ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ'ዩ ክብል ብወግዒ ኣዊጁ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ'ዩ ክብል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣካያዲ እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቁጽሪ ካብ ቻይና ወጻኢ ዝተረኸቡ ግዳያት እቲ ቫይረስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ብ13 ዕጽፊ ወሲኹ ክብል ሓቢሩ።

ንሱ፡ እቲ ብፍጥነት ዝላባዕ ዘሎ ቫይረስ ከምዘተሓሳሰቦ'ውን ተዛሪቡ።

ለበዳ ዝበሃል እቲ ሕማም ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክላባዕ ከሎ እዩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ መንግስትታት ነቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቍጽጻር፡ ቕልጡፍን ዘየላቡን ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዑ።

ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ሕማም ክገትእዎን ክቆጻጸርዎን ከምዝኽእሉ ብግብሪ ከምዘርኣዩ ሓቢሩ።

መንግስትታት ዓለም ድማ፡ ንጥዕናን መሰላትን ዜጋታተን ኣብ ሓደጋ ከይኣእተዋ፡ ነቲ ሕምም ንምቍጽጻር ዘድሊ ስጉምትታት ክገብራ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ጀርመን'ውን 70 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሃገሩ በቲ ሕማም ክልከፍ ከምዝኽእል ኣጠንቑቁ'ሎ።

ኢጣልያ እታ ኣብ ኤውሮጳ ቀንዲ ግዳይ እዚ ሕማም ኮይና፡ ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እቲ ቫይረስ ክርከቦም እንከሎ ልዕሊ 631 ድማ ሞይቶም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየዱ ኩሎም ስፖርታዊ ግጥማትን ኩሎም ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ክሳብ 3 ሚያዝያ ክዕጸው ኣዚዙ'ሎ።

ዓባይ ብርጣንያ ቀጽሪ ግዳያታ ኣብ ምውሳኽ ዝርከብ ዘሎ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ 382 በዚ ቫይረስ ተለኺፎማ ኣለዉ። ካብዚ ብምብጋስ ብኮሮናቫይርስ ክጽሎ ዝኽእል ዕዳጋታትን ሰባትን ዝውዕል 30 ቢልዮን ፓውንድ ከምዝሰለዐት ሎሚ ኣፍሊጣ'ላ።

ሚኒስተሪ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ናዲን ዶሪስ፡ በቲ ሕማም ተለኺፋ ኣብ ገዝኣ ተወሺባ ከምዘላ ሓቢራ።

እታ መጀመርያ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝተራእየላ ቻይና፡ ኣስታት 3,136 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 80,754 ሽሕ ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለው ይግለጽ።