እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብኢትዮጵያ ንዝቐረበ ሓሳብ ኣይቕበሎን ኢላ
ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ናይ ስምምዕ ሓሳብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከምዘይተቐበሎ ይግለጽ።
ሱዳን፡ ኣመላልኣ ማይ ናይቲ ግድብ ብዝምልከት ካብ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ሓሳብ እያ ዘይተቐበለቶ።
ሚኒስትሪ መስኖ ሱዳን ዘውጸኦ መግለጺ "ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኢትዮጵያ ግብጺን ሱዳንን ሰለስተኣዊ ስምምዕ ክፍጽማ ኣድላዪ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጥዎ እዩ" ይብል።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን ክግበር ዝጸንሐ ሰለስተኣዊ ልዝብ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ግብጺ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ንዘለዋ ጥርዓን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ሓሳብ ዝነጸጎ፡ 'ዘይተፈትሑ ሕጋውን ቴክኒካውን ጸገማት ኣለዉ' ብዝብል እዩ።
ግብጽን ሱዳንን፡ እቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ 'ንሕና እንረኽቦ መጠን ማይ ኣዝዩ ክንክዮ እዩ' ዝብል ስግኣት ኣለወን።
ብቢልዮናት ዶላራት ነቲ ግድብ ትሃንጾ ዘላ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነቲ ግድብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ማይ ክትመልኦ ምዃና እያ ትገልጽ።
ስለስቲአን ሃገራት፡ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣመሪካን ብባንኪ ዓለምን ኣላዘብቲ ኮይኖም ኣብ ዝቐረብሉ ዘተ፡ ብላዕለዎት ሰበስልጣናተን ኣቢለን ቀጸልቲ ዘተታት እኳ እንተገበራ፡ እቲ ኣኼባታቶም ብዘይ ፍረ እዩ ተበቲኑ።
ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ሰነድ፡ ረብሓኣ ዝትንክፍን ናብ ረብሓ ግብጺ ዘዛዙን እዩ ክትብል ከምዘይፈረመት ዝዝከር እዩ።
ንዘበናት፡ ናይ ሩባ ኣባይ ማይ ብስፍሓት እትጥቀመሉ ግብጺ፡ ኣብ ጉዳይ ማይ ምምላእ ናይቲ ግድብ ስግኣት ስለዝሓደራ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናይ ኣመሪካን ሃገራት ዓረብን ድጋፍ ክትእክብ ጸኒሓ እያ።
ሃገራት ሊግ ዓረብ፡ ድልየት ግብጺ ዘንጸባርቕ ቅዋም ኣብ ዘውጸኣሉ እዋን፡ ሱዳን ነቲ መግለጺ ተቓዊማቶ ነይራ።
ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ'ዚ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ናይቲ ግድብን ካልእ ስራሕትን ብዝምልከት ናይ ባዕላ ሓሳብ ከምዘቕረበት ይግለጽ።