ኮሮናቫይረስ፡ ኣየነይቲ ሃገር'ዩ ዝያዳ ሃስዩ ዝሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩሉ ሰብ፡ ኣብ ዛዕባ ኮሮናቫይረስ ንሃገሩ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ዘላቶ ደረጃ ንምፍላጥ ወትሩ'ዩ ምንጭታት ዝፈታትሽ።
ናይ ሓንቲ ሃገር ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ፈሊጥና፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድሓን ኣላ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ከኣ ዝያዳ ተሃስያ ኣላ ክንብል ንኽእል ዲና?
ንኣብነት እታ 330 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዉዋ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እታ ዝበዝሑ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዘለዉዋ ሃገር እያ። ክሳብ ዕለት 22 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ልዕሊ 825 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፡ ሞት ልዕሊ 45 ሽሕ ከኣ ተመዝጊቡ'ሎ።
ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዘለዋ ሃገራት ዓባይ ብርጣንያ፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጣልያንን ስጳኛን እንድሕሪ ወሲድና ድምር ህዝቢ ናይ ሓሙሽቲኤን ሃገራት 320 ሚልዮን እዩ ዝበጽሕ።
ኣብ ሓሙሽቲኤን ዘለዉ ቁጽሪ ምውታት ኮሮናቫይረስ እንተሪኢና ድማ ኣስታት 90 ሽሕ'ዩ፡ ክልተ ዕጽፊ ናይ ኣሜሪካ ማለት'ዩ።
ስለዚ ኣብ ካልእ ሮቋሒታት ዘይተመርኮሰ ቁጽሪ፡ ደረጃ ሃገራት ክነገረና ኣይክእልን'ዩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢድንበርግ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ሮውላንድ ካኦ፡ እቲ መጠን ለበዳ ብሃገራት ብምምውድዳር ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ክልተ ነገራት ከምዘሎ'ዩ ዝሕብር።
"እቲ ዝንገር ዘሎ ቁጽሪ ሓቂ ድዩ ዝብልን እቲ ቫይረስ ንኸስፋሕፍሕ ረኺብዎ ዘሎ ዕድልን (ኣብ ነብሲ ወከፍ ሃገር)" ይብል።
ነዚ ንምሩጓድ ንኣሽቱ ዝመስሉ ግን ከኣ ኣገደስቲ ሮቋሒታት ምዝርዛር ይከኣል … ስዓቡና
ምቁጻር ምውታት
ሃገራት ኣብ ምቁጻር ምውታት ኮቪድ-19 ዝኽተለኦ ዘለዋ ክልተ ዓይነት መንገዲ እዩ።
ንኣብነት፡ ፈረንሳ ዋላ ኣብ ገዛ እናተኣለዩ እንከለዉ ንዝሞቱ'ያ ኣብ ቁጽሪ ተእትዎም ዘላ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ግን ኣብ ሆስፒታል ናይ ዝሞቱ ጥራይ'ዩ ዝንገር ዘሎ።
ኣብ ኣቆጻጻራ ግዳያት ኮቪድ-19 ንኹለን ሃገራት ዘማእክል ሕጊ ክሳብ ዘይሃለወ ከኣ እቲ መስርሕ ከምዚ ኢሉ'ዩ ክቅጽል።
እቲ ብኮቪድ-19 ሞይቱ ዝብሃል ዘሎ፡ ብሕክምና ተመርሚሩ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ ጥራይ ድዩ ዋላስ፡ ዶክተር ርእዩ ምልክታት ርእዩ ብኮቪድ-19 ዝጠርጠሮ'ውን ኣብዚ ቁጽሪ እዚ እቱው እዩ፡ ካልእ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ'ዩ።
መጠን ሞት
ኣብ መጠነ ሞት ብዙሕ ኣተኩሮ ይውሃብ'ዩ፡ ንምቁጻሮም'ውን ዝተፈላለየ ሳይንሳዊ ሜላታት ክንክተል ንኽእል።
እቲ ሓደን ቀንድን፡ ኣብቶም ብኮቪድ-19 ምልካፎም ዝተረጋገጸ ክንደይ ሚእታዊት ሞይቶም ዝብል እዩ።
ኣብዚ'ውን ሃገራት ዝተፈላለየ ሜላ ኣመራምራ ዝለዝጥቀማ ውዱእ መልሲ ዝህብ ኣይኮነን።
ንኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ብጽኑዕ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሱ'ያ ብቀዳምነት ትምርምር። ንዓባይ ብርጣንያ ምስተን ብኣልማማ ንህዝበን ዝምርምራ እንተ ኣወዳዲርናያ፡ መጠን ሞት እታ ሃገር ላዕሊ ከደይቦ ይኽእል እዩ።
እተን ዝያዳ መርመራ ዝገብራ ሃገራት፡ ብዙሓት ምልክታት እቲ ሕማም ዘለዎም ዘይብሎምን ክፈልጣ ከኢለን ስለዘለዋ ቁጽረን ዛይዱ ከርአ ይኽእል'ዩ። እንተኾነ ዜጋታተን ከይተወጽዑ የለልይዎም ስለዘለው መጠን ሞት ክንኪ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ቁጽሪ ልኹፋትን ጉዚ ናይ ምውታትን ምፍላጥ'ውን እኹል ስእሊ ክህበና ኣይክእልን'ዩ።
እቲ ኣብዚ ምስ ቁጽሪ ምዉታት ኣዛሚድና ክንርእዮ እንኽእል ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር'ዩ፡ ንኣብነት ኣብ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክንደይ ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ ዝብል እዩ።
እዚ'ውን ኣብታ ሃገር እቲ ለበዳ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ ዝብል ማሕንቆ ኮይኑ ስለዝሕዞ ውዱእ ስእሊ ዝህን ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሎቲካዊ ሮቋሒታት
ካብተን ክቱር ፖሊቲካዊ ጸቅጢ ዝኽተላ ሃገራት ዝመጽእ ቁጽሪ ግዳያት ሓንጎፋይ ኢልካ ብምእምነት ክትቕበሎ ከቢድ እዩ።
ኣብ ከም ብዓል ኢራንን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ዝንገር ዘሎ ቁጽሪ ናይ ብሓቂ ቅኑዕ ድዩ እንተተባሂሉ፡ እንድዒ'ዩ እቲ መልሲ።
ኣብታ እዚ ሕማም መጀመርታ ዝተረኣየላ ሃገረ ቻይና፡ ኣብ ሓደ ሚልዮን ዘሎ ጉዚ መጠን ሞት ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ነቲ ኣብ ውሃን ቁጽሪ ምውታት ኢላ ኣመዝጊባቶ ዝንበረት መጠን ሞት ዳግም ብ50 ሚእታዊት ወሲኻ ምስ ኣምጽኣቶ ድማ ምጥርጣር ክፈጥር ባሕርያዊ እዩ።
ስለዚ እዚ ዝንገር ዘሎ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለከፉን ዝሞቱን ሓቂ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ መልሲ እንድዒ'ዩ።
ብዝሒ ህዝቢ ከም ሮቋሒ
ሃገራት ብብዝሒ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮና፡ እቲ ዲሞክራፊ (መጠን ዕድመ ህዝበንን ኣበይ ይነብርን) እውን ኣገዳሲ ሮቋሒ እዩ።
ኮሮናቫይረስ ሕዱር ሓማም ንዘለዎምን ንኣረጋዋያንን ዝያዳ ስለዘጥቕዕ፡ ዝበዝሐ ህዝበን ኣብ ክሊ ዕድመ 'መንእሰይ' ዝርከብ ሃገራት ዝተፈለየ ቁጽሪ ከርእያ ይኽእላ እየን።
ከም መነጻጸሪ ኣብ ሞንጎ ዓባይ ብርጣንያን ሪፓብሊክ ኣየርላንድን እንድሕር ወሲድና፡ ነዚ ኣምር እዚ ዘፍርስ ካልእ ሮቋሒ እዩ ኣብ ቅድሚና ኮፍ ኢሉ ዝጸንሓና።
ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ዝበዝሐ ህዝባ ኣብ ገጠር ስለዝነብር ዝወሓደ ጻዕቂ ህዝቢ ስለዘለዋ ንምውድዳረን ኣሸጋሪ ይገብሮ።
ንሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ እነወዳድረሉ ከኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ካብ ህዝበን ኣብ ክሊ ዕድመ መንእሰይ ስለዘሎ ድሓን'ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ኣብ እተምርሓሉ ካልእ ሮቋሒ ኣብ ርእስካ ጉልጭ ይብለካ።
ኣገልግሎት ጥዕና ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ኣውሮጳ ካብተን ዝበዝሐ ክፋል ህዝብን ኣብ ክሊ ዕድመ 'መንእሰይ' ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓሸን ዝበለጸን ትሕተ ቅርጺ ኣገልግሎት ጥዕና ኣለወን።
እዚ ከኣ ኣብ ምምካት ኮሮናቫይረስ ርኡይ ለውጢ ክርኣኣየሉ ዝኽእል ባይታ እዩ።
እንተኾነ እዚ በይኑ'ውን ንሃገራት ብደረጃ ንምስራዕ ውዱእ ስእሊ ዝህብ ኣይኮነን።
ካብ ዩኒቨርስቲ ሳውዝሃምፕቶን ፕሮፌሴር ቅምዲ ታተም፡ "እኹል ትሕተ ቅርጺ ድኣ ይሃሉ'ምበር፡ ርትዓዊ ድዩ? ንኩሉ ሰብ ብማዕረዶ የገልግል? ኢንሹራንስ እተን ሃገራት ቀዳምነታት ዝሰርዕ ድዩ ዋላስ ንኹሉ ህዝቢ ብሓደ ዓይነት'ዩ ዝርኢ? ብዙሕ ሕቶታት'ዩ፡ ኩሉ ከኣ መልሲ የድልዮ'ዩ" ይብል።
ኣብዚ እቲ ጎኒ ጎኒ እቲ ትሕተ ቅርጺ ኣገልግሎት ጥዕና ዝኸይድ ኣብተን ሃገራት ክንደይ ዝኣኽሉ ምዝጉባት ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣለዉ ዝብል'ዩ።
ነዚ መልሲ እንተዘይተረኺብዎ ከኣ ውዱእ መደመደመታ ምሃብ ዝከኣል ኣይኮንነ።
መርመራ
እተን ኣብ መጀመርታ ብኣልማማ መርመራ ዝገበራ ሃገራት፡ ነቶም ምስቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ብምክትታል ዝርገሐ እቲ ለበዳ ኣብ ምንካይ ተዓዊተን እየን።
ኣብዚ ሮቋሒ እዚ ጀርመንን ደቡብ ኮርያን ክጥቀሳ ይክእላ እየን። ምስቲ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ውሑድ ቁጽሪ ምውታይ'የን ኣመዝጊበን።
ኣብነት እዘን ሃገራት ብምውሳድ፡ ብብዝሒ መርመራ ምክያድ ንብዝሒ ሞይ ከነክዮ ከምዝክእል ምርዳእ ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለዚ ሕጂ እውን ንሃገራት ብደረጃ ንምቕማጥ ነብሲ-ወከፍ ሃገር ዝገበረቶ ብዝሒ መርመራ ከም ሮቋሒ ምቕማጥ ግዲ ይኸውን።
ጣልያን ልክዕ ከም ደቡብ ኮርያን ጀርመንን ብዙሕ መርመራ ኣካይዳ እያ፡ እንተኾነ እቲ ለበዳ ሱር ምስ ሰደደ ስለዘካየደቶ ከም ጀርመንን ደቡብ ኮርያን ውጽኢት ኣየመዝገበላን፡ ስለዚ ንመርመራ ከም ሮቋሒ ንምውሳዱ'ውን ምዓስ'ዩ ተኻይዱ? ዝብል ሓሳብ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።
ብዘይካ እዚ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ሃገር ዘሎ መጠን መርመራ ሓደ ስለዘይኮነ እዚ'ውን ናብ ሓደ ቅኑዕ መደምደምታ ዝወስድ ሮቋሒ ኣይኮነን።
ስለዚ ሃገራት ምውድዳር ዝከኣል ኣይኮነን
ኣብዞም ኩሎም ሮቋሒታት ተሞርኲስካ ሓደ ዘይውዱእ ናብ ሓቂ ዝቐረብ መደምደምታ ክውሃብ ምተኸኣለ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፕሮፌሰር ጃሶን ኦከ "እቲ ደረጃ ምፍላጥ ዘድልየሉ፡ ኣየነይቲ ሃገር እያ ዝያዳ ምስራሕ ዘድልያ ንምፍላጥ ስለዝሕግዝ እዩ " ይብል።
ብምስዓብ " ካብዚ ዘሎ ኩሉ ሮቋሒታት እቲ ብብዝሒ መመርመራ ምክያድ ብጽቡቕ ሸነኹ ኣብ ቅድሚት ከስርዕ ዝኽእል ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል" ድሕሪ ምባል፡ መን'ያ ዝያዳ ተሃስያ ዘላ ሃገር ንዝብል መልሲ ንኽርከቦ ግን ክሳብ እዚ ለበዳ መዕለቢ ዝርከቦ ምጽባይ ከምዘድሊ ይዛረብ።
ኣብ መወዳእታ ፕሮፌሰር ጃሶን ኦከ " እዚ ዘሎ ነገር ምስ ኣኽተመ ኢና ካብዚ ዘሎ ንመጻኢ ዝኾነና ትምህርቲ ክንቀስም ንኽእል ይብል"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







