ሱዳን ንግዳያት መጥቃዕቲ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ክትክሕስ ተበዪኑ

ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ንጥፈታት ህይወት ኣድሕን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, በቲ ኣብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ልለሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ፡ ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብኣል ቃዒዳ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንዝወረደ ጉድኣት ሱዳን ክትክሕስ ይግባእ ክብል በዪኑ።

በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ክቕተሉ ከለው፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቆሲሎም እዮም።

ሱዳን ንኣልቃዒዳን መራሒኡ ኦሳማ ቢን ላደንን ተክኒካውን ገንዘባውን ሓገዝ ከም ዝገበረት እያ እትኽሰስ።

እዚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንዜጋታት ኣሜሪካ፡ ሰራሕተኛታት እቶም ኤምባሲታትን ተኾናተርትን ዝምልከት እዩ።

ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ሃገሩ ካብቲ ናይ ኣሜሪካ ዝርዝር፡ 'ግብረሽበራ ዝምውላ ሃገራት' ክትወጽእ ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ።

ሱዳን ምስ ግብረሽበራውይን ርክብ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ

እቲ ብምሉእ ድምጺ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ካብቲ ኣብ 2011 ሱዳን ዝተበየነላ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ፡ ከባቢ 800 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል ዝጠልብ እዩ ክብል ወኪል ሱዳን ክሪስቶፈር ኩራን ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት፡ ሓደ ዳኛ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዲስትሪክት ኣብ ዘሕለፎ ብይን፡ ሱዳን፡ 6 ቢልዮን ዶላር ክትክሕስን ተወሳኺ 4 ቢልዮን ዶላር ክትቅጻዕን ወሲኑ ምንባሩ፡ ኒው ዮርክ ታየምስ ጸብጺቡ።

ኣብ 2017 ሱዳን፡ እቲ ናይ መቕጻዕቲ ብይን ኣብ 2008 ብዝተኣታተወ ሕጊ ከም ዝተወሃበን ቅድሚኡ ንዘጋጠመ ክስተት ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክእል ብምምጓት ተዓዊታ እያ።

ክልተ ኣንስቲ ኣብቲ ንመዘከርታ ዝተገብረ ሓወልቲ ጸሎት እናገበራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ዝተተኽለ መዘከርታ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሰኑይ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ግና፡ ባይቶ ኣሜሪካ እቲ ሕጊ ኣብ ሕሉፍ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ እዩ ኢሉ።

ክሪስቶፈር ኩራን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ከም ወትሩ፡ ሱዳን ነቶም ግዳያት ግብረሽበራ ሓዘና ትገልጽ፤ ምስ'ቶም ተግባራት ግና ዝኾነ ተሳትፎ ከም ዘይነበራ ተረጋግጽ" ኢሉ።

ብቐጥታ በቶም ኤምባሲታት ኣሜሪካ ዘይተቖጸሩ ኬንያውያንን ካልኦት ዜጋታትን፡ ከምኡ'ውን ንቤተሰብ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉን ዝሞቱን ብዝምልከት እቲ ጉዳይ ናብ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ተመሊሱ ኣሎ።

Presentational grey line