ትራምፕ ኣንጻር ቻይና ዝኽተሎ ስትራተጂ ናበይ ዘምርሕ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ዝግበር ምክሳስ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸወታ እዩ፡ እንተኾነ ኣብዚ ኣዋን ለበዳ፡ ምስ ኮሮናቫይረስን ምስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካን ተተሓሒዙ ይልዓል ምህላዉ እቲ ዝነበረ ምክሳሰ ዝያዳ ጎሊሑ ይርአ።
ኣብዚ ሰሙን እቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ዓርሞሽሽ ሃገራት ክካየደ ዝጸነሐ ናይ ቃልት ኲናት ሰማይ ዓሪጉ ይርከብ።
ንምዃኑ እስትራተጂ ኣሜሪካ እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን፡ ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ምውጥዋጥ ኢድ ናብ ሓደ ኩርናዕ ኣቢልዎ ኣሎ፡ ናብ ጓስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020።
ትራምፕ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "ቻይና ኣነ ንኽስዓር ኩሉ ነገር ክትገብር እያ" እዩ ኢሉ።
ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናይ ዕለት ምትዕርራይ ክግበረሉ ትጽቢት ዝግበር ምርጫ ድማ ኢድ በይጂንግ'ውን ይሕወሶ ከምዘሎ እዩ ትራምፕ ዝሕብር።
እዚ ብምባሉ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ መንድዓት ጉሩንጉሪት ወሲኽሉ ኣሎ።
ጎስጓስ ትራምፕ ንቁጠባ ኣሜሪካ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ቁጥባዊ ዕብየት ከምዘደይቦ ማእክለ ገይሩ እዩ ተኻይዱ፡ እንተኾነ እዚ ክኸውን ኣየተኻኣለን፤ ቅድመ ምርጫ ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ኸኣ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ቀንዲ ክዕወተሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ነቁጣታት፡ ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘርኣዮ ወዛል ኣካይዳ ደገፉ ነክዩ እዩ።
ስትራተጂ ሪፓብሊካውያን፡ ነቲ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረሞ ንዲሞክራት ወኪሉ ኣብ ምርጫ 2020 ዝወዳደር ጆ ባይደን እዩ ዘጥቅዕ።
ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾኑ ፖሎቲክኛታት 'በይጂን ባይደን' ዝብል ዝተጽሓፎ ሒዞም ባይደን ንቻይና ከምዘሳሲ ክወቅሱ እውን ተራእዮም እዮም።
ባይደን ብወገኑ ፕረዚደንት ትራምፕ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዘርኣዮ ዝሕታለ፡ ናብኡ ንኸላግቦ ዝጥቀመሉ ሜላ ምኻኑ እዩ ዝሕብር።
እዚ ንሕስያ ዘይብሉ ምንቅቓፍ ላዕለዎት መራሕቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቤይጂን ዘለዎም ኣረኣእያ ኣብ ስልጣን ክድይቡን ዘይክድይቡን ዓቢ ሮቋሒ ምዃኑ ዝተረድኡ እዮም ዝመስሉ።
ኮሚተ ፖለቲኬኛታት 'ቀዳምነት ኣሜሪካ' እውን ኣብ ክልተ ዝተገማምዑ እዮም።
ኬሊ ሳደር ካብ ኮሚቴ 'ቀዳምነት ኣሜሪካ' ኮይኑ "ሪፓብሊካን ዋላ ዲሞክራትስ ኩን ንኹሉ ነገራት እንድሕር ርኢና ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘለዋ እምነት ልዕሊ ዝኾነ ግዜ እዩ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ" ይብል።
ብምስዓብ "ኣብዚ ጉዳይ ኸኣ ክልቲኦም [ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን] ይሰማምዑ እዮም" ይብል።
ኣሉታዊ ግንዛበ

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ትራምፕ ናብ ስልጣን ደይቡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ንግዳዊ ኲናት ካብ ዝእውጅ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝነበረ ኣረኣእያ በቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ኣዝዩ እዩ በሪኹ።
ምስ ምምጻእ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናን ፕረዚደንት እታ ሃገርን ኣሉታዊ ግንዛበ ኣዝዩ እዩ በሪኹ፤ ፕረዚደነት ትራምፕ ንኮሮናቫይረስ ደጋጊሙ 'ናይ ቻይና ቫይረስ' እናበለ ይጽውዖ ስለዝነበረ እዚ'ውን ሓደ ካብቲ ነቲ ጽልኢ ዘጎሃሃረ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ሕጂ ኸኣ፡ ቻይና ነዚ ኩሉ ዝሰዓበ ክሳራታት ክተከፍሎ ኣለዋ ናብ ዝብል ጎስጓስ ኣደይብዎ ኣሎ።
እዚ መገልጺ ትራምፕ ኸኣ ኣብ ምምሕዳር ቻይናን ዜጋታት እታ ሃገርን ነድሪ ፈጢሩ ይርከብ።
ማይክ ፖምፕዮ እውን ብተደጋጋሚ፡ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዝእመን ሰልፊ ኣይኮነን ዝብል ቃል ይደጋግም እዩ።
ከም መርትዒ ድማ ቻይና ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራ ምስ ተላብዐ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይለሓመ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ምንባራን ኣብ ልዕሊ ቤተ ፈተነታት ቻይና ዘሎ ልሕሉሕ ሓለዋን የቐርብ።ቻያና ግን ነዚ ክስታታ ብተሪር እያ ትነጽጎ።
ኣብ እዋን ፕረዚደነት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደነት ኣብ ጉዳይ ሃገራት ኤስያ ዝነበረ ሚካኤል ግሪን ብወገኑ፡ ሕሉፍን ህሉውን ፖሎቲካዊ ባህሪ ቻይና ኣብ ግምት ብምእታው ንቻይና ክትኣምን ከምዘጸግም እዩ ዝሕብር።
እንተኾነ ይብል ሚካኤል ግሪን "ትራምፕን ምምሕዳሩን ካብ መጀመርታ፡ ቻይና ንዝኾነ ነገር ተጠቂማ ናብ ፖሎቲካዊ ረብሓኣ ከይተውዕሎ እዮም ኣተኪሮም ዝሰርሑ ነይሮም" ይብል።
ፕሮፖጋንዳ ቻይና
ሚካኤል ግሪን፡ ቻይና'ውን ኮሮናቫይረስ ብወተሃደራት ኣሜሪካ እዩ ናብ ውሃን ኣትዩ ስለዝበለት፡ መልሲ ፕረዚደንት ዚ ጂንፒንግ'ውን ፕሮፖጋንዳ ዝሓዘለ ቅጡዕ መልሲ ምንባሩ የብርህ።
"ብጂኦፖሎቲካውን ስነሓሳባውን ዓንኬላቱ ቻያና'ውን ንፕረዚደነት ዶናልድ ትራምፕ ቀዲማ እያ ትጸንሖ ዘላ" ኸኣ ይብል።
ምውጥዋጥ ኣእዳው እዘን ክልተ ሃገራት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምብዳህን ንምቁጽጻርን ክገብረኦ ንዝነበረን ሓባራዊ ቃልሲ ኣማህሚንዎ ይርከብ።
ሚካኤል ግሪን ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ፡ ልዕሊ ክልተ ደርዘን ዝኾኑ ኣሜሪካውያንን ቻያናውያንን ሰብ ሞያ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝርከበ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ይሰርሑ ምንባሮም ብምዝካር እቲ ቅልውላው ምስ ተላዓለ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ ሰለስተ ኣርባዕተ ምጉዳሉ ይሕብር፡ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንክልቲኤን እዘን ሃገራት ተሓተትቲ ይገብረን።
ክኢላታት ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ፡ ገለ ካብ ደገፍቲ ትራምፕ ኣብ 'ኒው ዮርክ ግሎባሊስት'፡ ቻይና ኣብ ቁጥባውን ንግዳውን ኣሜሪካን ኣገዳሲት እያ ኢሎም ዝጽሓፍዎ ብዓይኒ ስክፍታ እዮም ዝርእይዎ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቻይና ዝነበረ ግርይ ሎክ'ውን ንሓሳብ ክኢላታት ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ይድግፎ እዩ።
"ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ካብ ሕጂ ንንዮ ካልእ መልክዕ እዩ ክህልዎ፡ ምናልባት ብዙሓት ሓረስቶት ኣሜሪካ ዕዳግኦም ኣብ ቻይና ሰለዝኾነ ንግዳዊ ርክብ ኣይክህሉን እዩ ምባል ተጻያዊ ሓሳብ ክመስል ይኽእል እዩ" ይብል።
ምርጫ ኣሜሪካ ምስ ምቅራቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣሜሪካ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ትራምፕ ብደገፍ ሪፓብሊካውያን እቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘለዎ ኣረኣእያ ብዝሓየለ መልክዕ ከምዝደፍኣሉ እዩ ዝገልጽ።
ብዙሓት እውን ቻይና ኮሮናቫይረስ ናብ መላእ ዓለም ንኽላባዕ ዘርኣየቶ ሸለልትነት ክትቅጽዓሉ ዘኽእል ሕጊ ክንደፍ ንትራምፕ ይደፋፍእዎ ኣለዉ።
ግዝኣታታ ሚዞሪን ሚሲሲፒን ብወገነን ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝወረደን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ንኽከሓሳሉ ንቻይና ክኸሳኣ ኣብ ምሽብሻብ ይረከባ።
ካብ ቀደም ጀሚሩ ንቻይና ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኣባል ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ኣሜሪካ ቶም ኮቶን ብወገኑ ቻይና ኮነ ኢላ ኮሮናቫይረስ ካብ ዶባታ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገራት ክልሕም ከምዝገበረት እዩ ዝጠቅስ።
ነቲ ምኽንያት ድማ ብከምዚ ይገልጾ "ብሰንኪ እዚ ቫይረስ፡ ቁጠባ ቻይና እንተ ኣንቆልቁሉ፡ ቻይና፡ ዝተረፈት ዓለም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ኮይና ቁጠባዊ ዕብየት ከተርኢ ዓይና ኣይክእለላን እዩ" ይብል።
ቶም ኮቶን ብምስዓብ ጎኒ ጎኒ እቲ ዝነበረ ውዕዉዕ ጽምደ-ሰልፋዊ፡ ኣሜሪካ ኣብ መሳርሒታት ጥዕናን መድሃኒትን ኣብ ቻይና ከምትምርኮስ ዘርኣየ ኣጋጣሚ ምንባሩ እውን ይጠቅስ።
እዚ ምፍጣጥ እዘን ክልተ ሃገራት ኪኖ እቲ ኣብ ሞንገአን ዘሎ ናይ ቃላት ኲናት፡ ኣብ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ጽልኢ ጓኖት ይስዕርር ምህላዉ ኣሻቃሊ ይገብሮ።
ጋሪ ሎክ ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዘለዎ ተቃውሞ ብምግላጽ "ኣነ ቻይናዊ ኣሜሪካዊ ስለዝኾንኩ፡ ብዓል መዚ ቻይና እየ ማለት ኣይኮነን" ኸኣ ይብል።
ቻይና'ውን ንጽልኢ ጓኖይት ኣይትድግፎን እያ።
ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ሕዳር ክካየድ'ዩ ውጥን ተታሒዝሉ ዘሎ፡ ህዝቢ ንህይወቱ ዘስግእ ሕማም እናሐመሶ፡ ዛዕባ ቻይና ኣብ መላእ ኣሜሪካ ተሓምበለ እናበለ ግን እንታይ እዩ ክመስል?እቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝህቦ ሕርያ ግን እቲ ሕሜታ ናብ ቻይና ድዩ ናብ ኣሜሪካ ክልሕም ዓቢ ኣንፈት ክህብ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







