ኣብ መርበብ ንዝተጠናነገ ዓሳነባሪ ዘድሓነ ኣውስትራልያዊ ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, ABC NEWS
ኣብ መርበብ ንዝተታሕዘ ዓሳነባሪ ዘድሓነ ኣውስትራልያዊ፡ ሰብ መዚ በቲ ዝፈጸሞ ተግባር ቀጺዖምዎ።
ብሰሉስ፡ እቲ ዓሳነባሪ ኣብ መርበብ ተጠናኒጉ ዝረኣይዎ ሰባት ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሓቢሮም።
እንተኾነ፡ ዝኾነ ስጉምቲ ከይተወሰደ ሰዓታት ከም ዝሓለፈ ዝረኣየ: እዚ ሰብ፡ ጃልባኡ ኣልዒሉ ናብቲ ስፍራ ብምኻድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓሳነባሪ ሓምቢሱ ነቲ ጥንግናግ ፈቲሑሉ።
ናብቲ ገምገም ምስ ተመለሰ ግና፡ ሰብ መዚ ከም ዝቐጽዕዎ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያ ተዛሪቡ።
ዛጊት እቲ መቕጻዕቲ እንታይ ከም ዝነበረ እኳ እንተዘይተነጸረ፡ ግዝኣት ኲንስላንድ - ኣውስትራልያ- ንብረት ናይቲ ምምሕዳር ምትንካፍን፡ ናብ ዓሳነባሪ ምቕራብን ዘቕጽዕ ሕጊ ኣለዋ።
ካልኦት ሰባት ነቲ ፍጻመ ካብቲ ገምገም ኮይኖም ይዕዘቡዎ ከም ዝነበሩ መራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያ ጸብጺበን።
ኣንደረ ቦረል ዝተብሃለ ሰብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ሰብ መዚ: ሰዓታት ደንጒዮም ከም ዝመጹ ተዛሪቡ።
ኣብ ገማግም ኣውስትራልያ፡ ካብ ሻርክ ንምክልኻል ዝዝርጋሕ መርበባት፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብዘስዕቦ ጽልዋ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሕዱ ሓሙሽተ ዓሳ ነባሪ፡ ኣብዞም መርበብ ተታሒዞም ብምርካቦም፡ ካልእ ኣገባብ መኸላከሊ ሻርክ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







