እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ካብ ኣመሪካ ዝቐረበላ ክሲ የሻቕላ ዶ ይኸውን ?
ግዝኣት ሚዞሪ ንቻይና እትኸሰሉ ዘላ እዋን፡ ትራምፕ ብጉዳይ ከቪድ-19 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ኢዱ ኣብ ዘወጣውጠሉ ጊዘ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ፈለማ፡ ቻይና ነቲ ለበዳ ዝኣለየትሉ መንገዲ ንኢዱ እዩ ተዛሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ሃገሩ ኣትዩ ንባዕሉ ኣብ ጭንቂ ምስ ኣተወ ናብ ቻይና ከሳብብ ጀሚሩ፡ 'ነዚ ኹሉ መዓት ቻይና እያ ትሕተተሉ' ኢሉ።
ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት [ኤውሮጳውያን] ኣብታ ሃገር ክካየድ መደብ ምስ ዝተትሓዘሊ መረጻ እዮም ዘተኣሳስርዎ።
እዚ ካብ ግዝኣት ሚዞሪን ካብ ገለ ኩባንያታትን ንዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ንሰልፊ ሪፐብሊካን ጽቡቐ ፖለቲካዊ ከስቢ ክረኽበሉ ከምዝኽእል እዮም ዝዛረቡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ፡ ፕሮፌሰር ቶም ጊንስበርግ፡ "ብዙሓት ፖለቲከኛታት ናይቲ መንግስቲ ውድቀት ንምሽፋን ትኹረቶም ኣብ ጉዳያት ቻይና እዩ ኾይኑ ዘሎ" ዝብል ርእይቶ ሂቡ።
እቲ ክሲ እንታይ ዝብል እዩ?
ግዝኣት ኣመሪካ፡ ሚዞሪ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይናን እቲ መራሒ ውድብን ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ እያ ክሲ መስሪታ ዘላ።
እቲ ክሲ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምግታእ፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ ምክልኻል ከይግበር ቻይና ኮነ ኢልካ ብምትላልን ብምሽፍፋንን ሓሊፋቶ ዝብል እዩ።
"መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ ሓደገኛነትን ባህሪ ምልባዕ እቲ ሕማምን ንዓለም ሓቢኡዎ እዩ። እቲ ሕማም ብኣግኡ ንምግታእ ድማ ግቡእ እጃሙ ኣይተዋጸአን" ዝብል ይርከቦ ትሕዝቶ እቲ ክሲ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ኤሪክ ስችሜት "ነዚ ተግባሮም ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ" ኢሉ።
እቲ ክሲ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ንዝበጽሐ ሞትን ስቅያትን፣ ከምኡ'ውን ቁጠባዊ ቅልውላው ቻይና ክትክሕስ ይጠልብ፥።
ቻይና ብወገና፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ዝኣለየሉ መገዲ እያ ትነቅፍ።
ንቻይና ዘሻቕል ድዩ?
ሰበ-ስልጣን ሚሶሪ፡ ነቲ ክሲ ታሪኻዊ ዝበልዎ እንትኸውን፡ ገለ ተዓዘብቲ ድማ ትርጉም ዘለዎ ክሲ መሲሉ ኣይተርኣዮምን።
ቻይና'ውን እዚ ክሲ ወዲ ክሲ ዘገደሳ ኣይትመስልን። ናይ ደገ መንግስታት ኣብ ዓዳዊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከይኽሰሳ ዝእግድ ሕጊ ኣሎ።
ምናልባሽ፡ ኣመሪካ ብሓቂ ንቻይና ክትከስስ ድሌት እንተሃልዩዋ፡ ኣብ ዓለማዊ ኣብያተ ፍርዲ እያ ክተቕርቦ እትኽእል።
ከምኡ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ቻይና ድማ፡ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰልን ግቡእን ኣለዎ።