ጋና ብዙሓት ምርመራታት ኮሮናቫይረስ ክተካይድ ዝኸኣለትሉ ሚስጥር እንታይ እዩ?

ብደረጃ ዓለም ሕፅረት መሳርሒ መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጋና፡ ብሓደ መመርመሪ ብዙሓት ቅምሶታት (ሳምፕል) ትምርምር ኣላ።

እዚ 'ፑል ቴስቲንግ' ዝብል ስያመ ዝሓዘ ሜላ፡ ካብ ብዙሓት ሰባት ዝተወሰደ ቅምሶ ተሓዊሱ ብሓደ ይምርመር። ብሓደ መመርመሪ 10 ቅምሶታት መምምርማር የኽእል።

እቲ ዝተሓወሰ ቅምሶ እንተድኣ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ፡ ሕድሕድ ቅምሶታት በበይኑ ብምምርማር፡ ኣየናይ ቅምሶ ቫይረስ ከምዘለዎ ይንጸር።

እንተደኣ ናጻ ኮይኑ ግን፤ ብሓደ መመርመሪ ናይ ብዙሓት ሰባት ቅምሶ ናጻ ከምዝኾነ ምፍላጥ ይከኣል ማለት እዩ።

ተመራመርቲ፡ ጋና ኮሮናቫይረስ ንምካምካት ኣብ ትገብሮ ዘላ ቃልሲ፡ እዚ ሜላ ግዜ ቆጣቢ ከምዝኾነ እዮም ዝገልፁ።

'ፑል ቴስቲንግ'፡ ጋና ዛጊድ ልዕሊ 100 ሽሕ ምርመራታት ኮሮናቫይረስ ክተካይድ ሓጊዝዋ እዩ።

ይኹን'ምበር እዚ መመርመሪ ውፅኢታዊ ዝኸውን፡ ኣብታ ሃገር ብኮቪድ-19 ናይ ዝልከፉ ሰባት ኣሃዝ ትሑት ኮይኑ እንተቐፂሉ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት'ውን ንውጽኢታውነት እዚ ምርመራ ይጠራተርዎ እዮም።

ናና ኮፊ ኩዋኪ፡ ኣብ ኒውዮርክ ስኩል ኦፍ ሀልዝ ተማራማሪ እዩ።

ካብቶም ዝተሓወሱ ቅምሶታት መብዛሕተኦም እቲ ቫይረስ እንተተረኺብዎም ግና፡ ተመሊሶም በብውልቀ ክምርመሩ ስለዘለዎም ውጽኢታዊ ከምዘይከውን እዚ ተመራማሪ ይገልጽ።

ሃገራት ጀርመንን ህንድን እውን፡ ተመሳሳሊ መመርመሪ ሜላ ብምጥቃም እየን፡ ናይ ምምርማር ዓቕመን ብምዕባይ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከለልያ ክኢለን።

ጋና፡ ቅምሶታት ኮሮናቫይረስ ናብ ቤተ-ፈተነ ንምብፃሕ፡ ኣብ ዓለም፡ ንፈለማ ግዘ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተጠቐመት ሃገር እያ።

ኣብ ጋና ዛጊድ 2719 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፡ ህይወት 18 ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ጠፊኡ እዩ።