እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ትካል ጥዕና ዓለም ዝኸሰሉ ጉዳይ እንታይ እዩ?
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኮሮናቫይረስ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ቻይና ክርአ ከሎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ዝነበረ ለበዳ ሸፋፊኑዎ እዩ፤ እቲ ለበዳ ኣብ ምእላይ'ውን ግቡእ ስራሕ ኣይሰርሐን ክብል ይነቅፍ።
እቲ ትካል ግን፡ ካብ ኣበጋግስኡ ጀሚሩ ጽቡቕ ገይሩ ከም ዝኣለዮ ብምግላጽ ንነቐፌታ እቲ ፕሬዝደንት ኣይቕበሎን።
ንምዃኑ እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ልዕሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቕርቦም ክስታት እንታይ እንታይ እዮም? ቢቢሲ ሪያሊቱ ቼክ ንገሊኦም ክርኢ ፈቲኑ ኣሎ።
ክሲ ሓደ
"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓበሬታ ብእዋኑን ግልጺ ብዝኾነ መገድን ናይ ምቕራብ ኮነ ናይ ምጽራይን ምክፋል ዓቕሚ የብሉን"
ትካል ጥዕና ዓለም፡ ካብ ቻይና ይኹን ኣሜሪካን መላእ ዓለምን ዝረኽቦ መረዳእታ ብመሰረት ሰብ ሞያ ሕክምናን ሳይንሳዊ መጽናዕትን ዝብሉዎ ብጽፈት ከም ዘቕርብ ይገልጽ።
ካብዚ ወጻእ እቲ ትካል ሃገራት ኣገዲዱ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቕበለን ኣይክእልን።
ቻይና "እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ዘይልሙድ ክስተት" ከም ዘጋጠመ ብ31 ታሕሳስ 2019 ናብቲ ትካል ከም ዘፍለጠት ይሕብር።
እዚ ሓበሬታ፡ ብ4 ጥሪ 2020 ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ውደብ ተጠቂዑ።
ድሕሪኡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ሓለፍቲ ስራሕ ጥዕና ቻይና ብዛዕባ እዚ ሕማም ተወሳኺ መብርህን መረዳእታን ከም ዝሓተተ ኣፍሊጡ።
ብ12 ጥሪ ድማ፡ ቻይና ናይዚ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ 'ጀነቲክ' ብወግዒ ንዓለም ኣካፊላ።
ብ20 ከምኡ'ውን ብ21 ጥሪ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ጉጅለ ትካል ጥዕና ዓለም: ናብታ እቲ ቫይረስ ዝተበገሰላ ግዝኣት ውሃን ከይዱ።
ብ22 ጥሪ እቲ ጉጅለ ረኺበዮ ዝበሎ ዝርዝር ጉዳይ ንህዝቢ ኣቃሊሑ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ድማ፡ ትካል ጥዕና ዓለም እዚ ሕማም ንዓለም ዘስግእ ሃንደበታዊ ስግኣት ጥዕና ሕብረተሰብ እዩ ክብል ኣዊጁ።
ሰብ ሞያ ውድብ ጥዕና ዓለም [ቻይና እትርከበን 15 ሃገራት ዝተወጻጽኡ] ቅድሚ ሰሙን እዚ ጉዳይ ዓለማዊ ስግኣት ድዩ ኣይኮነን ዝብል ንምዝታይ ተራኺቦም እንተነበሩ'ውን ኣብ ሞንግኦም ግን ስምምዕ ክፍጠር ኣይተኽኣለን።
ክሲ ክልተ
"ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ'ዶ ኣይመሓላለፍን ዝብል ግልጺ መረዳእታ ኣየቕረበን"
ብ14 ጥሪ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም "ቻይናውያን ክኢላታት ብመሰረት ዘካየዱዎ ምርምር እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ ድዩ ዝብል ዉዱእ መርትዖ ኣይተረኽቦን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ግዚያዊት ሓላፊት ሃንደበታዊ ሕማማት እቲ ውድብ ማሪያ ቫን ከርክሆቭ፡ ውሃን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዘጋጥም ምትሕልላፍ እዚ ሕማም ዓጊታ ክትብል ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂባ።
በዚ ምኽንያት፡ እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓለላፍ'ዶ ኣይመሓላለፍን ዝብል ግልጺ ዝኾነ "መርትዖ"ኣይነበረን።
እቲ ቫይረስ ብዝለዓለ ደረጃ ክላብዐሉ ዝኽእል ተኽእሎ ግን ነይሩ። ስለዚ "ንሕና ክንዳሎ ይግባእ"።
ድሕሪኡ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብ22 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ውሃን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዘጋጠመ መልከፍቲ ከም ዘየሎ ከም ዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።
ክሲ ሰለስተ
"ኣሜሪካ እታ ዝዓበየት መዋሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ክንሳ እቲ ትካል ግን 'ንቻይና ዝወገነ እዩ' "
ኣሜሪካ፡ ሓንቲ ካብተን ብዝለዓለ ደረጃ ነዚ ትካል ዝምውላ ሃገራት እያ። 15 ሚኢታዊት ዓመታዊ ፋይናንሳዊ ወጻኢ እቲ ውድብ ካብ ኣሜሪካ ብዝረኽቦ ገንዘብ እዩ ዝሽፈን።
ግን ድማ ብልክዕ ብሪጣኒያንን ጀርመንን፡ ፋውንዴሽን ቢልን ሚሌንዳ ጌትስን'ውን ዓብዪ ኣበርክቶ ይገብሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብቲ መጀመርታ ቻይና ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝወሰደቶ ስጉምትን "ንግልጽነት ዘርኣየቶ ውፍይነትን" ክትምስገን ይግባእ ኢሉ ንኢዱዋ እዩ።
ሰራሕተኛ እቲ ትካል ዶክተር ሚካኤል ርያን፡ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ምስ ቻይና ዝህሉ ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ መስመር ክፉት ኮይኑ ክቕጽል ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።
ፕሬዝደንት ዶላንድ ትራምፕ'ውን ብ24 ጥሪ ቻይና ኣብ መጀመርታ ንዘርኣየቶ ምላሽ ንኢዱዋ እዩ።
ብኻልእ ወገን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጉዳይ ታይዋን ብድልየት ቻይና ዝተዓብለለ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይበጽሖ።
ታይዋን ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ስለ ዘይሃባ ኣባል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣይኮነንትን። ትካል ጥዕና ዓለም ግን ነቲ ዝቐርበሉ ነቐፌታ ኣይቕበሎን።
ታይዋን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ገለ ሙሁራታ ኣብ ውሃን በጺሖም ምስ ተመለሱ፡ እቲ ቫይረስ ክላባዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ ኣፍሊጣ እያ።
ይኹን'ምበር፡ ታይዋን ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓለለፍ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ነገር ኣየካተተትሉን።
ታይዋን: እቲ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ወይ ዕሽሽ ተባሂሉ'ዩ ወይ'ውን ብቁውምነገር ኣይተወሰደን እያ ትብል።
ትካል ጥዕና ዓለም ነዚ ኣይቕበሎን።
ክሲ ኣርባዕተ
"ብጣዕሚ ሓደገኛታት ካብ ዝኾኑ ውሳኔታት እቲ ሓደ . . . ውድብ ጥዕና ዓለም እገዳ ምንቅስቓስ ምቅዋሙ እዩ"
ኣሜሪካ፡ ካብ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ናብ ሃገራ ዝግበር በረራ ካብ 2 ለካቲት 2020 ጀሚሩ እያ ኣጊዳ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ብወግዒ ከቃወም ኣይተሰምዐን። ከምኡ ክብል'ውን ዘይተለመደ ክኸውን ይኽእል።
ብ10 ጥሪ ግን፡ ነዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ: ዓለምለኻዊ ጉዕዞታት ምእጋድ ከም ዘይመዓድ ምኽረ ሓሳብ ሂቡ ነይሩ።