጽኑዕ፣ ዘይትሕሱን ዘይትሰርቕን እንተኾይንካ ብጣዕሚ'ዩ ዘኽብረካ። ሌባን ሓሳውን ግን ኣይፈቱን"።

ጀነራል ሰዓረ፡ ስፖርትን ሙዚቃን ዝፈቱ ሰብ ምንባሩ ድማ፡ ጀነራል ጻድቃን ዘይርስዖ ተዘክሮ ብጻዩ እዩ።

"ናይ ትግርኛ ሙዚቃ ይፈቱ'ዩ፤ ተጻዋትን ሳዕሳዕን'ውን'ዩ። ንመቓልስቱ ይኹን ንኻልእ ሰብ ድማ ርህሩህ'ዩ። ናይ መራሕን ተመራሕን ነገር ከይፈጠረ፡ ዝኾነ ጸገም ብናይቶም ዓይኒ እናርኣየ ዝመጽአ ሰብ'ዩ" ክብል ይገልጾ።

ካብ ውትህድርና ወጻእ ዝፍተዎ ሞያ እዚ'ዩ ክብል ኣይኽእልን ዝብል ኣቶ ሰላም "ከም ወርቂ ብሓዊ እናተፈተነ ኣብዚ ዝበጽሐ ሰብ'ዩ፤ ተውህቦ ኾይኑዎ ድማ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኮይኑ ወጺኡ" ብምባል እንትርፎ ነታ ዝተሞከረላ ሞያ ውትህድርና ናብ ካልእ ዝንባለ ዝነበሮ ሰብ'ዩ ክብሎ ከም ዘይኽእል ገሊጹ።

"ንዓይ ኣኮይ፣ ሓወይ'ዩ። ኣምሂሩኒ'ዩ፤ ደብተረይ ክዳነይ ጫማይ እናማልአ ኣምሂሩኒ'ዩ። ናብ ቃልሲ ክኸይድ ከሎ፡ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ኣሸናፊ ኣብዚ ደረጃ ክበጽሕ'ዩ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ካብ ብሱል ጥረ ኮይኑ ግን ወጺኡ። ነቶም ኣብ በረኻ ዝገደፎም ሰማእታት [ብጾቱ] ድማ ኩል ግዘ ይዝክሮም" ይብል።

ጀነራል ሰዓረ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ብስርዓት ደርግ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ እሱራት ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተገበረ ናይ 15 ደቓይቕ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ዓብዪ እጃም ከም ዝነበሮ ይግለጽ።

ካብቲ ሰራዊት ካብ ዝሰናበት 18 ዓመት ዝሓለፎ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ 'ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ጀነራል ሰዓረ እንተዘይነብር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ቡሬ ኣጋጢሙዋ ዝነበረ ሓደጋ ንምፍታሕ ክትጽገም ትኽእል ነይራ ትኸውን' ክብል ንኣበርክቶ ጀነራል ሰዓረ ይንእድ።

"ሓልሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንራኸብ ነይርና። ካብ ስራሕ ወጻእ፡ ሰዓረ ከምዚ'ዩ ኢለ ክገልጾ ኣዝዩ ይኸብደኒ'ዩ" ይብል ጀነራል ጻድቃን።

ኢትዮጵያ ሰላም ኮይና፣ ለሚዓ ክትቕጽልን ህዝቢ ካብ ድኽነት፣ ድንቁርናን መሃይምነትን ክናገፍን ዓብዪ ድልየትን ሕልምን ነይሩዎ ዝብል ኣቶ ሰላም "ናይ ህዝቢ ድልየትን መሰልን ክኽበር ሃገር ክትዓቢ ዝጎዪ ዝነበረ፡ ሃፍቲ'ውን ዘይብሉ ሰብ'ዩ፤ ንደቁ'ውን እታ ጥሮትኡ ገዲፉ እዩ ሓሊፉ" ይብል።

ንምኑ፡ ኣብ ህይወቱ ኣብሊጹ ዝፈትዎም ሰባት ነይሮምዎ'ዶ?

"ወይለከይ! በዓል ሓየሎም፣ በዓል ኩሕለን፣ በዓል ዳንቡሽ! እምበር። ኣሸናፊ ዋላ'ኳ ንኹሎም ተጋደልቲ ዘድንቕ እንተኾነ፡ ካብቶም ብጣዕሚ ዘድንቖም ሓደ፡ መራሒኡ መምህሩ ስለ ዝነበረ፡ ንሓየሎም'ዩ" ይብል ኣቶ ሰላም።

ኣምሪሩ ዝሓዘነሉ ኣጋጣሚኸ?

"ተውሳኺቱ፡ ኣነ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ዘንበብኹዎ ሰዓረ ዝሓዘነሉ ሓየሎም ሞይቱ ክብሃል ከሎ'ዩ" ዝብል ኣቶ ሰላም፡ ምስ ሓየሎም ጥቡቕ ርክብ ስለ ዝነበሮን ናቱ ኣመራርሓ ስለ ዝንእድን ይፈቱዎ ምንባሩ ከም ዝዝክር ተዛሪቡ።