ኮሮናቫይረስ፡ ኣየነይቲ ሃገር እያ እኹል መርመራ ትገብር ዘላ?

ብኣልማማ ዝግበር መርመራ ነቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ፈሊጥካ ኣብ ምፍላይን ዝርገሐ እቲ ሕማም ኣብ ምፍላጥን እቲ ቀንዲ ናይ ምክልኻል ሜላ እዩ።

ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዘማእክሎ ዘሎ ትካል ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ገፊሕ ናይ መርመራ ጋግ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ስለዚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣየኖት ሃገራት እየን ግቡእ መስርሕ ዝገበራ ዘለዋ? ኣየኖትከ ድሕሪት ተሪፈን ኣለዋ?

ብዙሕን ውሑድን መርመራ ዝገበራ ሃገራት

ኣብ ኣፍሪቃ ንኣሽቱ ሃገራት ልዕሊ እተን ዓበይቲ ሃገራት'የን ኣብ መስርሕ መርመራ ዓቢ ዓወት ዘመዝግባ ዘለዋ።

ሃገራት ሞሪሽየስን ጂቡትን ከም ኣብነት እንተወሲድና ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር ልዑል ቁጽሪ ሰብ እየን መርሚረን ዘለዋ።

ጋና እውን ኣብ ብዝሒ ዘካየደቶ መርመራ ዝነኣድ ቁጽሪ እያ ኣመዝጊባ ዘላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ መርመራ ዝገበረት ሃገር ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ክትምርምር ክኢላ ኣላ።

እዚ ቁጽሪ'ዚ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ'ዩ ዝልዓለ ኮይኑ ዘሎ'ምበር ምስ ደቡብ ኮርያ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ምስ ዝነጻጸር ኣዝዩ ትሑት እዩ።

እታ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓበየ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ናይጀርያ ግን እኹል መርመራ ብዘይምግባራ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

መንግስቲ እታ ሃገር ግን ኣብቲ ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉሉ ከባቢታት ኣቶኲሩ ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ዝገለጽ።

ኣብ ናይጀርያ ትርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቺ ቺ ኢዙንዱ "ኣብ መዓልቲ 5000 ሰባት ክምርመሩ እዩ ውጥን ተታሒዙ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓልቲ 1000 ሰባት'ውን ይምርመሩ የለውን" ትብል።

ከም ኤርትራን ኣልጀርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኸኣ ክንደይ ሰብ ከም ዝመርመራ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃባን ዘለዋ።

ገለ ሃገራት እውን ጠቕሊሉ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ዘይብለን ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ድማ መርሚረን ክንሰን ነቲ ሓበሬታ ምቅላዕ ጸገማት ኣለዎ ኢለን ዝሓስባ'የን።

ንኣብነት ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ብዝሒ ዝተመርመሩ ንህዝቢ ምሕባር ፍርሒ ከስርጽ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

ሃገሩ'ውን ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ጸጸኒሓ እያ ንህዝባ ሓበሬታ ትህብ፡ ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ቁጽሪ ናይቶም ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ጥራይ ትገልጸሉ እዋን ኣሎ።

ሃገራት መርመራ ከይገብራ እንታይ'ዩ ዕንቅፋት ዝኾነን ዘሎ?

ጠለብ መመርመሪ ኣቚሑ ኮሮናቫይረስ ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ እዩ በጺሑ ዘሎ። እዚ ኸኣ ዓቢ ቅድድም ፈጢሩ ይርከብ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ መመርመሪ እተፍሪ ሃገር ኸኣ ክሳብ ሕጂ የላን።

ዳይረክተር ጀነራል ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ንከንጋሶንግ "ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ስለዝላሕለሐ፡ ዓለምለኻዊ ውህደት ዘይምህላዉ ኸኣ ንኣፍሪቃ ካብ'ዚ ዕዳጋ ኣልይዋ'ሎ" ይብል።

ዶክተር ጆን ንከንጋሶንግ ብምስዓብ "70 ሃገራት፡ ካብ ሃገራተን ሰደድ ናይ መድሃኒትን መሳርሒታት ሕክምናን ከይግበር ስለዝኣወጃ ኣገዳሲ መሳርሒታት ሕክምና ምርካብ [ምግዛእ] ኣሸጋሪ ገይርዎ ይርከብ። ኣፍሪቃ ኸኣ ግዳይ ኮይና'ላ" ይብል።

እቲ ካልእ፡ ሃገራት ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ኣንቢረን ስለዘለዋ፡ ብወለንተኦም ክምርመሩ ዝደልዩ ሰባት ናብ መርመሪ ማእከላት ከይዶም ነብሶም ከይፍትሹ ጸገም ስለዝኾኖም'ዩ።

እንተኾነ ዶክተር ንጎዚ ኢሮንዱ ካብ ቻታም ሃውስ (ሴንተር ኦፍ ዩኒቨርሳል ሄልዝ)፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ሕጽረት መመርመሪ ምዃኑ እዩ ዝምጉት።

"እኹል መመርመርን ምውህሃድን የለን"

ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ናይጀርያ ኣብዚ ሕጂ እዋን 18 መመርመሪ ማእከላት ኮሮናቫይረስ ኣለዎ።

እንተኾነ ሓለፍቲ እዚ ማእከል፡ እኹል መርመራ ንምግባር ኣገደስቲ መሳርሒታትን ቀመማትን ክመጽኦም ምሕጽንተኦም ናብ መንግስቲ ናይጀርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኬንያ'ውን ሕጽረት መመርመሪ የጋጥማ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ከም ውጽኢቱ እቲ መዓልታዊ ትገብሮ ዝነበረት ብዝሒ መርመራታት ክውሕድ ተራእዩ።

ሓደ ላዕለዋይ ዞባዊ ሓላፊ ኬንያ፡ እታ ሃገር 5 ሽሕ መመርመሪ ከምዘለዋን 24 ሽሕ መመርመሪ ክመጽኦም ይጽበዩ ምህላዎም'ውን ሓቢሩ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ድላይካ ከም ድላይካ መርመራ ክትገብር ስለዘየፍቅድ ሓደ ሮቋሒ ኮይኑ ክቕመጥ ይኽእል እዩ።

ዶክተር ንጎዚ ኢሮንዱ፡ "ኣብ ገለ ሕብረትሰባት ኮሮናቫይረስ ከም ኢንታ ተሓሲቡ ተነጸሎ ዘስዕብ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ገለ መራሕቲ'ውን ምስ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ተተሓሒዙ፡ ምርጫ ከይሰናኸሎም መርመራ ክካየድ ዘይደልዩ ኣለዉ" ይብል።

ሕብረት ኣፍሪቃን ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኣፍሪቃ ሓደ ተበግሶ ብምንቃል እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

እቲ ተበግሶ ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተ ሳምንታት ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 1 ሚልዮን ሰባት መርመራ ክግበረሎም እዩ ከም ውጥን ሒዝዎ ዘሎ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤስያ ጀሚሩ ድሒሩ ናብ ኣፍሪቃ ስለዝኣተወ ነታ ኣህጉር ኣቐዲማ ቅድመ ምድላዋት ንኽትገብር እኹል ዕድል እዩ ፈጢሩላ።

ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ መኸተ ኢቦላ ዝደለበቶ ተመክሮ ኮሮናቫይረስ ንኽትምክት ሓደ ንጹፍ ባይታ እዩ።

እንተኾነ እዚ ሕሉፍ ተመክሮ ብዘይ መመርመርን፡ ትሑት ዓቕሚ ተወዳዳርነትን (ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ) ዓወት ክምዝገብ ትሑት ተኽእሎ እዩ ዘሎ።

እተን ብቐደሙ'ውን ትሑት ትሕተ ቅርጺ ትካላት ጥዕና ዝነበረን ሃገራት ግን ሕጂ'ውን እቲ ብድሆ ኣብ ዝባነን እዩ ዘሎ።