ኮሮናቫይረስ፡ 60 ሚልዮን ሰባት ኣብ 'ሕሱም ድኽነት' ክወድቁ ይኽእሉ

ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም፡ ኣስታት 60 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ 'ሕሱም ድኽነት' ክወድቁ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

ዴቪድ ማለፓስ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ዓለምና ብ 5 ሚኢታዊት ክንኪ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ቁጠባ ሃገራት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይህሰ ብምህላዉ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ሕማም፡ ድሮ'ኳ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ስርሖም ሲኢኖም፡ ንግድታቶም ከሲሮም እዮም።

ሃስያ ናይቲ ጸገም ድማ፡ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራት እዩ ዝብርትዕ።

"መነባብሮ ሚልዮናት ሰባት ዓንዩ እዩ። ስርዓት ጥዕና ድማ ብደረጃ ዓለም ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ" ኢሉ።

"ብናትና ግምት፡ ኣስታት 60 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ናብ ሕሱም ድኽነት ክወድቁ እዮም - እዚ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ንዝተረኸቡ ምዕባለታት ዝድምስስ እዩ" ክብል ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ተዛሪቡ።

ባንኪ ዓለም 'ሕሱም ድኽነት' ዝብሎ፡ ሓደ ሰብ ብትሕቲ 1.90 ዶላር መዓልታዊ እቶት፡ መነባብሮኡ ክመርሕ እንተሎ እዩ።

ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ባንኪ ዓለም፡ ድኻታት ሃገራት ካብዚ ቅልውላው ክወጽኣ ንምሕጋዝ 160 ቢልዮን ዶላር ብመልክዕ ሓገዝን፡ ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቓሕን ክህብ እዩ።

ፕረዚደንት ናይቲ ባንኪ ከም ዝበሎ፡ ኣስታት 79 ምኢታዊት ህዝቢ ዓለምና ዝነብረለን 100 ሃገራት ድሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ረኺበን ኣለዋ።

"ባንኪ ዓለም ዋላ'ኳ ነዚ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ሃብቲ እንተቕረበ፡ እኹል ኣይኮነን" ኢሉ ዴቪድ ማልፓስ።

ኣብዚ እዋን ድኻታት ሃገራት ዕደአን ንምኽፋል ስለ ዝጽገማ፡ ናይ ሩፍታ እዋን ሃቡወን ተባሂሎም ዝተሓተቱ ንመኽሰብ ኢሎም ዘለቅሑ ትካላት ዕጥይጥይ ምባሎም፡ ዘሕርቕ ከም ዝኾነ'ውን ንገሊጹ እዩ።