ልኡል ቤልጅም ሕጊ ዕጽዋ ስፔን ብምጥሓሱ ተቐጺዑ

ወዲ 28 ልዑል ጁዋቺም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ጁዋቺም ወዲ ሓዉ ንንጉስ ቤልጂም ንጉስ ፍሊፕ

ኣብ ስፔን ሕጊ ዕጽዋ ብምጥሓሱ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ልኡል ቤልጂም ጁዋቺም ሕጊ ዕጽዋ እታ ሃገር ብምጥሓሱ 11 ሽሕን 800 ዶላር ክኸፍል ከምዝተበየኖ ተገሊጹ።

ልዑል ጁዋቺም ካብ ሃገሩ ቤልጂም ናብ ስፔን ምስ ኣተወ ን14 ምዓልታት ክውሽብ ተነጊርዎ ክነሱ ነዚ ከተግብር ስለዘይክኣለ'ዩ ብሕጊ ስጳኛ ተኸሲሱ።

እቲ ወዲ 28 ዓመት ልኡል ኣብ ስፔን ሓጺር ናይ ስራሕ ተመክሮ ንምቅሳም'ዩ 24 ግንቦት ናብታ ሃገር ኣትዩ፡ እንተኾነ ንዓሰርተ መዓልታት ክውሸብ እኳ ተነጊርዎ እንተነበረ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ክፍል ከተማ ኮረዶባ ኣብ ዝነበረ ምትእኽኻብ ተሳቲፉ።

እቲ ልኡል ድሕሪ እቲ ብይን ናይ ቤት ፍርዲ ይቐሬታ ሓቲቱ እዩ።

እቲ ልኡል እቲ ንሱ ዝተሳተፎ ምትእኽኻብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ናይ ስፔን ምስ ተዘርግሐ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ"ብተግባረይ ኣዝየ'የ ተጣዒሰ ዘለኹ፡ ንኹሉ ዝምጽእ ነገር ድማ ክቅበሎ'የ"ኢሉ።

ቤት ፍርዲ'ታ ሃገር እቲ ልኤል ነቲ ብቤት ፍርዲ ተበይንዎ ዘሎ ገብዘባዊ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክኸፍሎ'ዩ ናይ ግዜ ገደብ ኣቀሚጥሉ ዘሎ።

ስፔን ካብ ዕለት 15 ጀሚሮም ናብ ሃገራ ዝኣተዉ ገያሾ ንክልተ ሳምንታት ክውሸቡ ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቃ ትርከብ።

ልኡል ጁዋቺም ወዲ ሓዉ (ሓፍቱ) ንንጉስ ቤልጂም ንጉስ ፍሊፕ ኮይኑ ካብቲ ንጉሳዊ ዝፋን ኣብ ዓስራይ መስምር እዩ ዝስራዕ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ስጰኛ ካብ ዝጅምር ኣብታ ሃገር 27 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

ኮሮና