"መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ ይፈትሑ" ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰታት ኢትዮጵያ እቶም ሎሚመዓልቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገብርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ ኣብታ ከተማ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝረኸቦም ሰባት ከምዝኣሰረ ተፈሊጡ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ ዝተረኸቡ ሰባት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ እናውዓሎም'ዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ብማእኸናት ዜና እታ ሃገር ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባትን ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዝበጽሑ ጥርዓናትን ዋና ኮሚሽነር'ቲ ኮሚሽን ኣይተ ዳንኤል በቀለ እቲ ስጉምቲ ትኽክል ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

"ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ኣድላዪ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ክተግብሮ ዝግበእ መምርሒ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣስዒቡ ድማ "ብርግጽ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኾነ ሰብ ናብ ከም ዕዳጋ ዝበሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ቦታታት፣ ሹቓት፣ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ካልኦት ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታትን ክኽይድ ከሎ ማሕበራዊ ምፍንታት [ኣካላዊ ምርሕሓቕ] ምዕቃብ ስለዘይከኣል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ይገድድ እዩ" ክብል ኣረዲኡ።

እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ነቲ መሸፈኒ ከይገበሩ ኣብ ዝርከቡ ሰባት ዝውሰድ ስጉምቲ ማእሰርቲ ግን ካብ ሕጊ ወጻኢ ከምዝኾነ ገሊጹ እቲ ኮሚሽነር።

"ካብዚ ብዝሰገረ ተመጣጣኒ ዘይኮነ ስጉምትን ነቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ዝጻረርን ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ። በዚ ኩነታት ዝተኣሰሩ ሰባት ድማ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣለዎም" ኢሉ።