ኮሮናቫይረስ ቑጠባ ቻይና ኣብ ውሽጢ ዓሰርታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ክድልጎ ገይሩ

ሰራሕተኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምኽንያት ምዕጻው ትካላት ንግድን ፋብሪካታትን ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቁጠባ ቻይና ኣብ ውሽጢ ዓሰርታት ዓመታት ክጎድል ገይሩ።

እዚ ሎሚ ዓርቢ ዝወጽአ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ወናኒት ካልኣይ ዓብዪ ቁጠባ ዓለምና ዝኾነት ቻይና፡ ቁጠብኣ ናብ 6.8 ሚኢታዊት ምንካይ ኣርእዩ።

እዚ ቻይና ዝለዓለ ዕብየት ምምዝጋብ ካብ ዝጀመረትሉ 1992 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣትሒዙ ዘጋጠመ ምጉዳል ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት [2020] ዝተርኣየ ምንካይ ቑጠባ እዛ ሃገር ኮይኑ'ሎ።

"እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተርኣየ ምጉዳል፡ ኣብ ዘላቒ ቁጠባዊ እቶት፣ ኣብ ንኣሽቱ ኩባኒያታትን ሸቕሊ ኣልቦነትን ክንጸባረቕ ዝኽእል ጽልዋ ኣለዎ" ኢሉ ክኢላ ስነ ቁጠባ ዩ ሱ።

ኣብ ቻይና ጽልዋ ዝፈጠረ ኮሮናቫይረስ ንኻልኦት ሃገራት'ውን ዓብዪ ስግኣት ቁጠባዊ ምንጋዕ ምዃኑ ይንገር።

ዝሓለፈ ዓመት ቑጠባ ቻይና ምዕሩይ ዝኾነ ዕብየት እንተርኢ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ብ6.4 ሚኢታዊት ዓብዪ ነይሩ፤ እዚ እዋን ብምኽንያት ንግዳዊ ውጥጥ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ምልውዋጥ ንግዲ ተዓጽዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ዓመታዊ ማእከላይ ዕብየት ቻይና 9 ሚኢታዊት ዝጽጋዕ ነይሩ።

ትማሊ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ]፡ ኣብ 60 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብዚ ዓመት ኣብ ኤዥያ ዝምዝገብ ዕብየት ባዶ እዩ ክብል ኣተንቢሁ'ዩ።

በዚ ምኽንያት ዓለምለኻዊ ቑጠባዊ "ዝኸፍአ ዝሕታለ" ከጋጥሞ ይኽእል ክብል ኣጠንቂቑ።

ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝተወሰዱ ስጉምታት ዕጽዋን ምቁራጽ ምንቅስቓሳትን ንጥፈታት ንግድን ካልኦት ስራሕትን ከምኡ'ውን መገዲታት ኣየር፣ ፋብሪካታት፣ ድኳናትን ሬስቶራንታትን ከም ዝተጸለው እንትገልጽ፡ ብፍላይ ዓውዲ ኣገልግሎት ኤዥያ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ከቢድ ፈተና ክገጥሞ'ዩ ኢሉ።

ኮሮና
ኮሮና