ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቕርበን ኣርባዕተ ክስታት

ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣመሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ጠጠው ከምዘበሎ ይፍለጥ። ስለ ምንታይ? ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ኣብ ቻይና ዝተበገሰ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል ድኹም ምሕደራ ስለዘርአየ እዩ ኢሉ ይኸስስ።

ቀዳማይ ክሲውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ እዋኑ እሞ ድማ ግልጽነት ብዝተመልኦ እኹል ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ወዲቑ እዩ

ናብ ላዕለዋይ መራሒ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም 18 ግንቦት ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ፡

"ገና ኣብቲ ፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ቻይና ከተማ ውሃን ክብገስ እንከሎ፡ ንዝቐርቡ ዝነበሩ ተኣመንቲ ፀብፃባት ደጋጊሙ ነጺጉ እዩ"

ንኣብነት ኢሉ ን'ላንሰት' ንዝበሃል ሕክምናዊ ፅሑፋት ዘቕርብ ጋዜጣ ይፀርሕ።

ብኣንፃሩ ኤዲተር እታ ጋዜጣ ሪቻርድ ሆርተን መልሲ ኣብ ዝሃበሉ ደብዳቤ ከምዚ ዝስዕብ ይብል።

"ላንሰት ኣብ ታሕሳስ 2019 ብዛዕባ ኣብ ውሃን ዝተላበደ ቫይረስ ኣመልኪቱ ወላ ሓደ ትሕዝቶ ኣየሐተመን። ፈለማ ዘሐተምናዮ ፀብፃብ ብዛዕባ ቻይናውያን ተመራመርቲ ዝምልከት እዩ ንሱ እውን ጥሪ 24 እዩ ነይሩ" ብምባል የብርህ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እውን "ጠንቁ ዘይተፈለጠ" ተባሂሉ 31 ታህሳስ 2019 ቻይና ከምዝተዛረበቶ ገሊፁ።

ካብዚ ብምብጋስ 4 ጥሪ እቲ ውድብ፡ ሰበ ስልጣን ቻይና፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም እኹል መብርሂ ክህብዎ ሓቲቱ።

12 ጥሪ ቻይና ብዛዕባ ኣፈጣጥራ እቲ ሓድሽ ቫይረስ ኣመልኪታ ንህዝቢ ገሊጻ።

20ን 21ን ጥሪ ጉጅለ መሪሕነት እቲ ውድብ ናብ ቻይና በፂሑ። እቲ ዝረኣይዎ ኣመልኪቶም ድማ 22 ጥሪ መግለፂ ቀሪቡ።

ጥሪ 28 ዶ/ር ቴድሮስ ብዛዕባ እቲ ዝተኸሰተ ቫይረስ ምስ መራሕቲ ቻይና ንምዝታይ ናብ ቤጂንግ ተበጊሱ።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ፡ እቲ ውድብ ብዛዕባ እቲ ፀገም ህፁፅ ጉዳይ ምዃኑን ንምሉእ ዓለም ከምዘገድስን ብምግላፅ ኣዊጁ።

ብተወሳኺ ክኢላታት እቲ ውድብ ካብ 15 ሃገራት መፂኦም፡ እቲ ፀገም ዓለምለኻዊ ቆላሕታ የድልዮ'ዶ ኣየድልዎን ንምዝታይ ተኣኪቦም ግን ብዘይምርድዳእ ተፈላልዮም።

ካልኣይ ክሲ"ክሳብ መፋርቕ ጥሪ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክላበድ ኣይኽእልን ዝብል እምነት ነይርዎም፡ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እዩ"

14 ጥሪ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ከምዚ ዝስዕብ ትዊት ገይሩ።

"ብመሰረት ብሰበ ስልጣን ቻይና ዝተኻየደ ቀዳማይ ደረጃ መርመራ፡ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝህሉ ምልባድ ዝገልፅ ንፁር መረዳእታ ኣይተረኸበን"

ኰይኑ ግና ኣብታ ዕለቲኣ፡ ሓላፊት ክፍሊ ተላባዕቲ ሕማማት ማርያ ቫን ከርኮቭ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ክትህብ፡ ኣብ ውሃን "ውሱን" ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምልባዕ ምልክታት ከምዝተራኣየ ገሊጻ። ነገር ግን ብርግጽ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝላባዕ ብዛዕባ ምዃኑ ዝተረኸበ መረዳእታ የለን ብምባል ተዛሪባ።

እቲ ውድብ ኣብ ውሃን ክሳብ 22 ጥሪ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝላበድ ቅሉዕ መረዳእታ ኣይረኸበን። እቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ብድፍኢት ቻይና ንመራኸብቲ ሓፋሽ ብምግላፅ ንህዝቢ ኣብ ምቕራብ ደንጕዩ እዩ።

ሳልሳይ ክሲውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ቻይና ናጻ ኰይኑ ደው ኣብ ምባል ሕጽረት ኣለዎ

ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ መራሒ እቲ ውድብ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ምስ ቻይና ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ሕማም፡ ድኽመት ኣርእዩ እዩ ክብል ከሲሱ።

ኰይኑ ግና ብዙሓት ክኢላታትን ፖለቲከኛትን (ንትራምፕ ሓዊሱ) ቻይና ነቲ ሕማም ኣመልኪታ ንዘርእየቶ ምላሽ ንኢዶም እዮም።

24 ጥሪ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ "ቻይና ነቲ ሕማም ንምግታእ ልዑል ፃዕሪ ተካይድ ኣላ" ክብል ናእድኡ ገሊፁ እዩ።

እቲ ውድብ ኣብ ኩነታት ታይዋን ብቻይና ተፀልዩ እዩ ብዝብል እውን ተኸሲሱ እዩ።

እንተ ታይዋን ኣባል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣይኰነትን፤ ምኽንያቱ ታይዋን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ኣይተወሃህባን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ይታዋን ዝዀነ ይኹን ርክብን ምልውዋጥ ሓበሬታን ከምዘይነበሮ ገሊፁ።

ታይዋን ብግዲኣ፡ እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝላበድ በቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ውሃን በፂሖም ዝመፅኡ ተመራመርቲ ኣቢላ ገሊጻ ኢያ።

ራብዓይ ክሲ"ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ውሳነታት እቲ ውድብ፡ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ተቓዊሞምና'ዮም"

ኣመሪካ ካብ 2 ለካቲት ኣትሒዛ፡ ካብ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ዝግበር ጉዕዞ ኣጊዳ ኢያ። ኰይኑ ግና ቻይና ነቲ ውሳነ ከምዝነቐፈ ዝገልፅ መርትዖ የለን። ዘይንቡር እውን ክኸውን ነይሩ እዩ። ኣብ 10 ጥሪ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ምንቅስቓስ ከምዘይእገድ ገሊጹ እዩ።

እዚ ድማ እቲ ውድብ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ደጊሙ ኣረጋጊጹ እዩ።

መብዛሕቲኡ እዋን እገዳ ምንቅስቓስ ውፅኢታዊ ኣይኸውንን፤ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፅዕንቶ እውን ይህልዎም እዩ ይብል።