እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝፍተና ዘለዋ መናበዪ ኣረጋውያን ኤውሮጳ
ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ኣረጋውያን ዝሕብሓቡለን ማእከላት፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ውሽጠን ከይላባዕ ይቃለሳ ኣለዋ፡፡
ፈረንሳ ዛጊት ኣብቲ መእለዪ ማእከላት ዝነብሩ 884 ኣረጋውያን፡ በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ገሊጻ ኣላ፡፡
ኣብ ርእሰ ከተማ ስጳኛ፡ ማድሪድ፡ ኣብተን ማእከላት ብዙሓት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን፡ ብፍላይ ኣብ ክልተ ካብኣተን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ተሓቢሩ።
ኣብ ጣልያናዊት ከተማ ነፕልስ ኣብ ዝርከብ ተመሳሳሊ ማእከል 'ውን በቲ ቫይረስ ብዙሓት ምስሞቱ፡ ካልኦት ነበርቲ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ተገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ስዊዲን ከተማ ስቶክሆልም፡ ኮቪድ-19 ኣብ 100 ማእከላት ከምዝተላበዐን፡ 400 ሰባት ከም ዝተታሕዙን ከባቢ 50 ከምዝሞቱን ጸብጻባት ሓቢሮም።
መንግስቲ ፈረንሳ፡ ጸብጻብ ናይዘን መሓብሓቢ ማእከላት ኣብቲ መዓልታዊ ክግለጽ ዝጸንሐ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱን ዝተለኸፉን ሰባት ይኣቱ ኣይነበረን ኢሉ።
ዓመታዊ ሞት 5 ኣብ ዝነበረሉ ሓደ ማእከል ኣረጋውያን ፈረንሳ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ 10 ሞት ከምዘመዝገበ ዳይረክተር እቲ ማእከል ተዛሪቡ፡፡
ኣብ ማድሪድ ድማ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብተን ማእከላት ከባቢ 3000 ሰባት ከምዝሞቱን እዚ ድማ ካብቲ ልሙድ ብ 2 ሽሕ ከምዝዛይድን ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኢጣልያ ዝተራእየ ልዑል መጠን ሞት ድማ፡ ኣመሓደርቲ ነቲ ለበዳ ዕሽሽ ኢሎምዎ ብምንባሮም ዝሰዓበ ከምዝኾነ ቤተሰብ እቶም ኣብተ ማእከላት ዝነብሩ ሰባት የማርሩ፡፡